‘ትሪያንግለ ኦፍ ሳድነስ’ ሽልማት ‘ፓልም ዲ ኦር’ ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሩበን ኦስትላንድ ዝተሰርሐት 'ትሪያንግለ ኦፍ ሳድነስ' ዘርእስታ ፊልም፡ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ ዝብሃሉ ፌስቲቫላት ፊልም ሓደ ዝኾነ ካን - ፈረንሳ ዝወሃብ ዝለዓለ ሽልማት 'ፓልም ዲ ኦር' ተዓዊታ።
እዛ ፊልም ኣብ ጅር 'ብማሕበራዊ ባጫ' [Social Satire] ትምደብ ኰይና፡ ነዊሕ ናይ 'ትፋእ' ምርኢት ዘለዋ፣ ሞዴላትን ኣዝዮም ሃብታማትን ዝዀኑ ሰባት፡ ደረጃኦም ከመይ ኢሉ ብዘይተጸበይዎ ኵነታት ከም ዝወድቕ እትርኢ ፊልም ሩበን ኦስትላንድ፡ ትማሊ ቀዳም እያ ሽልማት ፓልም ዲ ኦር ተሸሊማ።
እዚ ሽወደናዊ ዳይረክተር ፡ነዚ ሽልማት'ዚ ንኻልኣይ ግዚኡ ዝዕወተሉ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ 2017፡ 'ዘ ስኴር' ብእትብል ፊልም ተዓዊቱ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ኣብዚ ፈስቲቫል፡ ደቡብ ኮርያዊ ፓርክ ቻን-ዉክ ብሉጽ ዳይረክተር ተባሂሉ ተሸሊሙ።ፓርክ፡ በታ ኣብ 2003 ዝሰርሓ ኦልድቦይ ዘርእስታ 'ትሪለር' ፊልም ዝያዳ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት 'ደሲሽን ቱ ሊቭ' ብእትብል፡ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰር ጅር 'ገበናዊ ፊልም' እያ።
ኣብታ 'ንደቡብ ኮርያ ዝበለጸት ምሸት እያ ነይራ' ዝተባህለ ምሸት፡ እቲ ኣብ 2019 'ፓራሳይት' ኣብ እትብል ፊልም ብዘርኣዮ ተዋስኦ፡ ዝበለጸ ተዋሳኣይ ተባሂሉ ሽልማት ኦስካር ብምውሳድ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸበ ሶንግ ካንግ-ሆ ሽልማት ብሉጽ ተዋስኣይ ዓቲሩ'ሎ።
"ንጉስ ክሪንጅ" ንዝተሰምየ ፊልም፡ ዘረባ ብላዕሊ ዘንጸፈ ['ዳብ' ዝገበረ] ሽወደናዊ ኦስትላንድ፡ ኣብ ዓለም ሰባት ዘዛርብ ፊልም ንምስራሕ ከም ዝተበገሰ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ብዛዕባ'ዛ ዝተሸለመት ፊልሙ ክዛረብ እንከሎ ኦስትላንድ፡ "ነዛ ፊልም ክንሰርሕ ክንጅምር እንከለና፡ ብርግጽ ሓደ ዕላማ ነይሩና 'መስለኒ፣ ንተዓዘብቲ መሳጢ ፊልም ክንሰርሕ ምፍታን፣ ሓሳብ ዘበራብር ትሕዝቶ ምምጻእን'ዩ ነይሩ ዕላማና፡" ድሕሪ ምባል፡ "ተዓዘብቲ ክዘናግዑ፡ ነቲ ፊልም ርእዮም ነብሶም ሕቶታት ክሓቱ፣ ካብቲ ምርኢት ወጺኦ'ውን ዝዘራረብሉን ዝካትዑሉን ነገራት ክህሉ እዩ ነይሩ ድሌታ" ክብል ኣረዲኡ።
እታ ፊልም ብርግጽ ካብ ተዓዘብቲ ጽቡቕ ግብረ መልሲ ረኺባ ከም ዘላ ዝጠቐሰ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ - ኣብ እዋን መላላዪ 'ታ ፊልም ካብ ዝተወስደ ትዕዝብቱ ነቒሉ - "ብፍላይ ሓደ ትርኢት ተዓዘብቲ ወይ ብሰሓቕ ክጭድሩ ዘኽኣለ ፍሉይ ትርኢት" ከም ዝቐረበ ኣመልኪቱ።ዛንታ ትራያንግል ኦፍ ሳድነስ፡ ክልተ ሞዴል ዝዀኑ ሰባት - ብብሪጣንያዊ ሃሪስ ዲከንሰንን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቻርልቢ ዲንን ዝዋስእዎ - ኣመና ምቾት ዝመልኦ ናብራ እዩ ዝጅምር።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብሰንኪ ዘይተጸበይዎ ተጓንፎታት ግን ንነብሶም ተዓጽያ ይረኽብዋ'ሞ፣ ምስቲ ማሕበራዊ ስርዓት ንኣድላይነት ሕቶ ምንባር ጥራይ ከልዕሉ ይረኣዩ።ቫይረይቲ ዝተባህለ መዘናግዒ መጽሔት፡ ብዛዕባ'ታ ፊልም ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ እታ ፊልም "እተስሕቕ'ኳ እንተዀነት፡ ኦስትላንድ ግን "ከም እትሓስብ'ውን" ገይሩ'ሎ ክትብል ኣስፊራ'ላ።"ዝዀነ ዓውዲ ይግጠም ብዘየገድስ፡ ንዓለም ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንርእያ ግድን'ዩ፡" ይብል ኣብ ዘስፈሮ ገምጋም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







