"ዝኾነ መጸዋዕታ ኣይሃቡንን፡ ተጨውየ እየ ከይደ" ዘፀኣት ሴቭ ዓድና

ዘፀኣት ሴቭ ዓድና

ምንጪ ስእሊ, Goitom Aregawi, Medical Dr

ዘፀኣት ሴቭ ዓድና ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፍን ህወሓትን መንግስትን ብምንቃፍ ዝፍለጥ እዩ/

ከምኡ ድማ: መስራትን ኣቦ መንበርን ሲቪላዊ ማሕበረሰብ 'ሰብ ሕድሪ' እዩ።

ዘፀኣት ትኽለኛ ስሙ ዶ/ር ጎይቶኦም ኣርጋዊ ኾይኑ: ትማሊ ኣብ መቐለ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉዎ ነይሩ።

ንምንታይን ብኸመይን ዝብል ኣዛሪብናዮ ኣለና።

ብኸመይ ኢኻ ኢኻ ተኣሲርካ?ኣብ ሃጸ ዩውሃንስ ሆቴል ምስ ብዓልቲ ቤተይ ነይርና። ናብ ደገ ምስ ወጻእኩ ፖሊስ መጺኦም ብሕጊ ትድለ ኣለኻ 'ሕለፍ' ኢሎሙኒ፡ እዚ ክገብሩ እንከልዉ ዝኾነ ናይ ፖሊስ መጸዋዕታ ኣይነበሮምን።

ብዓልቲ ቤተይ እውን መጺኣ ሓቲታቶ፡ 'መጸዋዕታ እንተሃልይኩም ሃቡና ምስ በልናዮም' ድሕሪ ክንደይ ሕቶ ሂቦሙና።

ኣብቲ መጻዋዕታ ዕለት 26 ሰዓት ሰዓት 4 ቅረብ እዩ ዝብል፡ እዚ መጸዋዕታ እዚ ኸኣ ከምቲ ግቡእ ናባይ እዩ ክበጽሕ ነይርዎ፡ ኣብዚ ዕለትን ሰዓትን ናብዚ ምጻእ ክብሃል ነይሩኒ።

እንተኾነ ንዓይ ዝኾነ መጸዋዕታ ኣይሃቡንን፡ ቃል ብቃሉ ተጨውየ እየ ከይደ።

ድሕሪ እዚ ናበይ እዮም ወሲዶሙኻ?

ናብ መደበር ፖሊስ ጣብያ ሓድነት ወሲዶሙኒ።

እቶም ፖሊስ ክንደይ እዮም ነይሮም?

መኪና ነይራትኒ ብናተይ መኪና ንኺድ ኢለዮም። ብዝሖም ድማ ክልተ እዮም ነይሮም፡።እቲ ሳልሳዮም ነታ ሒዛቶም ዝመጽአት መኪና ሒዙ ከይዱ።

ብድሕሪ እዚ እንታይ ኢሎሙኻ? ንክንዳይ ስዓታትከ ምስኦም ጸኒሕካ?

ሓቲቶሙኒ፤ ዝኾነ ካልእ ኣካላዊ ጉድኣት ግን ኣየውሮዱለይን፡ ብዛዕባ ኣብ መቐለ ዘሎ 'ሃንግ' [ኣባላት ማእኸላይ ኮሚተ ተዘሪፎም ዝብል] ዝጸሓፍካዮ እቲ ሓበሬታ መን እዩ ሂቡካ? ዕላማኻኸ እንታይ እዩ? ኣብቲ ዝጸሓፍካዮ ንፖሊስ ወቂስካና፡ ህዝቢ ኣብ ፖሊስ እምነት ከየሕድር ተዛሪብካ ዝብል እዩ፡ ከፊትካ ኣርእየና ኢሎሙኒ ከፊተ ኣርእየዮም።

ኣነ ኸኣ ዓላማይ እሱ ኣይኮነን:: "እዚ ከምዚ ዓይነት ገበን እናሰፈሐ ከይዱ ካብ ወልቀ ሰባት ሓሊፉ ትካላት እውን ይጥቅዓ ኣለዋ:: ስለዚ መንግስቲ ትኹረት ይግበረሉ ዝብል እዩ ነይሩ እምበር ካልእ መልእኽቲ የብሉን፡ ዕላማይ ኸኣ እዚ እዩ ነይሩ" ኢለዮም።

ኣብዚ ዓዲ ሰባት መዓልታዊ እዮም ንበረቶም ዝስረቑን ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖምን፡ ጥርጡራት ዝርከብሉ ግን ውሑድ እዩ፡ ስለዚ ፖሊስ ብሓይሊ ሰብ ይጠናኸር ጥርጡራት ኸኣ ይተሓዙ ዝብል መልእኽቲ እየ ኣሕሊፈ ኢለዮም። ከምዚ እዩ ነይሩ።

ክንደይ ሰዓታት ተኣሲርካ?

ምእሳር ኣይኮነን፡ ኣብቲ እንዳ ፖሊስ እዮም ኮፍ ኣቢሎሙኒ፡ ምስኦም ኸኣ ንሽዱሽተ ሰዓታት ጸኒሐ፡ እቲ ሓበሬታ ዝሃበኒ ሙለር ዝብሃል ዓርከይ ምዃኑ ሓበሬታ ስለዝነበሮም ንዕኡ እውን ጸዊዐሞ፡ እታ ዝነበረት ነገረ ነጊርዎም፡ እታ ካብ ኣካላት ጸጥታ ዝሰመዓን እታ ነዓይ ዝነገረንን ነጊርዎም፡ ንዓኣይ ሰዓት ሽዱሽት (ፍርቂ ለይቲ) ፈቲሖሙኒ ንዕኡ ግን ኣሕዲረሞ።

ሎሚ ንግሆ ክንሓተካ ደሊና ኣለና ምጻእ ኢሎሙኒ፡ ሞባይለይ ምስኦም እያ ሓዲራ፡ ክፍትሽዋ እዮም ሓዲሮም፡ ኩሉ እቲ ኣብታ ሞባይል ዝነበረ ሓበሬታ ፈቲሾሞ እዮም።

እታ ሞባይል 'ፓስዎርድ' ኣይነበራን ድዩ?

ኣገዲዶሙኒ። እታ ፓስዎርድ ናይታ ተሌፎን ሓቢረዮም እየ፡ እንተኣቢኻ'ውን ክስዕብ ዝኽእል ፍሉጥ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ከይሃርሙኒ ኢለ ፓስዎር ናይ ተሌፎነይ ሓቢረዮም።

እሞ ተሌፎንካ ምፍታሾም ዝፈጥረልካ ስግኣት ኣሎ ድዩ?

ዋላ ሓንቲ ስግኣት የብለይን፡ ናይ ውልቀ ሰብ ተሌፎን ምፍታሽ ግን ሕጋዊ ኣይኮነን፡ ምናልባት እታ ዘጸውዓትኒ ጽሕፍቲ ክርእይዋ ይኽእሉ እዮም ካልእ ግን ግቡእ ኣይኮነን።

ሎሚ ንግሆ'ሞ እንታይ እዮም ኢሎምኻ?

ክሳብ 4 ሰዓትን ፈረቓን ኣብኡ ጸኒሐ፡ ሓደ ዓርከይ ታሴርኡ ኣትሒዙ ብዋሕስ ወጺአ ንሙለር ግን ደሃዩ ክሓቱ ዝመጽኡ ክልተ ድዮም ሰለስተ ኣሕዋቱ እውን ተኣሲሮም ሓዲሮም:: ሕዚ ተፈtሖም እዮም!