ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ናብ ኲናት ከም ዝኸትት ተዛሪቡ

ንኢትዮጵያ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ኦሎምፒክ ዘጸውዐ ፍሉጥ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ናብ ግንባር ከም ዝኸትት ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኲናት ካብ ግንባር ኮይኑ ከም ከም ዝመርሖ ምስ ገለጸ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ተመሳሳሊ ርኢይቶ ይህቡ ኣለው።

ብ2016 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ንዘብጽሖ ዝነበረ ጸቕጢ ኣእዳው ብምጥማር ተቓውምኡ ዘስምዐ ኣትሌት ፈይሳ ለሊሳ'ውን ናብቲ ኲናት ከም ዝጽንበር ገሊጹ።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ዝተጉሃሃረሉን ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ከም ዘለው ኣብ ዝገልጽሉን እዋን ካልኦት ፍሉጣት ሰባት'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ይገልጹ ኣለው።

ብሰኑይ ናብ ግንባር ከም ዝዘምት ዝገለጸ ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ብፍሉይ ሓይሊ ተኸቢቡ ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣበይን መዓዝን ዝተወስደ ምስሊ ምዃኑ ግን ኣይተገልጸን።

እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሸሞ ፍሉይ ልኡኽ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ዝመርሖ ሽምግልና እኳ እንተተጀመረ ኣዝዩ ውሑድ ምዕባለ ጥራይ'ዩ ኣርእዩ።

ብሰሉስ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን እቲ ጎንጺ ጠጠው ንምባል ንግዝኡ ዝተራእየ ዲፕሎማሲያዊ ምዕባለ ኣብ መሬት ዝርኣዩ ዘለው ዘሰክፉ ምዕባለታት ከየግድዑዎ ከም ዝስጋእ ሓቢሩ።

እዚ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሓያል ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ እንከሎ፡ ኣሽሓት ተቐቲሎም፣ ሚሊዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም፣ ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ክወድቁ ገይሩ'ዩ።

ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቱርክን ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይሓታ ኣለዋ።