መጥቃዕቲ ናይጄሪያ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ናይጀርያ ልዕሊ 300 ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ጨውዮም

ከተማ ዛምፋራ

ምንጪ ስእሊ, SANUSI JANGEBE

ኣብ ናይጄሪያ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ልዕሊ 300 ተምሃሮ ደቂ-ኣንስትዮ ከምዝተጨወዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ጭውያ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ዛምፋራ ከምዝተፈጸ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሓደ መምህር ከምዝሓበሮ፡ እቶም ዕጡቓት ኣስታት 300 ተመሃሮ ከምዝወሰዱ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ነቲ ጭውያ "ኢሰብኣውን ተቐባልነት ዘይብሉን" ክብል ብምግላጽ፡ ነቲ ናይ ምድሓን ዕማም ንምስላጥ ብኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝቖመ ጉጅለ ኣዋፊሩ ምህላዉ ገሊጹ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ከምዝኣተው ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት፡ ነቲ መዓጾ ቤት-ትምህርቲ ሰይሮም ብምእታው፡ ነተን ኣብ ገዛውተን ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣተንሲኦም ከምዝወሰድወን ገሊጾም።

ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ወርድያ ቐቲሎም ድማ ነተን ተምሃሮ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ ጫካ ሒዞመን ከምዝተሰወሩ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ዋላ'ኳ ዕላማ ናይዚ ኣብ ከተማ ዝተኻየደ ጭውያ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይጀርያ ዕስለ ገበነኛታት ንገንዘብ ኢሎም ቀጻሊ ጭውያታት ከምዝፍጽሙ ወኪል ቢቢሲ ካብ ርእሰከተማ ኣቡጃ ይገልጽ።

ኣብ ናይጄሪያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት፡ ገንዘብ ደሊዮም ተመሃሮ ጅሆ ከምዝሕዝዎም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ልዕሊ 300 ኣወዳት ተምሃሮ ካብታ ኣብ ዞባ ካሲና እትርከብ ከተማ ካንካራ ተወሲዶም ምንባሮም ይዝከር። ምስቶም ዕጡቓት ድሕሪ ዝተገብረ ልዝብ ግን ድሒሮም ተፈቲሖም።

ዝሓለፈ ሰሙን'ውን መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ሓደ ቆልዓ ብምቕታል ካልኦት 27 ከምዝጨወዩ ኣማሓዳሪ ዞባ ኒጀር ገሊጹ ነይሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣስታት 600 ኣወዳት ቆልዑ ኣብ መደቂሲ ክፍልታቶም ከም ዝነበሩ ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዳናሳበ ኡባይዱ ንቢቢሲ ሓቢሩ።