ናይጄሪያ፡ ካብ ውርሲ ወለደን ተኻፈልቲ ዘይኮና ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ ደቡብ ምብራቕ ናይጄሪያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብተደጋጋሚ ካብ 'ውርሲ' ወለደን ክንጓነያ ይረኣይ።
ኣቦኣ ንኦኒኒዬ ኢግዌ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ሞይቱ። ንሱ፡ ገዛውቲ፣ መሬትን ገንዘብን ገዲፉ እዩ ሞይቱ፡ እንተኾነ እቲ ዝገደፎ ሃብቲ ንጓሉ ካብ ብድሆ ቁጠባዊ ጸገማት ኣየድሓናን።
ኦቦኣ ክመውት ከሎ፡ ከይተናዘዘ (ለበዋ ከይገደፈ) እዩ ሞይቱ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ኣብ'ቲ ዓዲ ብህይወት እንከለኻ ብዛዕባ ውርሲ ለበዋ ምግዳፍ፡ ሕማቕ ፋል ከምዝኾነ እዩ ዝእመን።
ስለዝኾነ ድማ፡ ጉዳይ ምክፍፋል ሃፍቲ ኣብ ኢድ ደቁ ክወድቕ ግድን ኮነ።
ጓል 29 ዓመት ኢግዌ፡ ናይ መጀመርታ ጓሉ'ያ። እንተኾነ ንሳን ካልኦት ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋታን ስባር ማንካ'ውን ኣይወሰዳን። ንኹሉ እቲ ሃብቲ፡ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ጠቕሊሎምዎ።
ከምዚ ዓይነት ልምዲ ኣብ ሕብረተሰብ ኢግቦ ልሙድ'ዩ።
"ሰለስቲኦም ደቂ ተባዕትዮ፡ ኩሉ ሃብቲ ኣቦና ንዓና እዩ ዝግባእ ኢሎም። ንሕና [ደቂ ኣንስትዮ] ተመርዒና ናብ ገዛ እቲ እንምርዓዎ ሰብ ክንኣቱ ስለ እንኽእል ውርሲ ኣቦና ኣይግብኣክንን ኢሎምና። እዚ ልምዲ ስለ ዝኾነ ዋላ ሓደ ክንገብሮ እንኽእል ነገር የለን" ኢላ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ንምክትታል ወጻኢታት ክትሽፍን ስለ ዘይክኣለት፡ ካብ ትምህርቲ ቦኺራ ዝበሰለ መግቢ እናሸጠት ትመሓደር ኣላ።
'ሰብኡት እዮም ንኹሉ ዝወስድዎ'
ኤቬሊን ኦኔኖክዋሉ፡ ንስድርኣ ናይ መጀመርታ ኮይና ሓደ ሓው ኣለዋ።
ኣቡኣ ምስ ሞተ፡ እቲ እንኮን ናይ መወዳእታን ሓዋ ንመንበሪ ገዝኦም ሓዊሱ ሙሉእ ሃብቲ ስድርኡ ወሪሱ።
"ሓወይ ንዓይ ዝኸውን ሓደ ክፍሊ ተለሚኑ እዩ ሂቡኒ፡ እሞ ኸኣ ማዕጾ ኣይትዕጸዊ ይብለኒ ነይሩ" ትብል።
ሓዋ፡ ክፍልታት ኣካርዩ ገንዘብ እናተቐበለ፡ ንሓፍቱ ኣየማቕላን። ንሳ ግን ገንዘብ ሓጺርዋ ትጽገም ከምዝነበረት እያ ትዛረብ።

ሙዚቀኛ ሓዋ ኦስካር ኖንሶ፡ ኣብቲ ዝወረሶ ገዛ ንግዲ ደርሆ ማይ'ውን ይውንን። ንሱ፡ ኣን 'ነቲ ንቡር ባህሊ ደኣ ተኸቲለ'ምበር ኣይኣበስኩን' እዩ ዝብል።
"ኣብዚ፡ ወዲ ተባዕታይ ኩሉ'ዩ ዝወስድ። ንሱ ከኣ ንሰበይቱ ይህባ። ደቂ ኣንስትዮ ካብ ወለደን ክወርሳ ኣለወን ምባል፡ ክልተ ኢድ ክወስዳ ኣለወን ከም ምባል እዩ። ምኽንያቱ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ወላዲኣ ገዛ እንተወሪሳ፡ ብዘይጥርጥር ካብ በዓል ቤታ'ውን ክትረክብ'ያ ማለት'ዩ" ይብል።
እንተኾነ፡ ሕገ መንግስቲ ናይጄሪያ፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጾታ መሰረት ዝገበሩ ምጉናያት ይኽልኽል'ዩ።
ማሕበረተሰብ ኢግቦ ግን፡ ባህልና ሕገ መንግስትና ዝበሉ ይመስሉ።
ዳርጋ መብዛሕትኡ ስድራ ቤት ገዲፉዎ ዝኸይድ ሃብቲ፡ ኣብ ሞንጎ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝከፋፈል።
ዓቐን ብጽሒቶም ከኣ ብዕድመ ይውሰን፤ ብዕድመ ዝዓቢ ብዙሕ ይወስድ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብጽሒተን ዝወስዳ ደቂ ኣንስትዮ ክርከባ ይኽእላ'የን፤ ግን ድማ ብኣደታተን ዝውነን ድሩት ብጽሒት ኮይኑ መሬትን ገዛን እንተኾይኑ ግን ኣይወርስኦን።
እዞም ኢግቦ ተባሂሎም ዝጽውዑ ብሄረሰብ ናይጄሪያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተመርዒወን ኣርሒቐን ዝኸዳ፣ ደቂ ተባዕትዮ ግን ቅርሲ ወለዶም ንምዕቃብ ኣብኡ ዝጸንሑ ስለ ዝኾኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ውርሻ ኣይግብአንን ኢሎም ብጥንታዊ ኣተሓሳስባ ይኣምኑ።

ገዛ፡ ደቂ ተባዕትዮ ልዕልነት ከም ዘለዎም ንምርኣይ ብፍሉይነት ክወርሱ ኣለዎም ይብሉ።
ግን ድማ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ኣድልዎ ዝበዝሖ እምነት ተቐቢለን ስቕ ይብላ እየን ማለት ኣይኮነን።
ብ 2014፡ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝወሰደ ጉዳይ ሓንቲ ወለዳ ውርሲ ዝኸልኡዋ ጓል ኣንስተይቲ ብቤት ፍርዲ ውሳነ ክረክብ ክኢሉ'ዩ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይጄሪያ፡ ጓል ኣንስተይቲ ምጉናይ ኣድልዎ ምዃኑ ብምግላጽ "ጾታ ብዘየገድስ" ኩሉ ተቛዳሲ ውርሻ ወለዱ ክኸውን ከም ዝኽእልን ባህሊ ኢግቦ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጻባእ ስለ ዝኾነ እቲ መስርሕ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ገሊጹ።
እንተኾነ ብዙሕ ዝተለወጠ ነገር የለን።
እተን ውርሲ ዝተኸልኣ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤት ፍርዲ ክኸዳ ይኽእላ እየን፤ ግን ድማ እቲ መስርሕ ፍርዲ ዓሰርታት ዓመታት ዝወስድ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ገንዘብ ይሓትት።
ስለ ዝኾነ ነቶም ናይ ከባቢ ኣመሓደርቲ ከማኽራ ይፍትና፤ እዚኦም ከኣ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።
"ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ፖለቲካዊ ሜዳ ዝተቖጻጸሩዎ ስለ ዝኾነ ለውጢ ቀልጢፉ ክመጽእ ኣጸጋሚ'ዩ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ወለድኺ ብጽሒት ኣይግብኣክን ክትብላ ከለኻ፡ ንህልውንኣ ቦታ ዘይምሃብ'ዩ" ትብል በዓልቲ ሞያ ሕጊ ዘይመንግስታዊ ትካል ምትእኽኻብ ሓገዝ ደቂ ኣንስትዮ ዋኮል ኢጎዲ ኢግዌ።
ዋኮል፡ ውርሲ ዝምልከት ኣብ ቤት ፍርዲ ክካትዓ ንዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ናጻ ናይ ሕጊ ውክልና ዝህብ ትካል እዩ።
ዓመታዊ ብኣማኢት ዝቑጸራ ኣገልግሎት ደልያን ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ምህላወን ድማ ኢጎዲ ትዛረብ።
እዚ ባህሊ ጠጠው ንክብል ኣብ ታሕቲ ምስ ዘለው ከባብያዊ ኣመሓደርትን ጽልዋ ፈጠርቲ ተወከልትን ሓቢርካ ምስራሕ ከድሊ እዩ። እንተኾነ ገለ ዘይልወጡ ልምዲታት ኣለው።
ኢግዌ ቺዌንዱ ኣብ ግዝኣት ኢንጉ ባህላዊ መራሒ እዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ውርሲ ምኽላእ ኣድልዎ ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣለዎ። "ወዲ ተባዕታይ ዓቃቢ ባህልን መሬትን እዩ፤ ዓቀብቲ እቲ ሕብረተሰብ ክኾኑ ዝኽእሉ ደቂ ተባዕትዮ'ዮም። ኲናት እንተሃልዩ ዝኸዱ ንሳቶም፣ ዘይምርድዳእ እንተሃልዩ ክፈትሑዎ ዝኽእሉ ንሳቶም'ዮም። ስለዚ ብባህላዊ መገዲ ኣድልዎ ኣይኮነን " ይብል።
እዚ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ኣብ'ቲ ዞባ ብሰፊሑ ዝርኣይ እንተኾነ'ውን፡ ገለ ዘወገዱዎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣለው።
ተሓለቕቲ መሰላት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተኻፈልቲ ውርሲ ከይኾና ምግባር ልክዕ ከም ምኽንሻብ፣ ወነንቲ መሬት ከይኾና ምኽላእ ዝበሉ ሓደ ካብቶም ደቂ ኣንስትዮ ዘናእሱ ባህላዊ ኣተሓሳስባታት'ዩ ይብሉ።
ንብዙሕ ሕብረተሰብ፡ መሬትን ገዛን ምንጪ ሃብቲ ክኸውን እንከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ክኾና ይስትውዓል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







