ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካዊ ጀነራል፡ ኣዲስ ኣበባ ብዕጡቓት እንተተታሒዛ ዓቢ ቅልውላው ክኽሰት'ዩ ኢሉ

ኣብ ጁቡቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ እንተድኣ ኣትያ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝገዘፈ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝመርሕ ጀነራል ዊልያም፡ እቲ ሓደ ዓመት ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ኢትጵያ ኣብ መላእ እዚ ዞባ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ገሊጹ።

ሜጀር ጀነራል ዊልያም፡ "እቲ ዝዓበየ ስግኣተይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዝኾነ ዓይነት ነገር ኣብተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ጸጥተአንን ምርግገአአንን ጽልዋ ስለ ዝፈጥር'ዩ" ኢሉ።

እቲ ጀነራል፡ ኢትዮጵያ ብዘጋጥማ ዘይምርግጋእ ነቲ ኣብ ሶማልያ ኣዋፊራቶ ዘላ ሰራዊት እንተስሒባቶ፡ እተን ኣብ ሶማልያ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዘለዋ ሓመሽተ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ በቲ ውሳነ ክጽለዋ ከም ዝኽእላ ኣብሪሁ።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሶማልያ ዘዋፈረቶ ሰራዊታ ከተውጽኦ እንተወሲና፡ "ናይቶም ሕሉፋት ዝኾኑ ኣኽረርቲ [ኣልሸባብ] ምንቅስቓስ ክዛይድ ይኽእል'ዩ" እውን ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ነቲ ብሰንኪ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ሱዳንን ግብጽን ዘለዋ ምስሕሓብን ነቲ ብሰንኪ ዶብ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዘይምርድዳእን ናብ ካልእ ኣስጋኢ ኣንፈት ክወስዶ ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ጀነራል ዊልያም ዛና፡ ቅልውላው ኢትዮጵያ እናዛየደ ኣብ ዝኸደሉ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዳ ይኽእላ'የን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ'ውን ኣይሓበአን።

"ስግኣተይ፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ቅልውላው፡ ነቲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ግብጽን ሱዳንን፡ ከምኡ'ውን ምስ ሱዳን ዘለዋ ናይ ዶባት ጸገማት ንምፍታሕ ዝጀመረቶ ልዝብ ኣብ መዕለቢኡ ከተብጽሖ ምስ ዘይትኽእል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጸገማታ ኣቶኵራ እንከላ፡ ሱዳንን ግብጽን ተሪር ዝኾነ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን መጥቃዕቲ ክፍንዋላ ይኽእላ'የን ዝብል እዩ" ኢሉ።

ኣዲስ ኣበባ ብሓይልታት ትግራይ ምስ ትተሓዝ፡ ተራ እቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሓይሊ ኣመሪካ እንታይ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ጀነራል ዊልያም፡ ኣብ ጁቡቲ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ሰራዊት ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ቅልውላው ምስ ዝፍጠር መልሲ ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ።

ጀነራል ዊልያም፡ ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ኣመሪካውያንን ናይ ካልእ ሃገር ዜጋታትን ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምውጻእን ኣድላዩ ደገፋት ንምግባርን ዝርዝራዊ ውጥን ከም ዘውጽኡን ምድላዋት ከም ዝገበሩን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣንጻር መንግስቲ ትግራይ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ድልየቶም ገሊጾም ኣለዉ፡፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ካልእ ዕጡቕ ተቓዋሚ እውን ኣብ ጎኖም ተሰሊፉ ይርከብ፡፡

ብኣንጻሩ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ዜጋታት ናይ ውልቀኦም መሳርሒ ኲናት ከመዝግቡን ከባቢኦም ክከላኸሉን ብምጽዋዕ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ፡፡

ኤምባሲ ኣመሪካ ብምኽንያት ‘‘ኣዝዩ ተለዋዋጢ’’ ኩነታት ጸጥታ ዜጋታት ኣመሪካ ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ጸዊዑ፡፡

ኣመሪካ፡ ኣብ ጂቡቲ መዓስከር ለሞንየ፣ ኣስታት 4 ሽሕ ሰራዊት ከምዘለዋ ይግለጽ።

ካብ 2002 ኣትሒዛ ንመዓስከር ለሞንየ ብክራይ ክትውንኖ ምስ መንግስቲ ጂቡቲ ዝተሰማምዐት ኣመሪካ፣ ንወደብን መዓርፎ ነፈርትን ጂቡቲ ንመናሃርያ መራኽብን ነፈርትን ኵናት ክትጥቀመሉ ይፍቀደላ'ዩ።