ታንዛኒያ ሕጽረት ከየጋጥም ብምስጋእ 30 ሚሊዮን ኮንዶም ዓዲጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበ ስልጣን ታንዛኒያ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብታ ሃገር ከጋጥም ንዝኽእል ሕጽረት ኮንደም ንምክልኻል፡ 30 ሚሊዮን ኮንደም ከም ዝዓደጉ ገሊጾም።
ብዙሓት ኣብ ኮንደም ብዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋ ዝተሻቐሉ ኮይኖም፡ ብወገን መንግስቲ ዝነበረ ቐረብ ከም ዘንቆልቆለ ይግለጽ።
ማእከል ንግድን ቱሪዝምን ኣብ ዝኾነት ከተማ ዳሬ ሰላም ዘለው ትካላት፡ ነቲ ብናጻ ዝወሃብ ዝነበረ መከላኸሊ ጥንሲ ይህቡ የለውን።
"ገለ ድኳናት፡ መዓለም እቲ ኮንደም መሰረት ገይሮም ንሓደ ኮንደም 3 ሽሕ ሽሊንግ ታንዛኒያ [ ሓደ ዶላር] ወይ'ውን 10 ሽሕ ሽሊንግ ታንዛኒያ ይሸጡዎ ኣለው። ድሕሪ ሕጂ፡ ንሕና ብናጻ ክነቕርበሎም ስለ ዘይንኽእል፡ ዓማዊል ናይ ባዕሎም ኮንደም ሒዞም ክመጽኡ ኣለዎም" ኢሉ ሓደ ሰራሕተኛ ሆቴል።
ሓጋዚ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ፋውስቲን ዱጉሊሌ፡ ሕጂ ኮንደም ኣሎ'ዩ ኢሉ።
"30 ሚሊዮን ኮንደም ጠሊብና ኣለና። እቲ ዝተለወጠ ነገር፡ እቲ ናይ ዝርግሐ መስርሕ'ዩ። ቅድም ኢሉ ኮንደም ዘከፋፍላ ኤጀንሲታት ነይረን፤ ሕጂ ድማ ካልኦት ናይ ዕደላ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ኤጀንሲታት ኣቚምና ኣለና"።
"በዚ ሓድሽ መገዲ ዕውት ስራሕ ክንሰርሕን ጎስጓሳት ምዕባይ ግንዛበ ንክባጻሕን ከምኡ'ውን ቀረብ ኮንደም ክህሉ ምግባር'ዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







