እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበጽሖ ዘሎ ‘ጸቕጢ’ ዝቃወሙ ሰልፍታት ተኻይዶም
ትውልደ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾኑ ተቐማጦ ሰሜን ኣመሪካ፣ ብሪጣኒያን እስራኤልን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘብጽሕኦ ዘለዋ ‘ጸቕጢ’ ብምቅዋም ንመንግስቲ ዝድግፉ ሰልፍታት ኣካይዶም።
እዞም ዜጋታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንዘካይዶ ዘሎ ኲናት ሃገራት ምዕራብ ንመንግስቲ ፌደራል ሓገዝ ክገብራ ሓቲቶም።
ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት 27 ሃገራት ናይ ድጋፍ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ጸብጺቡ።
ካብዚአን፡ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ኒውዮርክ፣ ሎስ ኣንጅለስ፣ ኦስቲን፣ ሂውተን፣ ቶሮንቶ፣ ኦታዋ፣ ካልጋሪ፣ ዊኒፒግን ለንደንን ይጥቀሳ።
ማዕኸን ዜና ካናዳ ዝኾነ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ኣብ ግዝኣት ሞኒቶባ ከተማ ዊፒንግ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት መንግስቲ ካናዳ ንመንግስቲ ፌደራል ድጋፍ ክገብር ሓቲቶም ክብል ጸብጺቡ።
እዚ ሰልፊ ካብ ሞንጎ ዘተሓባበሩ ማርቆስ ተገኘ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኢትዮጵያ ኢዳ ክተእቱ የብላን፤ ኢትዮጵያውያን ዓርሶም ጸገሞም ክፈትሑ ክተፍቅድ ኣለዋ” ክብል ነቲ ማዕኸን ዜና ተዛሪቡ።
ኣብ ካልእ ከተማ ካናዳ’ውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ሲቲቪ ኒውስ ካልጋሪ ጸብጺቡ።
ኣብዚ ናይ ድጋፍ ሰልፊ #NoMore ከምኡ’ውን #Handsoff [ኢድኩም ኣልዕሉ] ዝብሉ ጭርሖታት ተሰሚዖም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ግዝኣት ኣመሪካ ቴክሳስ ከተማ ኦስቲን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ዓርስና ክንፈትሖ ንኽእል ኢና፤ ስለዚ ጠጠው ኣብሉ ናይ ባዕልና ጉዳይ ዓርስና ክንፈትሕ ኢና ንምባል ኢና ኣብዚ ተኣኪብና” ክብል፡ ተሳታፊ ቴድ ሃይሉ ንሲቢኤስ ኦስቲን ተዛሪቡ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍጹም ኣረጋ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣመሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድግፉ ሰልፍታት ከም ዝተኻየዱ ብምሕባር፡ እቲ ናይ ትማሊ መዓልቲ “ኣብ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ መዓልቲ’ዩ” ኢሉ።
ኣካል እዚ ሰልፊ ዝኾነ ናይ ትዊተር ወፍሪ’ውን #Handsoff ዝብል ጭርሖ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ግዜ ኣብ ሪትዊት ተገይሩ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ
እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓኹ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ኣሽሓት ሰባት ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ዝርከቡ ልዕሊ ሽድሽተ ሚሊየን ሰባት ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም እንትግለጽ፡ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም፣ ረድኤት ምእታው ከም ዘይጀመረ ይፍለጥ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከባቢ ሸዋ ሮቢት ይካየድ ከም ዘሎን ብዝተፈላለዩ ግንባራት ውግእ ከም ዝቐጸለን ጸብጻባት ይገልጹ።
ሃገራት ምዕራብን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ጠጠው ብምባል ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ብተደጋጋሚ ይሓትቱ ኣለዉ።
ኣመሪካ ተጻብኦታት ጠጠው ክብሉ ኣለዎም ካብ ምባል ሓሊፋ ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ’ዮም ወይ’ውን እቲ ኲናት ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኖም’ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብመዚ ኤርትራን እገዳ ከም ዝገበረት ይዝከር።
ብተወሳኺ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ምኽንያት ብምግባር ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ካብ እትረኽበሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ክትእገድ ወሲና እያ።
እዚ ኲናት ጠጠው ንምባል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ ነይሩ።
ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሌሶጎን ኦባሳንጆ ብምዃን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ኲናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ክመቻቾን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ኲናት ተገዲደ ዝኣተኹዎ’ዩ ክብል ጸኒሑ።
ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ንምኽፋትን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ሓራ ንምውፃዕ ይዋግኡ ከምዘለዉ’ዮም ዝገልፁ።
ሃገራት ምዕራብ ግን እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዝኾነ ገደብ ንክበጽሕ ክፍቀድን ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።
መንግስቲ ብወገኑ እዘን ሃገራት ንህወሓት ድጋፍ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ክልውጣ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ ክብል ይኸስስ።
ህወሓት ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ሽበራ ዝሰፈረ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝግበር ኲናት ንክድግፍን ክዘምትን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ይርከብ።