'ኮንደም ተቐዲዱኒ' ኢሉ መንግስቲ ዝኸሰሰ ኬንያዊ

ዓይነታት ኮንዶም

ምንጪ ስእሊ, MANAN VATSYAYANA

ንባብ: 1 ደቓይቕ

ደረጅኡ ዘይሓለወ ኮንደም ብምጥቃሙ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ከምዝሓዞ ዝገለፀ ሓደ ኬንያዊ፤ ካሕሳ ክወሃቦ ሓቲቱ።

ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ድማ ንናይታ ሃገር ተቖፃፃሪ ፅፈት፣ ቤት ፅሕፈት እቶትን ንሓደ ትካል ናውቲ ሕክምናን ከምዝኸሰሰ ተፈሊጡ።

እቲ ሽሙ ዘይተገለፀ ውልቀሰብ፡ እዞም ትካላት ውሕስና ተገልገልቲ ከረጋግፁ ኣይከኣሉን ኢሉ።

እቲ ከሳሲ ንሰበይቱ'ውን ከምዝለከማን ፅፈት ዘለዎ ኮንዶም ተጠቒሙ እንተዝኸውን ናብዚ ፀገም ከምዘይሳጣሕን ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝብሎ ነቶም ዝተጠቐመሎም ኮንዶማት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ከምዝዓደጎም ይዛረብ።

ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ፅሑፍ መረዳእታ፤ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣብ ከባቢ ብልዕቱ ገለ ዕንፍሩር ከምዝረኣየን ኣብ እዋን ሽንቲ ድማ ይሳቐ ከምዝነበረን ይገልፅ።

"ብጣዕሚ ተጨኒቐ፤ ሽዑ እየ ድማ ነቲ ቅድሚ ትሸዓተ መዓልቲ ዘጋጠመኒ ምቕዳድ ኮንደም ዝዘከርኩ። ሽዑ ናብ ባህላዊ ሓኪም ከይደ ባህላዊ መድሓኒት ስለዝወሰድኩ ቃንዛይ ቀኒሱለይ" ከምዝበለ ጋዜጣ ስታር ፀብፂቡ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብድሕሪ እዚ ስነ-ልቦናዊ መጉዳእቲ ከምዝበፅሖን ኣልኮላዊ መስተ ከዘውትር ከምዝጀመረን ይዛረብ።

በዚ ምኽንያት ድማ ስርሐይን ቤተሰበይን ክስእን ተገዲደ ኢሉ።