ኮሮናቫይረስ፡ ኦማን፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 10 ሃገራት ንዝመጽኡ ገያሾ ኣይቅበልን ኢላ

ሰንደቕ ዕላማ ዖማን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኦማን፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝቕጽሉ 15 መዓልታት፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ 10 ሃገራት ንዝመጹ ገያሾ ኣይቅበልን ኢላ።

ካብተን እገዳ ዝተገብረለን ሃገራት እተን ሾመንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነን፡ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናይጄሪያ፣ ታንዛንያ፣ ጋና፣ ጊኒ ከምኡ'ውን ሴራሊዮን እየን።

እተን ዝተረፋ ክልተ ሃገራት ድማ ሊባኖስን ብራዚልን እየን።

ካብዘን 10 ሃገራት ናብ ዖማን ክኣትዉ ዝፍቀደሎም፡ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ሲፕሎማሰኛታትን ስድርኦምን ጥራይ እዮም ተባሂሉ።

ኦማን ናብ'ዚ ውሳነ ዝበጽሐት፡ ኣብ ፈለማ ናይ'ዚ ወርሒ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዝኣተውዋ ገያሾ እቶም 18 ሚኢታዊት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ስለ ዝተረኸቡ እዩ።

ካብተን እገዳ ዝተገበረን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ታንዛንያ፡ ካብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ዋላ ሓደ ብኮቪድ ዝተትሓዘ ሰብ ኣብ ሃገራ ከምዘሎ ኣየፍለጠትን።

እታ ንብዙሕ ኣዋርሕ ካብ'ዚ ለበዳ ናጻ ከም ዝኾነት ክትገልጽ ዝጸንሐት ታንዛንያ፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት እታ ሃገር ህዝቢ ካብ ኮቪድ-19 ክጥንቀቕ መኺሩ'ሎ።

ከም ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጄርያን ዝበላ ሃገራት ድማ መዓልታዊ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ እየን ዘመዝግባ ዘለዋ።

ኦማን 140,000 መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ዝመዝገበት ኮይና፡ ካብዚኦም እቶም 1,500 ሞይቶም እዮም።

ኣብ'ታ ሃገር፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት እናወሰኸ እዩ መጺኡ።