እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ብሽክሌታ እናዘወረ ባንክ ዝሰርቕ ጉሒላ ዝተቐየረ ትስፉው ኦሎምፒካዊ
- Author, ሉዊስ ሞሪስ
- Role, ኣውትሉክ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ
ሊብርቲቪል፡ ኣብ ሰሜን ቺካጎ እትርከብ ዓዲ እያ፤ ቶም ጀስቲስ'ውን ትውልዲ ዓዱ ኣብኡ'ዩ።
እንተኾነ፡ እቲ ሽም ይዅን ኣድራሻ፡ ነቲ ኣብ ውድድር ብሽክለታ ኦሎምፒክ ናይ ምስታፍ ዝነበሮ ሕልሚ ጠንጢኑ፡ ባንክ ንምዝማት ዝወሰነ ውልቀሰብ ዝምጥኑ ኣይኮኑን።
ኣብ ቍልዕነቱ ህንጡይ ብሽክለተኛ ነይሩ፣ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከባቢኡ ኣትሌታት ክርኢ እንከሎ ተምሳጥ ሓዲርዎ።
ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ቶም ኣብ ብሽክለታ ተጸሚዱ። እኹል ብቕዓት ስለ ዝነበሮ ካብ ኮሌጅ ምስ ተመረቐ ድማ ምስ ጕጅለ ትራክ ኦሎምፒክ ኣመሪካ ተጠርኒፉ።
'ሪያሊቲ ባይትስ'
ሓደ ዝጐደለ ነገር ግን ነይሩ፤ ቶም ኣብ ኮሌጅ ዘሕለፎ ሽዱሽተ ዓመታት ብፊልም፣ ብፍላይ ከኣ በታ ቤን ስቲለር ዝኣለያ ብ1994 ዝተሰርሐ ፊልም 'ሪያሊቲ ባይትስ'፡ ምሱጥ ነይሩ።
እዛ ፊልም፡ ብዛዕባ ሓደ ስራሕን ጻዕርን ዘወግድ ገጸ-ባህሪይ እያ ተዘንቱ።
ቶም ድማ፡ በቲ ኢተን ሃውኪ ዝተዋስኣሉ ትሮይ ዳየር ኣዐርዩ ተሳሕበ። ዳየር ብሕብረተሰብ ተስፋ ዝቘረጸ፡ ኣብ ስራሕ ውጽእ እትው ወይ ጅምር ሕድግ ዘብዝሕ እዩ ነይሩ።
ቶም፡ "ብተደጋጋሚ ነዚ ፊልም ምስርኣኽዎ፡ ብዘሐዝን ኩነታት ሓደ ነገር በሪሁለይ፡" ይብል።
ኦሎምፒካዊ ምዃን ኣዝዩ ብዙሕ ጻዕርን ስራሕን ዝሓትት ኮይኑ ስለ ዝተራእዮ፡ ስልጠናታቱ ኣቋሪጹ ናብ ቺካጎ ተመሊሱ።
ኣብኡ፡ ህይወት ከምቲ ዝተጸበያ ኣይጸንሓቶን፣ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ንሱ፡ ብሓጐስን ዓወትን ዝተመልኦ ህይወት እዩ ዝጽበ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ስራሕን ጻዕርን ዘይፈቱ ወይ ዘይደሊ ስነ ልቦና ስለ ዝሓዘ፡ ኣብቲ ናብ ዝደልዮ ሸቶ ዘብጽሖ ነገር ቀስ ኢሉ ቀጥታዊ ብዝኾነ መገዲ ክበጽሖ ኣይደለየን።
ኣብ ክንድኡ፡ ካልእ ዝተፈለየ መገዲ መረጸ።
'Heat' ኣብ ዝተሰመየት ናይ ጉሕለት ድራማ ብዝርኣዮም ነገራት ሰኺሩ፡ ካብቲ ቅኑዕ ሕልሙ ስሒቱ ገበነኛ ክቕየር ወሲኑ።
ፈላሚ ዝምታ ባንክ
ብ23 ጥቅምቲ 1998፡ ኦሎምፒካዊ ክእለት ብሽክለታኡ ተጠቒሙ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓደ ባንክ ሰሪቑ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ካልኣይ ደጊሙ። ድሕሪኡ'ውን ካልእ፣ መሊሱ፡ መመሊሱ ካልእ ባንክታት ሰረቐ።
እዚ ዅሉ ክፍጽም እንከሎ ግን ብዘይ ዝዀነ ዕጥቂ እዩ ዝነበረ።
በዚ ንከይጥርጠር፡ እቲ ገንዘብ ኣብ መትሓዚ ወረቐት ገይሩ ኣብ መአከቢ ጓሓፍ ወይ ድኻታት ኣብ ዝነብሩሎም ሰፈራት'ዩ ዝድርብዮ።
ከምቲ ኣብ ፊልም እትርእዮ፡ ህይወት'ውን፡ ናይ ባዕሉ ድራማን ሳዕቤንን ሒዙ'ዩ ዝመጽእ።
ክሳብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ [ኤፍቢኣይን] ዝሕዙኻ፡ ብዙሓት ዝስረቑ ባንክታት ክህልው ይኽእሉ።
ቶም እንከይፈለጠ፡ ኤፍቢኣይ፡ ነቶም ዘይተፈትሑ ግድላት ዝምታ ዝተፈላለያ ባንክታት ንምፍላጥ ዘኽእሎ ፍጻመታት ንሓድሕደን ከራኽበን፡ ድሮ ጀሚሩ ኣሎ።
ሰራሕተኛታት ባንክ፡ ዝሓዞ ሳንጣ ዶላራት መሊኦም ክሳብ ዝህብዎ ብትዕግስቲ ኣእዳው ኣብ ደረቱ ገይሩ ክጽበ ኣብ ዝተቐድሑ ምስልታት ዝርኣዩዎ ፖሊስ፡ "The Choirboy" ዝብል ቅጽል ሽም ሂቦምዎ።
ቶም፡ ብዘይ ዝኾነ ሓቃዊ ሕልሚ እናነበረ ንስድራኡ የሕዝኖም ምህላው ምስ ተረድኦ'ዩ ዓለሙ ክትግልበጥ ዝጀመረት።
ሕርቃንን ውሕስነት ምስኣንን
ባንክ ምዝማት፡ ንግዚኡ ካብቲ ዝነበሮ ሕርቃንን ውሕስነትን ምስኣንን፡ ብመጠኑ ገንዘባዊ ዕረፍቲ ሂቡዎ እዩ።
"ኵላትና መዓልታዊ ውዕሎና ንምክዋን ክንከይድ እንከለና፡ ኣነ ኣብ ትርፊ ግዜይ ባንክታት ብምስራቕ፡ ፍሉይ'የ ዝብል ንበይነይ ዝሓዝክዎ ምስጢር ነይሩኒ። ንሱ'ዩ፡ ብሞያይ ይዓቢ ከም ዘየለኹ መንቅሒ ደወል ዝኾነኒ፡" ይብል።
ቶም ብዛዕባ እቲ ዘውረዶ ዕንወት ኣይኮነን ዝሓስብ፤ ወይ ኣብ ገጽ ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ ዘሎ ፍርሒ ወይ ሳዕቤናት እቲ ገበን'ውን ኣይሓሰበን።
ከምኡ እናበለ ብሓደ ሸነኹ ልዕል ክብል እንከሎ፡ ብሓደ ሸነኽ ግን ዕላማ ዘይብሉ ሰብ ኮይኑ ክስምዖ ጀሚሩ።
ኣብዚ ግዜ፡ ናብ ሓደ ፓርቲ ከይዱ ምስ ኮኬይን ተላልዩ። እቲ ካብ ባንክ ዝሰረቖ ገንዘብ ድማ ሓሽሽ ንምዕዳግ ከውዕሎ ጀሚሩ።
"ክጅመር እንከሎ ንምንታይ'የ ናብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣትየ ዝብል ሓሳበይ ጠፊኡ። ሕጂ፡ ሓሽሽ ምእንቲ ኽረክብ ኢለ፡ ባንክታት ዝሰርቕ ኣጸጋሚ ሰብ ኮይነ፡" ይብል።
ዕድል ክትጽንቀቕ እንከላ
መጋቢት 2002፡ ከምቲ ዝለመዶ ካብ ሓደ ባንክ ዝደልዮ መጠን ገንዘብ ሰሪቑ። ኣብዛ ግዜ'ዚኣ ግን ክሳብ ሽዑ ዝነበሮ ዕድላት ዝተጸንቀቐ ይመስል።
ኣብ መገዲ ብብሽክለታ እናኸደ እንከሎ፡ ፖሊስ ጠጠው ኣቢሎም፡ 'ዝሓዝካዮ ሳንጣ ክንፍትሾ ደሊና' ይብሉዎ።
ንሱ ግን፡ ነታ ብሽክለታ ኣልዒሉ ሃፍ ኢሉ ይጽረግ፣ ፖሊስ ግን ተወሳኺ ሓይሊ ሓቲቶም ይስዕቡዎ።
ብዝተወሰነ መልክዑ፡ እናተሽሎኽሎኸ ክሃድም ይፍትን፣ መሊኡ ዝሃድመሉ መገዲ እናኣለሸ እንከሎ ንቑልቑል ሓደ ሩባ ይርኢ።
በቲ ሓደ ገጽ ነቲ ብሽክለታ ናብቲ ሩባ ደርብዩ በቲ ካልእ ገጽ ሃዲሙ ተሓብአ።
ኣብ ልዕሊኡ ግን ሄሊኮፕተር ትዛውን ነይራ፣ መካይን ፖሊስ ድምጸን የስምዓ፣ ድምጺ እቶም 'ፉፉፉፉፍ'እናበሉ ኣሰሩ ንምርካብ ብሽታ ንኸለልይዎ ዝስዕብዎ ኣኽላባት'ውን ክሰምዖ ጀመረ።
ኣብኡ፡ ንሰለስተ ሰዓታት በጥ ኢሉ ተሓቢኡ።
"ሽዑ፡ እቲ ዝገብሮ ዘለኹ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ዝተረድኣኒ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ፖሊስ እዮም ዝከታተሉኒ ዘለው፣ ግን ስለምንታይ? ኣብ ናይ ብሕተይ ደስ ዝብል ዓለም ከም ዘለኹ ኣይርኣዮምን ድዩ? ፈጺሙ ክርኣዮም ኣይክእልን።
"ስለዚ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሽዑ'የ ኣብ ሕማቕ መገዲ ከም ዘለኹ ፈሊጠ። ከመይ ገይረ ካብኡ ክወጽእ ከም ዝኽእል ግን ኣይፈልጥን፡" ይብል።
ንሽዱሽተ ሰዓታት ድሕሪ ምጽባይ፡ ተረጋጊኡ ካብቲ ዝተሓብኣሉ ወጺኡ። ንግዚኡ ናጻ እዩ።
ቶም፡ ሕጂ ብሽክለታ የብሉን፣ ብሽክለታኡ ኣብ ኢድ ፖሊስ ኣትያ እያ።
ስለዚ፡ ፖሊስ ማዕጾ ገዛኡ ክዅሕኩሑ ዝተረፋኦም መዓልታት ውሑዳት እየን ኢሉ ክሓስብ ጀሚሩ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብ መንበሪ ገዛ ወለዱ ናብ ገዛኡ መኪና እናዘወረ እንከሎ፡ መኪና ፖሊስ ረኣየ።
ነጺግዎም መገዱ ይቕጽል፤ ንኻልኣይ ሳልሳይ ግዜ ብመስትያት እንተርኣየ ዝኽተሉዎ ዘለው ይመስሉ።
ቶም፡ ነታ መኪና ጠጠው ኣቢሉ ብምውራድ ምስ ፖሊስ ፊት ንፊት ተፋጠጠ፣ ኵሎም ሸጓጕጦም ኣውጺኦምሉ።
ኣብ መሬት ብከብዱ ደቂሱ ኢዱ ምስ ሃበን፡ ድምጺ ናብ ኣእዳው ዝኣቱ ዝነበረ መቑሕ ምስ ሰምዐን፡ ኵሉ ነገር ክሃፍፍ ተራእዮ።
ናብ መደብር ፖሊስ ተወሲዱ፡ ሕቶታት ቀረበሉ።
ሓደ ብሓደ ኵሉ ተናዚዙ፣ እቲ ካብ ዓለም ዝኸበደ ነገር ግን ተሌፎን ኣልዒሉ እቲ ሓቂ ንቤተሰቡ ምዝራብ ነበረ።
ከመይ ኢሉ ብስርቂ ባንክ ተኣሲረ ክብሎም?
"እቲ ካብ ህዝቢ ዝወርድ መዓት ዝጸርዎ ንሳቶም ስለ ዝኾነ፡ ዓቢይ ሕንከት'ዩ ነይሩ። ንሳቶም'ዮም እቲ ካብ መሓዙትናን ጐረባብትናን ዝበሃል ነገር ዝርእዩዎን ዝሰምዕዎን። ወድኹም ሕማቕ ገይሩ'ዮም ክብሃሉ። በዚ ኸኣ ክሳብ ሕጂ ኸቢድ ውርደት ይስምዓኒ፡" ኢሉ።
ማእሰርቲ
ቶም፡ ኣብ ሰለስተ ግዝኣታት ኣሜሪካ 26 ባንክታት ብምስራቕ ን11 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ኣብቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበን፡ 129 ሽሕን 338 ዶላር ሰሪቑ።
ናብ ቤት ማእሰርቲ ፌደራል ክሰጋገር እንከሎ፡ "እዚ ጽቡቕ'ዩ፣ ኣብ መወዳእታ ምስ ከማይ ዝበሉ ሰባት ክኸውን እ፡የ" ዝብል ግምት ነይርዎ።
"ግን ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ከምኡ ኣይጸንሐንን፡" ይብል። ቶም፡ ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ንነብሱ ካብቲ ካልእ ዝተፈለየት ኣይኮነትን።
ምስ ተኣሰረ፡ እቲ ባህሪኡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ተገንዚቡ። ብዙሓት በቲ ንሱ ዝፈጸሞም ዝምታታት ተጐዲኦም'ዮም።
ሰራሕተኛታት ባንክ ንህይወቶም ሰጊኦም።
"በዚ'ውን ሓፊረ . . . ገበነኛነት ተሰሚዑኒ። ንሳቶም እንታይ ይስምዖም ይኸውን ዝብል ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን ነይረ፡" ኢሉ።
ብዛዕባ ሳዕቤን እቶም ዝሰርሖም ገበናት ምሕሳብ ደው ከብል ኣይክኣልን። ብሰንኪ'ዚ ኣዝዩ ውሉፍ ሰብ ኮይኑ።
"ኣይፈልጥን፣ ስቕ ኢለ እየ ባንክ ምስራቕ ጀሚረ። ዘዘናግዕ ነገር ክኸውን ይግብኦ ነይሩ፣ ግን ሓደገኛ ኮይኑ። ስለዚ፡ ባንክ ክትሰርቁ የብልኩምን፡" ይብል።
ብ2011፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ምስ ኣፍቃሪቱ ባሪ ዳግም ተራኺቡ።
ሕጂ ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ሰባት [ከም መግቢ ዘድልዮም ምብላዕን ምስታይ፣ ኣስቤዛ ዓዲግካ ምብጻሕ፣ ናብዮት ምሃብ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት] ዝሰርሕ ቶም፡ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ከም ዝለወጦ ይዛረብ።
"ኣብ ቤት ማእሰርቲ'የ ዓብየ . . ። ብዘይተሓሰበ መገዲ ጠቒሙኒ፣ ነዚ ኸኣ አመስግን።"
እዚ ዛንታ፡ ኣብ ምድላው Lives Less Ordinary ብአውትሉክ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ተዳልዩ ብኽልተ ክፋል ካብ ዝቐረበ ትሕዝቶ ዝተወስደ'ዩ።