ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንመበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መበል 11 ዙርያ ሰልጠንቲ ሃማሞስን መሪቑ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሎሚ ቀዳም ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ተዓለምቲ መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ መበል 11 ዙርያ ሰልጠንቲ ሃማሞስን ከምዝመረቐ ምኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ብድሕሩኡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ወተሃደራዊ ማዓስከር ሳዋ፡ ንስትራተጂ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ መንግስቲ ዝገልጽ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝቐረበ ምርኢት፡ ከምዝኸፈተን እቲ ንመስርሕ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድን ምስኡ ዝተሓሓዝ መሳርሒታት ንተዓዘብቲ ከምዝቐረበን እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ብየማነ ገብረመስቀል ዝተዘርገሐ ነቲ ምርኢት ዝገልጽ ስእሊ፡ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጉዳይ ኮሮና ቫይረስ ዘውጸኦ መምርሒ ዘንጸባርቕ ኣይመስልን ክብል ነቲ ስእሊ ዝተዓዘበ ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ዝተፈላለየ ዓንቀጻትን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ባርነት " ንረብሓ ሃገር" እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ።
በቲ ሓደ ወገን ቅድሚ ሕጂ ልዑላውነት ኤርትራ፡ ብሳላ ተወፋይነት ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ተሓልዩ፡ ሕጂ እውን ድሕነት ኤርትራ ብአኦም እዩ ዝረጋገጽ። ስለዚ እቲ ኣድላይ ዝበሃል ጥንቃቐ እዩ ክግበር ዝግበኦ እምበር፡ መንግስትን ሃገርን ካብ ንቡር ንጥፈታቶም ክበኹሩ ኣይግባእን እዩ ዝብል ርእይቶ እውን ኣሎ።
ይኹን እምበር ፕሮፌሰር ጋይም፡ "መላእ ሃገር ኣብ ዕጽዋን ውሸባን እንከላ፡ ርሕቀት ምፍንታትን ክትሕሉ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ መዓስከር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ምእካብ ብጥዕናን ድሕነትን ቅቡል ኣይኮነን" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Yemana G/meskel
ኣብ ሓምለ 1994 ኣስታት 10 ሽሕ ብዝኾኑ ተዓለምቲ ቀዳማይ ዙር ስልጠና ዝጀመረ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ትሕተ ቕርጽን መሳለጥያታቱን እናማዕበለን፡ ኣገልግሎቱ እናስፈሐን እናመሓየሸን ክሳብ ሕጂ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ መንእሰያት፡ ኣካዳምያውን ሞያውን ትምህርትን ስልጠናን፤ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቲ ብምሃብ ኣመሪቑ ኣሎ።
እቲ ዓቕሚ ሰብካ ኣማዕቢልካብ ብዕጽፍታት ኣራቢሕካን ብርእሰ ምርኮሳ ሃገር ምህናጽን ልዑላውነት ምኽባርን ብዝብል መትከል መቐጸልታ ሃገራዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝተበገሰ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብኩናት ዶባትን ንሱ ዘኸተሎ ወጥርን ምስ ተናውሐ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብኣልያን ምሕደራን ንውሓት ግዜን ተማሪሮም ሃገር ገዲፎም ንስደት ኣምሪሖም እዮም።
ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ገደብ ግዜ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ መብጽዓታት እኳ እንተነበረ፡ እቲ መስርሕ ሰላም ብኸምቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ስለዘይሰጎመ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተገብረ ነገር የሎን።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ነዞም ሓሙሽተ ቀንዲ ዕላማታት ሒዙ እዩ ተበጊሱ፡
- ንልዑላውነት ሃገር ዝከላኸልን ናጻ ኤርትራ ዝዕቅብን ህዝባዊ ዝሰረቱ ሰራዊት ምህናጽ
- ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ንዘርኣዮ ጀግነነትን ጽንዓትን ምዕቃብን ምቕጻልን
- ብፍቕሪ ሃገርን ስራሕን ከምኡ እውን ብዲሲፕሊን ዝተሃንጸ መጻኢ ወለዶ ምህናጽን ምሕብሓብን
- ንዓቕሚ ሰብና ከም ሃገራዊ ጸጋን ማልን ተጠቒምና ሃገራዊ ቁጠባ ምህናጽን ኣፍራይነት ምዕባይን
- ብቑዕ ወተሃደራዊ ስልጠና ብምሃብ ኣካላውን ስነ-አእሙራውን ብቕዓት መንእሰያት ምህናጽን፡ ሞያዊ ዓቕሚ ከምዘጥርዩን ከምዝድልቡን ምግባር
- ትሕተ ሃገራውነት ብምውጋድ ኣብ መንእሰያት ሃገራዊ ስምዒትን ፍቕርን ምኹስካስ ዝብል ኮይኑ፡ ካብ 18-40 ዓመት ዝዕድመኡ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፍ የገድድ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







