ኮሮናቫይረስ፡ ስጳኛ ነቶም ኣይንኽተብን ዝበሉ ዜጋታት ክትምዝግብ ጀሚራ

መንግስቲ ስጳኛ፡ መድሃኒት ኮሮናቫይረት ክኽተቡ ናይ ዝኣበዩ ዝርዝር ኣስማት ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትካፈሎ ምዃና ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ሳልቫዶር ኢላ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጥዕና ሳልቫዶር ኢላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝርዝር ኣስማት ናብ ንህዝብን ኣስራሕትን ዝቃላዕ ኣይኮነን ኢሉ።

ንሱ፡ እታ ቀንዲ መንገዲ ንኮሮናቫይረስ እንስዕሮ ''ኩልና እንተተኸቲብና ጥራይ'ዩ'' ክብል ተዛሪቡ።

ስጳኛ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ሃገር እያ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፈቓድ ዝረኸበ ብፋይዘር ባዩ ኤንተክ ዝፈረየ ክታበት ኣብ ምዝረጋሕን ምኽታብን ትርከብ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ማዕከናት ዜና እታ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ግደታዊ ከምዘይከውን ገሊጹ።

''ንሕና ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ክታበት ዘይወሰዱ ወይ ዝኣበዩ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ከነካፍሎ ኢና'' ክብል ተዛሪቡ። እቲ ዝርዝር ኣስማት ግን ንህዝቢ ክፉት ከምዘይከውን ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ኣይንወስድን ናይ ዝብሉ ሰባት ካብ 47ሚእታዊት ናብ 28 ሚእታዊት ወሪዱ'ሎ።

ሚኒስተሪ ጥዕና እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰባት መዓስ ከምዝኽቡ ብዞባዊ ምምሕዳር ከምዝንገሮም ኣፍሊጡ። እቶም መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ዘይወስዱ ሰባት ድማ መሰሎም ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ኣብ ስጳኛ፡ ዛጊት ልዕሊ 50,000 ሰባት ብሕማም ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ከምዘለውን፡ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።