እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽን ተሪርን ስጉምቲ ኣዊጃ
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምልባዕ ለበዳ ኮሮናይረስን ተሪር እገዳታት ዕጽዋ ኣዊጁ።
ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ካብ ገዛ ወጻኢ ምትእኽኻብ ኩልኩል ኮይኑ ካብ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንገሆ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።
ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ከይሽየጥ'ውን ኣብዚ ሓዲሽ ወጺኡ ዘሎ ተሪር ሕጊ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ እዚ ለበዳ ኣብ ሓደገኛ መድረኽ ከምዘላ ብምግላጽ ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ ግዚኡ እዩ ኢሉ።
ሰብ መዚ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብታ ሃገር ብቅልጡፍ ዝላባዕ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናይረስ ከምዝረኸቡ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ብሰንኪ ብዝሒ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዓቕለን ጸቢብወን ይርከብ።
ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ ኣብቲ ብቴሌቪዥን ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ 501.V2 ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምህላዉ ብምግላጽ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ምብጽሑ ከቢድ ደወል መጠንቐቕታ እዩ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት፡ እዚ ተሪር ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ብውሕዱ ክሳብ 15 ጥሪ 2021 ክጸንሕ ምዃኑ ገሊጹ።
ብመሰረት እዚ ሓዲሽ ሕጊ፡ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝተረኽበ ሰብ ብገንዘብን ክሳብ ማእሰርቲ ዝበጽሕ መቅጻዕትን ተወሲንዎ'ሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ መልከፍቲ ዘመዝገብት ሃገር
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ናይ መጀመርታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ኮይና'ላ።
ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓዲሽን ብቅልጡፍ ዝላባዕን ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ከምዝተረኸበ ኣብ ዝተሓበርሉ እዩ እቲ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሐ ዝሕበር ዘሎ።
ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታላትን መደበራት ጥዕናን ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ስለዝመልኣ ብርቱዕ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ሚኒሰትር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ዝወሊ ምክሂዘ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት እቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 1,004,413 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉን ካብዚኦም እቶም 26,735 ከምዝሞቱን ሓቢሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 11,700 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝግብ ብምንባራ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ብምንጽጻር ብ39 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእያ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሮቡዕ፡ ሓሙስን ዓርብን ከኣ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 14000 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝግብ ነይራ።
እዚ 501.V2 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብታ ሃገር ነቲ ብዝሒ መልከፍቲ ኣነሃሂርዎ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝግመት።
ቅድሚ ሰሙን፡ ዓባይ ብርጣንያ ካብዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብምስጋእ ካብን ናብን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር በረራታት ደው ኣቢላቶ እያ።
ካልእ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ'ውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝተራኣየ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዝብሃል ዘሎ ኮሮናቫይረስ ግን ነንበይኖም'ዮም።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንደቡብ ኣፍሪቃ ስዒባ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ሞሮኮ ኮይና ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ፡ 432,079 መልከፍቲ 7,240 ሞት ተመዝጊቡ'ሎ።
ሃገረ ግብጺ ከኣ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዓ ኣላ፡ ኣብታ ሃገር 131,315 መልከፍቲ 7,352 ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ። 130,230 መልከፍቲ 4,426 ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ቱንዝያ ኸኣ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።