ኣፍጋኒስታን፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ 'ሃንዳሲ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሜሪካ ኣብ ምብራቃዊ ኣፍጋኒስታን ብዘካየደቶ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፡ ነዳፊ ትልሚ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ተቀቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጻ።
እቲ ኣባል ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ምዃኑ ዝግለጽ ኣባል ኣብ ግዝኣት ናንጋሃር ዒላማ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 13 ወተሃደራት ዝርከብዎም 170 ሰባት ተቐቲሎም።
ዕጡቃት ጣሊባን ኣብዚ ወርሒ ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ምቁጽጻሩ ስዒቡ፡ እቲ መገዲ ኣየር ብዙሕ በረራታት ከካይድ እዩ ጸኒሑ።
ኣሜሪካ ሓይልታታ ክሳብ ሰሉስ ካብ ኣፍጋኒስታን ለቒቖም ክወጽኡ ግዘ ገደብ ምቕማጣ ስዒቡ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጥራሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ከምዝግዓዙ ይግለጽ።
እዚ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ዝተብሃለ ሽሙ ኢስላሚክ እስቴት ኮሮሳን'[እስላማዊት ሃገር ኣብ ዞባ ኮሮሳን] ካብ ዝብል ዝመንጨወ ኮይኑ ኣብ ኣፋጋኒስታን ንፓኪስታን ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ እዩ።
ካብቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ጅሃዳውያን ጉጅለታት እቲ ኣዝዩ ሕሉፍን ጎንጺ ዝጥቀምን ጉጅለ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ነቶም ጂሃዳውያን ከምትሃድኖም ኣፍሊጡ።
ባይደን ትማሊ፡ ''ኣይክንርስዖን ይቕረ'ውን ኣይንብልን'' ብምባል ዝተሓነየ እንትኾን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት ኣብ ካቡል ካልእ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቁ።
ክሳብ ሕዚ 5800 ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ሰብ ንምውጻእ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ይርከቡ።
ሰብ መዚ ጣሊባን ንክፋላት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተጻቖጸርዎ ዝገለጹ እንከለዉ፡ ኣሜሪካ ግና ሓይልታታ ክሳብ ሕዚ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተቖጻጺረምዎ ከምዘለዉ እያ ትገልጽ።
ወሃቢ ቃል ማእከላይ ኮማንድ ካፕቴን ቢል አርባን፡ ''እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ግዝኣት ናንጋርሃር'ዩ ተኻይዱ። ኣፈናዊ ሓበሬታት ድማ፡ ነቲ ዒላማ ከምዝቐተልናዮ እዮም ዝሕብሩ። ሰለማውያን ሰባት ከምዘይተጎድኡ ንፈልጥ ኢና'' ኢሉ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣኽረርቲ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ኣብ ምብራቃዊ ካቡል ግዝኣት ናንጋርሃር ተሓቢኦም ከምዝርከቡ ይእመን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







