እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ኢትዮጵያ፡ ጀቡቲ ን20 ዓመት ዝሃነጸቶ ቁጠባ ከዕንዎ ከምዝኽእል ተገሊጹ
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ነታ ንእሽቶ ጎረቤታ ዝኾነት ጅቡቲ ን 20 ዓመታት ክትሃንጾ ዝጸንሐት ቁጠባዊ ዕብየት ከዕንዎ ከምዝኸእል ተገሊጹ፡፡
ሚኒስተር ገንዘብ ጅቡቲ ኢልያስ ሙሳ ዳዋለህ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣታዊ እታ ሃገር ከምዝነከየን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝጠፈአን ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ጥራሕ ፍርቂ ሃፍቲ እታ ሃገር ማለት እውን ኣስታት 1.7 ቢልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ፡፡
ብወራር ዕስለ ኣምበጣ፣ ኮቪድ -19ን ለውጢ ኣየርን ክፍተን ዝጸንሐ ንግዳዊ ሰንሰለት ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኲናት ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ ናብ 20 ምኢታዊት ወሪዱ እዩ፡፡
ልዕሊ 90 ምኢታዊት ቀረብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብወደብ ጅቡቲ ኣቢሉ እዩ ዝኣቱ፡፡
ካብዚ ድማ እታ ንኡሽቶ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ 1.5 ክሳብ 2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ትረክብ፡፡
ጥቡቕ ዝምድና ዘለወን እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ መንጎአን ዝካየድ ንግዳዊ ርክብ ዘደንፍዕ ናይ ንግዲ መተሓላለፊ ንምስራሕ ቢልዮን ዶላራት ወጻኢ ዝገበራ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ንወደብ ጅቡቲ ተበጻሒት እትኾነሉ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝበጽሕ ናይ 470 ማይል መገዲ ባቡር ተሃኒጹ እዩ፡፡
እንተኾነ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተጠናኺሩ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ ዝፈሰሰ መዋእለ ንዋይ ሓዲግ ከይተርፍ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ፡፡
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተስፋፈሐ ኲናት ኣብታ ሃገር ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ፡፡
ዛጊድ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝግመት ኮይኑ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡
እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ፡፡
ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተ ንምምጻእ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ናብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተጓዒዙ ምስ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ከምዝዘተየ ዝዝከር እዩ፡፡
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ብተመሳሳሊ እቲ ጎንጺ ብዘተ ንምፍታሕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘትዩ እዩ፡፡
እንተኾነ ዛጊድ ነቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረን ከቢድ ዕንወት ዘውረደን ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምሃብ ኣፋፍኖት ዘይተረኸበ ኮይኑ፡ ንሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ይግስግሱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡