ኣብ ጀርመን 8 ሰባት ብጌጋ ሓምሽተ ግዜ ተኸቲቦም

ኣብ ጀርመን፡ ኣብ መሓብሓቢ ኣረጋውያን ዝሰርሑ ሾመንተ ሰባት ብጌጋ ነፍሰወኮፎም 5 ግዜ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝተወግኡ ተሓቢሩ።

እቶም 7 ደቂ-ኣንስትዮን ሓደ ወዲ ተባዕታይ ዝርከቦም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጀርመን ኣብ እትርከብ ከተማ ስተራልሳንድ ኣብ ዝርከብ መሓብሓቢ ኣረጋውያን እዮም ዝሰርሑ ነይሮም።

ኣብዚ እዋን፡ እቶም ዓርባዕተ ምልክታት ፈኲስ ሰዓል ከምዘለዎም ምስ ተረጋገጸ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣቲዮም ምክትታል ይግበረሎመ ኣሎ። እንተኾነ፡ ካብቶም 8 ሰባት ከቢድ ዝኾነ ጐድናዊ ሳዕቤናት ኣየርኣዩን።

ኣብ ጀርመርን፡ ብፋይዘር ባዩ ኤንተክ ብዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ልዕሊ 18,000 ሰባት ተኸቲቦም ከምዘለው ተገሊጹ። እቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ዘለው፡ ካብ 80 ዓመት ንላዕልን፡ ኣብ መሓብሓቢ ኣረጋውያንን ሆስፒታላትን ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕናን እዮም።

ኣብ ጀርመን ዛጊት ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለውን፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ድማ ሞይቶም ከምዘለውን ይሕበር።።

ኣባል ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኩለን ኣባላት እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተወደበ ህዝባዊ ክታበት ክውሃብ ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

ኣብ 27 ሃገራት እቲ ሕብረት ኣስታት 335,000 ሰባት ምስ ኮቪድ 19 ብዝተሓሓዝ ሕማማት ሞይቶም ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምሉእ እቲ ሕብረት ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ተሪር ዕጽዋ ተኣዊጁ ይርከብ።

ኣብ 27 ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣስታት 446 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ እዩ ዘሎ።