ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ውድድር ሴካፋ ክትሳተፍ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean National Football Federation
ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብቲ ካብ 28 ጥቅምቲ ክሳብ 9 ሕዳር ኣብ ኡጋንዳ ዝእንገድ ውድድር ሴካፋ ክትሳተፍ እያ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ክትገጥም እያ።
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ታንዛንያን ኣብ ኮስታሪካ ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ንምሕላፍ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ተጋጢመን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ።
ጋንታ ታንዛንያ ኣብ ኣስመራ 3 ብ 0 ክትዕወት እንከላ፡ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝገበረኦ ጸወታ ካልኣይ እግሪ ታንዛንያ ደጊማ 2 ብ0- ብምስዓራ ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ ብድምር ውጽኢት 5 ብ 0 ንኤርትራ ብምስዓርን ብምግላፍን ናብ ዝቅጽል ዙር ምጽራይ ሓሊፋ ኣላ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ዝገበረቶ ናይ መጻረዪ ውድድር ንጅቡቲ ድሕሪ ምግላፍ'የ ብታንዛንያ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ።
እታ ጋንታ፡ ብረቡዕ 20 ጥቅምቲ 2021 ቀዳማይ እግሪ ምጽራይ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022 ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 5 ብ 0 ከም ዝተሰዓረት ኣቃሊሕና ነይርና።
ካልኣይ እግሪ ጸወታ ኣብ ብሩንዲ 26 ጥቅምቲ 2021 ከተካይድ መደብ ተታሑዙ ኣሎ።
መብዛሕትኣን ካብ ኣባላት እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣብታ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ስለ ዝርከባ ግን 26 ጥቅምቲ ኣብ ብሩንዲ ጸወታ ኣካይደን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ኣዕሪፈን ዕለት 28 ኤርትራ ኣንጻር ታንዛንያ፡ ብሩንዲ ኣንጻር ኣአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ጸወታ ከካይዳ ክኸብደን ከም ዝኽል ይግመት።
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ብሩንድን ኣብዚ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ 9 ሕዳር ክጋጠማ ተሰሪዐን ኣለዋ።
ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ መጻረዩ ውንጫ ኣፍሪቃን ኣብ ውድድር ሴካፋን ኣብ ውሽጢ ዕስራ መዓልታት ሰለስተ ግዜ ክጋጠማ እየን።
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን 31 ጥቅምቲ ዝገብረኦ ግጥም'ውን ተዓዘብቲ ክልቲኤን ሃገራት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ጸወታ ክኸውን እዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ሸዱሽተ ሃገራውያን ጋንታታት'የ ተሳታፍነተን ኣረጋጊጸን።
ላዕለዋይ ዳይሬክተር ሴካፋ ኣካ ጌቸ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራውያን ጋንታታት ታንዛንያ፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ብሩንድን አኣንጋዲት ሃገር ኡጋንዳን ክሳተፋ ምዃነን ገሊጹ።
ሃገራውያን ጋንታታት ርዋንዳ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኬንያን ዛንዚባርን እተን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ኣይሳተፋን።
ኩለን እተን ተሳተፍቲ ሃገራት ኣብ ሓደ ምድብ ኮይነን ነብሲ ወከፈን ክጋጠማ እየን።
በዚ መሰረት ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ ምስ ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት ክትጋጠም'ዩ መደብ ተታሒዙ ዘሎ።
መደብ ጸወታ
28 ጥቅምቲ 2021
ታንዛንያ ኣንጻር ኤርትራ
ጅቡቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ
ኡጋንዳ ኣንጻር ብሩንዲ
31 ጥቅምቲ 2021
ኡጋንዳ ኣንጻር ጅቡቲ
ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ
ብሩንዲ ኣንጻር ታንዛንያ
3 ሕዳር 2021
ታንዛንያ ኣንጻር ኢትዮጵያ
ጅቡቲ ኣንጻር ብሩንዲ
ኤርትራ ኣንጻር ኡጋንዳ
6 ሕዳር 2021
ብሩንዲ ኣንጻር ኢትዮጵያ
ኤርትራ ኣንጻር ጅቡቲ
9 ሕዳር 2021
ብሩንዲ ኣንጻር ኤርትራ
ጅቡቲ ኣንጻር ታንዛንያ
ኡጋንዳ ኣንጻር ኢትዮጵያ






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







