ቢንያም ግርማይ ድሕሪ 10 መዓልታት ልምምድ ክጅምር'ዩ፤ ናትናኤል ድማ ካብ ጸወታ ተኣልዩ

ምስ ቤልጅማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ዋንት ጎበርት ብምዃን 17 ግንቦት 2022 ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሪ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ምዕዳል ሽልማት ዓይኑ ተሃሪሙ ካብ ውድድር ምቁራጹ ዝዝከር እዩ።

ቢንያም ግርማይ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤልጂም ድሕሪ ዝተገበረሉ መርመራ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልታት ናብ ንቡር ልምምድ ክምለስ ከምዝኽእል ተነጊርዎ ኣሎ።

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ሕጂ ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ እንተኾነ ገና ብሽክለታ ክዝውር ኣይጀመርኩን ኣለኹ፡ እንተኾነ [ማህረምተይ] ካልእ ሳዕቤናት ዘኸትል ስለዘይኮነ ሕጉስ'የ" ኢሉ።

ኣብ ግራንድ ቱር ክሳተፍ እዚ ናይ ጂሪ ዲ ኢታሊ ናይ መጀመርትኡ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዘካየዶ ዓሰርተ መድረኻት፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ሳልሳይን ሻዱሻይን መድረኽ ራብዓይ ኣብ ሓሙሻይን ሻሙናይን ኸኣ ሓሙሻይ ከምዝወጸ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዝተሳተፎ ዓሰርተ መድረኻት ኣብ ሽዱሽተ መድረኻት ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ ብምእታው ብነጥቢ ካልኣይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ዩ ብሰንኪ ናይ ዓይኒ ማህረምቲ ውድድሩ ኣቋሪፁ።

ቢንያም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ንሓካይሙን ንጋንትኡን ብምምስጋን "ኣብ ኣስመራ ኣዕሪፈ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ውድድር ክምለስ ብዓል ምሉእ ተስፋ'የ" ኢሉ።

ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ካብ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ቢንያም ግርማይ፡ ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ዝወዳደር ናትናኤል ተስፋጽዮንን ምስ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኢዲኬሽን ዝወዳደር መርሃዊ ቅዱስን'ዮም ውድድር ፈሊሞም ነይሮም።

ቢንያም ኣብ ዓስራይ መድረኽ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ኣብ መበል 11 መድረኽ ብዘይምስታፉ ካብ ውድድር ክእለ እንከሎ፡ ትማሊ ኣብ ዝተካየደ መበል 16 መድረኽ ውድድሩ ክዛዝም ዘይክኣለ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኸኣ ካብቲ ውድድር ተኣልዩ ኣሎ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ታሽዓይ መድረኽ ንዘጋጠሞ ከቢድ ምውዳቕ ተጻዊሩ'ዩ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ውድድሩ ከካይድ ጸኒሑ።

ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ከምኡ'ውን 2022 ዝኾነ ናትናኤል፡ ጂሮ ዲ ኢታሊ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ሻሙናይ፡ ኣብ መበል 15 መድረኽ ኸኣ 7ይ ብምውጻእ ሽሙን ሽም ሃገሩን ከጸውዕ ክኢሉ።

ኣብ 2017 ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ቪልታ ስጳኛ ካልኣይ ወጺኡ ዝነበረ መርሃዊ ቅዱስ እቲ እንኮ ኣብ ጂሮ ዲ ኤታሊ ውድድሩ ዝቅጽል ዘሎ ኤርትራዊ'ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ክሳብ ሕጂ ተካየዱ ኣብ ዘሎ 16 መድረኻት ጂሮ ዲ ኢታሊ ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ መበል 54 ተሰሪዑ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ምስ ሓዳስ ጋንትኡ ኢጣልያዊት ባርዲያኒ ፋይዛነ ክጻወት ክታሙ ዘንበረ ዕዉት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ፕሮፈሽናል ተቀዳዳማይ ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስዛ ሓዳስ ጋንትኡ ብምዃን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዙር ኖርወይ ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ትማሊ ዝጀመረ ዙር ኖርወይ ሽዱሽተ መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ተቐዳዳማይ ኲክ ስቴፕ ቤልጂማዊ ኢቨንፖል ሩምኮ ቀዳማይ ብምዃን ዛዚሙ።

ብ1 ደቒቕን 57 ካልኢትን ድሒሩ ዝኣተወ ሄኖክ ሙሉብርሃን ድማ መበል 56 ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ሽዱሽተ መድረኻት ዘለዎ ዙር ኖርወይ ተቀዳደምቲ ብሓፈሻ ኣብ 1039.7 ኪሎ ሜተር ክዝውሩ'ዮም።