"ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ ናትና ዓሸራ ከይህልዎ ዝደልይ'ዩ ከምኡ ገይሩ" ሰብ ሕድሪ

ምንጪ ስእሊ, SEB HDRI CIVIL SOCIETY
ሻድሻይ ክልላዊ መረፃ ትግራይ ንምዕዛብ ምሁራትን ትካላትን ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከምዘለዉ ይግለጽ። ይኹን'ምበር መረፃ ትግራይ ንኽካየድ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ክጉስጉስ ዝፀንሐ ሰብ-ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፡ ብህወሓት ቅረታን ክስን ስለዝቐረበሉ ነቲ መረፃ ከይዕዘብ ብኮሚሽን ቦርድ መረፃ ትግራይ ተኣጊዱ ኣሎ።
'ኣብ ትግራይ ፍትሒ ክሰፍንን ልዕልና ሕጊ ዝኽበረላን ትግራይ ንክትፍጠር' ዓሊሙ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብመናእሰይ ዝተጣየሸ ሰብ ሕድሪ ስቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፡ ኣብታ ክልል ዝረኣዩ ፀገማት ፍትሕን ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ምፍታሕ ክቃለስ ዝፀንሐ እዩ።
መረፃ 2012 ዓ.ም ኣብ እዋኑ ንኽካየድ'ውን ክጉስጉስን፡ ኣብ መንጎ ውድባት ፖለቲካ ናይ ክትዕ መድረኽ ዘዳለወን ኮይኑ፡ ኣዋጅ መረፃ ክልል ትግራይ ንክመሓየሽ'ውን ተሳትፎ ክገብር ዝጸንሐ እዩ። ንምዃኑ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ንምንታይ ተኣጊዱ ክንብል ንኣቦወንበር እቲ ማሕበር ዶክተር ጎይቶኦም ኣረጋዊ ሓቲትናዮ።
"ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ ናትና ዓሻራ ከይህልዎ ዝደልይ'ዩ ከምኡ ገይሩ"
እቲ ኣቦ ወንበር፡ ልዕሊ 300 ተዓዘብቲ ብምድላው ብባዕሎም ስልጠና ብምሃብ፡ ኢሉ'ውን እቲ መረፃ ኮምሽን ዝህቦ ስልጠና ይፅበዩ ከምዝነበሩን፡ እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዘይተፀበይዎ ነገር ከምዘጋጠመን ይገልፅ።
"ቅድሚ ወርሒ ጀሚሩ ኣብዚ ጉዳይ ዓብይ ተሳትፎ ክህልወና ንመረፃ ኮምሽንን መንግስቲ ትግራይን ሓቲትና ኢና። በብእዋኑ ምስኣቶም ፅቡቕ ርክብ እዩ ነይሩና። ኣብ ዝተወድአ ሰዓት ግና ሓደ ውድብ ሞንጎኛ ኣይኮንኩምን ኢሉ ከምዝኸሰሰን በዚ መሰረት ድማ እቲ ቦርድ መረፃ ንሕና ከይንሳተፍ ከምዝወሰነን ተነጊሩና" ይብል።
እቲ ማሕበር ዝቐረበሉ ዝርዝር ክሲ ከምዘይፈልጥዎ ዝገለፀ እቲ ኣቦ ወንበር፡ ብፅሑፍ ንዝመፅአ ነገር ብፅሑፍ ክንምልስ መሰል ዋላ'ኳ እንተሃለወና፡ እዚ መሰል እዚ ኣይተውሃበናን፡ እቲ መፅዩ ዝተብሃለ ሰነድ'ውን፡ ትሕዝትኡ ሓቂ ኣለዎ ድዩ የብሉን ኣይንፈልጥን። ናይ ሓደ ውድብ ድምፂ ጥራሕ ተሰሚዑ፡ ንዓና ኩሉ ነገር ተሸፋፊኑ፡ ናትና ከይተሰምዐ እዩ፡ እቲ ውሳነ ተወሲኑ" ኢሉ።
ቦርድ መረፃ ክልል ትግራይ፡ ሰብ ሕድሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይሳተፍ ኣሎ ዝብል ክሲ ስለዝቐረበሉ፡ ካብ ተዓዛብነት እቲ መረፃ ከምዝኣገዶም ዋላ እኳ እንተገለፀ፡ ኣቦ ወንበር ሰብ ሕድሪ ዶክተር ጎይቶኦም ግና ነዚ ኣይቕበሎን።
"ንሕና ክንጣየሽ ከለና ትግራይ ናይ ፍትሒ ዓዲ ክትኸውን፣ ናይ ሕጊ ልዕልና ክኽበረላ፣ ዲሞክራስን ሰላምን ክዕንብብ እዩ ቃልስና፡ ካልእ ዕላማ የብልናን" ብምባል፡ እቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይሰርሕ" ዝብል ነቲ ማሕበር ዝገልፅ ከምዘይኮነ ይዛረብ።
"እዚ ሲቪል ማሕበር፡ ባዕሉ ብዝተቓለሰሉ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ እዚ ከይሳተፍ ፡ ናትና ዓሻራ ከይህልዎ ዝደልይ ኣካል እዩ ከምኡ ገይሩ'ምበር፡ ንሕና ኣብ ሕጋዊ ዘይኮኑ ነገራት ንሳተፈሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የብልናን፡ ታሪኽናን ኣመፃፅኣናን'ውን ነዚ ኣይገልፅን። እቲ ቦርድ መረፃ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ስራሕ ስለዝበዝሖ ከምዚ ዓይነት ሰነዳት ከፃርይ እኹል ሓይሊን ግዘን የብሉን። ግና ኣብ ኣፋን ዕርበታን ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ እዚ ማሕበር ዓሻርኡ ከየንብር'ምበር ካልእ ዕላማ የብሉን" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Goitom Aregawi, Medical Dr
እቲ ማሕበር ኣብ ዘይሕጋዊ ነገራት እንተተሳቲፍና'ውን ሕጊ እዩ ክሓተና ዝግባእ ዝብል ዶክተር ጎይቶኦም፡ ክሳብ ሕዚ ግና ብሕጊ ዝተሓተትዎ ነገር ከምዘየለ ይገልጽ።
"በብእዋኑ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ብምንቃሕ ካብ ማሕበራዊ መሰረትና ክነቕለና እዩ ኢሎም ዝሓስቡ፡ ወይ ድማ እዚ ውዳበ እዚ ኩሉ ግዘ ኣብ ዝገብሮም መድረኻት ፍትሒ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ክፍተታት ክለዓሉ ከለዉ፡ ኣብቲ ሕማቕ ተግባር ዝተሳተፉ ሰባት ኩሉ ግዘ ክውቀሱ'ዮም፤ ንሳቶም ከኣ ኣንፃርና ደው ክብሉ'ዮም። ንሕና'ውን እዚ ኣሚንና ኢና ናብ ቃልሲ ኣቲውና" ይብል።
እቲ ብህወሓት ዝቐረበሎም ክሲ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ንቦርድ መረፃ ክልል ትግራይ ከምዝሓተቱን፡ ንሕቶኦም ምላሽ ከምዘይረኸቡን'ውን ገሊፁ።
"ብዙሕ ግዘ ሓቲትና፡ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ግዘ ተመላሊስና እቲ ቀሪብልኩም ዝተብሃልና ክሲ ሰነድ ክወሃበና ኣይከኣለን። ንሕና ዝመፀና መፀለምታ ይኹን ሰነድ ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለና እዩ። ክሳብ ሕዚ ግና እዚ መሰል እዚ ክኽበረልና ኣይከኣለን" ይብል እቲ ኣቦወንበር።
ቦርድ መረፃ ትግራይ ከ እንታይ ይብል?
ኣብዚ ጉዳይ ንኣመራርሓ ቦርድ መረፃ ክልል ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃየ ሓቲትናዮ።
"ሰብ ሕድሪ ነዚ መረፃ እዚ ክዕዘብ ኣይኽእልን ዝብል ካብ ህወሓት ክሲ መፅዩና ኣሎ። ተዳጋጋሚ ዝፅሕፎምን ዝፀሓፎምን ጉዳያት እዚኦም እዮም ዝብል ብዙሕ ሰነድ'ዩ መፅዩና" ኢሉ።
'ሓደ ማሕበር ዘይሕጋዊ ስራሕ ሰሪሑ ናይ ምባል መሰል ዘለዎ ቤት-ፍርዲ ጥራሕ እናሃለወ፡ ንምንታይ ናይ ሓደ ውድብ ክሲ ጥራሕ ሰሚዕኩም ንምእጋድ ወሲንኩም?' ዝብል ሕቶ ንሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ኣቕሪብናሉ።
"ዝኾነ ይኹን ኣካል፡ እገለ ዘይሻራዊ ኣይኮነን እንተይሉንና ካልእ ዕላማ የብልናን፡ ዘገድሰና እዚ እዩ። ንዕኣቶም'ውን ነጊርናዮም ኢና። ኣብ ክልቴኹም ምስሕሓብ ስለዘሎ (ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ሰብሕድርን) ዘይሻራዊ ዘብለና ኣይኮነን፡ ስለ'ዚ ኣብዚ ክትሳተፉ ኣይትኽእሉን ኢልናዮም። ዘለና ግዘ ሓፂር ስለዝኾነ'ዮም ዘይተሳተፉ'ምበር፡ ህወሓት ድዩ ጥፍኣተኛ ወይ ሰብ ሕድሪ ዝብል፡ ነዊሕ ግዘ'ውን ዝፀንሐ ስለዝኾነ፡ ናትና ጉዳይ ኣይኮነን። ንሳቶም'ውን ነቲ ዝመፀሎም ክሲ፡ ናትና ኣይኮነን ኢሎም ኣየረድኡናን" ዝብል ምላሽ ሂቡና።
"መንግስትነት ዝዓተረ ተነቒፈ ክብል ግቡእ ኣይኮነን"
ብኻልእ ወገን ኣመራርሓን ኣባላትን ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፡ ንገዛኢ ውድብ እቲ ክልልን ንኣመራርሓ ህወሓትን ብምቅዋም ስለዝፍለጡ፡ ዘይሻራውያን ኣይኮኑንን ዝብሉ ነቐፌታታት ይቐርበሎም እዩ።
ኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር ዶክተር ጎይቶኦም ኣረጋዊ ግና፡ "ዝተፈላለዩ ውልቀሳባት ተኣኪቦም ሓደ ማሕበር ንሓደ ዕላማ ከጣይሹ እንከለዉ፡ ሓደ ዝገብሮም እታ ዝተኣኻኸቡላ ዕላማ'ምበር፡ ካብኡ ወፃኢ ዘሎ ኣረኣእየኦም ናይ ውልቀ እዩ። ኣነ ኣቦ ወንበር ክኸውን ይኽእል፡ ግን ከኣ ህይወተይ እዚኣ ጥራሕ ኣይኮነትን። ናይዚ ማሕበር እዚ ቅዋም ክበሃል ዝኽእል፡ በዚ ናይዚ ማሕበር ማሕተም ዝወፅእ፣ ከም ማሕበር ዘቲናን ተኣኪብናሉ ዝውሰንን ብናይ ባዕሉ ዌብሳይትን ፌስቡክ ገፅን ወይ ብደብዳበ ምስ ዝወፅእ ጥራሕ እዩ" ይብል ዶክተር ጎይቶኦም።
ኣብዚ ማሕበር ኣባላት ህወሓት፣ ሳልሳይ ወያነ፣ ዓረና፣ ባይቶናን ውናትን ካልኦትን ኣባላት ከምዘለዉ ዝገልፅ ዶክተር ጎይቶኦም፡ ውልቀሰብን ትካልን ፈላሊኻ ምርኣይ ከምዘድልይ እዩ ዝዛረብ። እንተኾነ ኣባላት እቲ ማሕበር ናይ ድላዮም ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ክኾኑ ከምዝኽእሉን፡ ኣብ ሰብ ሕድሪ ኣብ ኣመራርሓ ዘለዉ ግና፡ ኣባል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዘይኮኑን ከምዘይፍቀድን'ውን የብርህ።
"ኣነ ኾነ ኣብ ኣመራርሓ ዘለዉ ኣባላት ንቃወሞ ኮነ ንፀልኦ ውድብ የለን። ንሕና ሕማቕ ተግባርን ኢ-ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ኣሰራርሓን፣ ዘይፍትሓውነትን ዘይርትዓውነትን ኢና ንፀልእን ንቃወምን፡ ንፅቡቕ ነገራት ድማ ነተባብዕ" ዝብል እቲ ኣቦ ወንበር፡ እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ውድብ ከምዝትግብርዎን መንግስትነት ዝዓተረ ኣካል'ውን ተነቒፈ ክብል ግቡእ ከምዘይኮነን ይገልፅ።
"መንግስቲ ንምቕያር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ"

ምንጪ ስእሊ, MERESA
ንምዃኑ እቲ 'ሰብ ሕድሪ ሰሪሕዎ ዝተብሃለ ዘይሕጋዊ ስራሕ' እንታይ እዩ? ክንብል ንሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ሓቲትናዮ።
"ካብ ህወሓት፡ ሰብ ሕድሪ ክንድዚ ዝኣክል ሰነዳት ኣዳልዩ፣ ኣብ ዩኒቨርስትታን ካልኦትን መንግስቲ ንምቕያር ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝብል ክሲ እዩ ቀሪብሎም። ንሳቶም'ውን ብወግዒ መፅዮም ተነጊርዎም እዩ። ሙሉእ እቲ ሰነድ ክንህቦም እንተኾይንና ናይ ግድን ካብ ቤት-ፍርዲ እቲ ሰነድ ይወሃቦም፡ ይኽሰሱና ዝብል እንተምፅዮም ኢና ክንህቦም ንኽእል" ይብል።
ይኹን'ምበር እቲ ቦርድ መረፃ ንሰብሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ተነጊርዎ እዩ ዝበሎ ብህወሓት ዝቐረበ ክሲ፡ ሓደ ዓመት ዝገበረን እቲ ማሕበር ሓቂ ከምዘይኾነ "ዘፍሸሎ" ከምዝኾነን ዶክተር ጎይቶኦም ይገልጽ።
ነዚ መረፃ ልዕሊ 63 ውልቀሰባትን ትካላትን ውሽጢ ሃገር ከምዝዕዘብዎ ካብቲ ቦርድ መረፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ግን'ከ ከም ማሕበር ደቂኣንስትዮ ትግራይ፣ ማሕበር መናእሰይን ማሕበር ሓረስቶትን ዝኣመሰሉ ብስም ሲቪል ዝተወደቡ ግን ድማ ናይ ህወሓት ኣባላትን ናይ ህወሓት ዕላማ ኣፈፀምትን ከምዝኾኑ ዝኽሰሱ ማሕበራት፡ ነቲ መረፃ ክዕዘቡ ፈቒድኩም ክተብቅዑ፡ ንሰብሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፡ ንምንታይ ኣጊድክሞ? ዝብል ሕቶ'ውን ንሓጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ፀሃየ ኣቕሪብናሉ።
"ኣብቲ ኮምሽን ዘለና ሰባት ብሕጊ ጥራሕ ኢና ክንሰርሕ ንኽእል። ካብ ካልእ ዘይሻራዊ ኣይኮነን ዝብል ክሲ ክሳብ ዘይመፅአና፡ ንሕና ሓደ ማሕበር ኮነ ሲቪል ማሕበር፡ ተመዝጊቡ ድዩ ዝብል ብምሕታት ወረቐት ምስክር ርኢና ኢና ንክዕዘቡ ንፈቅድ። እቶም ዝተብሃሉ ኣካላት'ውን፡ ኣባል ህወሓት እዮም፡ ክሳተፉ የብሎምን ኢሉ ክሲ ዘምፀአ ኣካል የለን" ዝብል ምላሽ ሂቡና።
ኣብዚ መረፃ ይወዳደሩ ካብ ሞንጎ ዘለዉ ሓሙሽተ ውድባት ሓደ ዝኾነ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ብፖለቲካዊ ውሳነ'ዩ ንከይዕዘብ ተኣጊዱ ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሳልሳይ ወያን ትግራይ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ፡ "እቲ ብወገን ህወሓት ዝበሃል ዘሎ ትኽክል ኣይኮነን። ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ እንተተሳቲፎም ብጭቡጥ ኣብ ሕጊ ይቕረብ። ብወገንና ሰብ ሕድሪ ፀገም ዘለዎ ሲቪል ማሕበረሰብ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን፡ ብፖለቲካዊ ውሳነ'ዩ ንከይዕዘብ ተኣጊዱ። ሰብ ሕድሪ ካብቲ መረፃ ዝተኣገደሉ ምኽንያት ብግልፂ ክፍለጥ ኣለዎ ኢልና፡ ብደብዳበ ሓቲትና ኢና፤ ገና ካብቲ ኮምሽን መረፃ መልሲ ኣይተውሃበናን" ኢሉ።
"ምእንተ ዓወትን ሓድነትን መረፃ ትግራይ እቲ ውሳነ ንቕበሎ ኢና"
ዋላ'ኳ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈዐመ ምጉናይን ውሳነ ቦርድ መረፃ ክልል ትግራይን እንተሓዘነ፡ "ዕውትነት እዚ መረፃ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ዝወሃቦ ኣውራ ዕማም ህዝቢ ትግራይ ትግራይ ብምዃኑ ምእንተ እቲ ዘሎ ህልዉ ኩነታትን፡ ህዝቢ ትግራይ ነዚ መሰል ናብ ተግባር ንምሽራፍ ክሳብ ሕዚ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብምኽባርን፡ ልቢ ብምዕባይ ነቲ ዘይኣመንሉ ውሳነ ቦርድ መረፃ ትግራይ ቅቡል ከምዝገበርዎ ዶክተር ጎይቶኦም ገሊፁ።
"እዛ መዓልቲ መረፃ ኩላትና ብናፍቖት ንፅበያ ዘለና ዕለት ስለዝኾነት፡ ኣብዚ ዘተዓናቕፍ ነገር ክህሉ ኣይንደልን። ኣብዚ ጉዳይ እንገብሮ ቀፃሊ ቃልስና ንድሕሪ እቲ መረፃ ዝቕፅል እዩ። ምእንተ ዓወትን ሓድነትን መረፃ ትግራይ ዝተወሃበ ውሳነ ቅቡል ጌርና እቲ መረፃ ሰላማዊ፣ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን ኾይኑ ንክዛዘም ብሙሉእ ልቢ ኣብ ጎኒ ህዝብናን መንግስትናን ኮይና እጃምና ከም እነወፊ ንህዝብን ኩሎም ተናሓናሕቲ ሰልፍታት ትግራይ ክንገልፅ ንፎቱ" ብምባል ንቅዋም ናይቲ ማሕበር ይገልፅ።
ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መረጻ 'ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ' ብምባል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ መረጻ ምክያድ ሕገ መንግስታውን ኣካል መሰል ርእሰ-ምሕደራን ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







