ኣብ ኤርትራ 11 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ከተማ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ብ 11 ከም ዝወሰኸ ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ብሓሙስ 3 መስከረም ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ 11 ሰባት እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ተረጋጊጹ።

እቶም ሰባት ኣብቲ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ኣዲባራን ሽላሎን ዝጸንሑ እዮም።

"ብምልኦም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖም" እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ 11 ካልኦት ከኣ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር፡ ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 330 ክበጽሕ እንከሎ፡ ካብኦም እቶም 295 ሓውዮም፡ ዝተረፉ 35 ጥራይ ኣብ ሆስፒታላት ይእለዩ ኣለዉ።

ኮሮና