ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብታ ሃገር ንዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ ግንባር ኮይኑ ክመርሖ ምዃኑ ሓቢሩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ነቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ንዝገብሮ ዘሎ ኲናት ንምምራሕ ናብ ግንባር ክኸይድ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሰኑይ ምሸት ብናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "እዚ እዋን ንሃገር ብመስዋእትነት ምምራሕ ዘድልየሉ እዩ" ብምባል ኣብቲ ሰራዊት እታ ሃገር ተሰሊፉሉ ዝርከብ ግንባር ብኣካል ተረኺቡ ንምምራሕ "ካብ ጽባሕ ጀሚረ ናብቲ ዓውደ ኲናት ክኸትት እየ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንሸሞንተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ሰራዊት ፌደራል በይነኣዊ ምቁራጽ' ተኹሲ ከም ዝኣወጀ'ኳ ገሊጹ እንተነበረ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ኣሎ።

ካብ ወርሒ ሰነ ንደሓር ሓይልታት ትግራይ ብፍላይ ብሸነኽ ክልል ኣምሓራ፡ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ተቖጻጺሮም ናብ ሰሜን ሸዋ ገጾም ቀሪቦም ምህላዎም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብቲ ግንባር ከምርሕ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ "ታሪኽ ካብ ዘድንቖም ደቂ ኢትዮጵያ ክትኾኑ እትደልዩ ኩላትኩም ንሃገርኩም ክትብሉ ሎሚ ተለዓሉ፤ ኣብ ግንባር ንራኸብ" ብምባል ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ናቱ ናብቲ ዓውደ ኲናት ምኽታት ኣብቲ መንግስቲ ንዝፍጠር ክፍተት ካልኦት ናይ ክልልን ናይ ፌደራልን መራሕቲ ልምዓታውን ምምሕዳራውን ስራሓት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብምሉእ ዓቕሞም ከካይዱ ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

"ጸላእትና ተዋዲዶም ብውሽጥን ብደገን ከቲቶምልና ኣለው" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መንነቶም ዘየነጸሮም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምስ ናይ ውሽጢ ሓይልታት ብምዃን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱ ብምግላጽ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ጸሊም ህዝቢ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ክብል ጸዊዑ።

እቲ ብናይ ደገ ሓይልታት ውዲት ከም ዝተጀመረ ዝገለጾ ኲናት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሎም ጸለምቲ ህዝብታት ሓድሽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምትግባር ዝዓለመ እዩ ኢሉ።

እዚ ውሳነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሰምዐ፡ ፈጻሚት ኮሚቴ ሰልፊ ብልጽግና ብሰኑይ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ድሕሪ ምዝታዩ እዩ።

እቲ ሰልፊ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘካየዶ ኣኬባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ዝዘተየ እኳ እንተገለጸ ዝርዝራት ግና ኣይሃበን።

ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ መፍትሒ ክረክብ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ክገብሩ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፍሉይ ልኡኽ ብምሻም ነቶም ወገናት ንምሽምጋል ይፍትን ኣሎ።