እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጸሊም-ዕዳጋ ቘልዑ ኣብ ናይሮቢ: ኬንያ
መደብ ቢቢሲ 'ኣፍሪካ-ኣይ' (ዓይኒ ኣፍሪቃ) ኣብ ዓንኬል ዘይሕጋውያን ነጋዶ-ደቂ-ሰብ ብምስጢር ብምስራጽ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ህጻናት ክብርብሮ ብምኽኣሉ ህጻናት ብ300 ዶላር ይሽየጡ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ።
ረበካ ዝተባህለት ኬንያዊት ኣደ ንዉላዳ ቅድሚ 10 ዓመት እያ ርእያቶ፤ ሕጂ ግን እቲ ዉላዳ ብህይወቱ ይሃሉ/ኣይሃሉ ኣይትፈልጥን።
እቲ ሎረንስ ጆሳያ ኢላ ዝሰመየቶ ወዲ ሓደ ዓመት ዉላዳ: ኣብ ከውታ ለይቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2011 ባዕጊጋ ከላ'ዩ ካብ ሕቝፊኣ ተሰሪቑ።
ረበካ ሽዑ ጓል 16 ጎርዞ ነይራ፣ ንሓንጎላ ዘደንዝዝ ብቤንዚን ዝጠልቀየ ጨርቂ ብምጭናው ደንዚዛ ነበረት።
በንዚና ተሸትተሉ ዝነበረት ምኽንያት ኣብ ግዳም ወጺኣ ምልማን ንከድፍራ ነበረ።
ኣብ 15 ዕድሚኣ: ኣዲኣ ኵነታት ጓላ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን፣ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት'ውን ክትከፍለላ ኣይከኣለትን፣ ኰይኑ ድማ ረበካ ትምህርታ ኣቋሪጻ ኣብ ጽርግያ ተደርበየት።
ኣብ ጽርግያ ሓደ ብዕድመ ካብኣ ኣዝዩ ዝዛይድ ሰብኣይ ክመርዓወኪ'የ ኢሉ ኣከባ፣ ኣጥኒሱ ኸኣ ራሕሪሑዋ ከደ።
ኣብ ዓመቱ ሎረንስ ጆሳያ ተወልደ፣ ዉላዳ ወዲ ሓደ ዓመት ምስ ኮነ ድማ ተሰርቀ። ብድሕሪኡ ርእያቶ ኣይትፈልጥን።
"ወደይ ድሕሪ ምጥፍኡ ዝወለድኩዎም ቆልዑ ኣለውኒ፡ ንሱ ግን ንመጀመርታ ጊዜ ኣደ ንክኸውን ኣብቂዑኒ" ትብል ረበካ ... ንብዓታ ክትዓግት እናተቓለሰት። "ኣብ ኵሎም መዕበያ-ቆልዑ ደልየ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን" ኢላ ወሰኸትሉ።
ረበካ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዉላዳ ዝተሰርቀሉ ጽርግያ ኢያ ትነብር። ረበካ ትርኢታ ቍንጽብቲ፡ ዓጽሚ-ምዕጕርታ ክብ ዝበለ፡ ጸጕራ ድማ ብጻዕቂ ዝተቘነነት'ያ።
ኣብዚ እዋንዚ ሰለስተ ቈልዑ ኣሎዋ - ሰለስተ ኣዋልድ ደቂ ሾሞንተ/ሽድሽተ/ኣርባዕተ። ሓደ እዋን እታ ንእሽቶ ጓላ ብሓደ ሰበኣይ ተመንዚዓ ከም ዝነበረት ትዛረብ።
እቲ ሰብኣይ ''እታ ቆልዓ ዝስተ ግዝኣለይ ኢላትኒ'' ኢሉ ከም ዜመኽነየ ረበካ ትዛረብ።
ረበካ ነቲ ሰብኣይ ድሕሪ ምክትታል፡ ርሕቕ ኢሉ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ሓንቲ መኪና ዀይና ትጽበዮ ከም ዝነበረት ኣስየብሃለት።
ንጽባሒቱ'ውን እቲ ሰብኣይ ናብቲ ጽርግያ ተመሊሱ ከም ዝነበረ ትሕብር።
ኣብቲ ረበካ እንተብረሉ ጽርግያ ሃሰው ንዝበለ ሰብ ከም ናታ ሕማቕ ዕድል ዘጓነፈን ደቂ-ኣንስትዮ ብቐሊሉ ምርካብ ኣየሸግርን - መንበሪ-ቤት ዘይብለን ደቂ ናይሮቢ መሊአን'የን። ሓንቲ አስተር ዝስማ ኣደ: ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዳ ብነሓሰ 2018 ከም ዝተሰርቃ ትሕብር። "ወደይ ካብ ዝስረቕ ሰላም ረኺበ ኣይፈልጥን . . . ክሳብ ሞምባሳ ብምኻድ ኣብ ኵሉ ቦታ ከይደ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን" ትብል። ከምኡ'ውን ካሮል ዝተባህለት ኣደ: "ወዲ ክልተ ዓመት ወደይ ብለይቲ ካብ ኢደይ ተሰሪቑ . . . ንወደይ ኣዝየ አፍቅሮ ነበርኩ . . . እቶም ዝሰረቑዎ እንተ ዝመልስዎ ይቕሬ ምበልኩሎም" ትብል።
ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ሰረቕቲ-ቈልዑ: ንጠለብ ጸሊም ዕዳጋ-ቈልዑ ከርውዩ ምእንቲ: ነተን ኣብ ሰንኮፍ ዝርከባ ኣዴታት ግዳይ ይገብርወን ኣሎዉ። "ኣፍሪካ-ኣይ" ብዘካየዶ ናይ ሓደ ዓመት ምርመራ፡ ካብ'ተን መንበሪ ገዛ ዘይብለን ኣዴታት ቆልዑ ተሰሪቖም ብክብ ዝበለ መኽሰብ ይሽየጡ ከም ዘሎዉ ብቑዕ መርትዖታት ረኺቡ ኣሎ።
"ኣፍሪካ-ኣይ" ኣብ ጽርግያታት ናይሮቢ ኣብ ዝርከቡ ክሊኒካት ሕቡእ-መሸጣ-ቆልዑ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓደ ብመንግስቲ ዝካየድ ዓቢ ሆስፒታል ቆልዑ ተሰሪቖም፡ ንተሻየጥቲ፡ እሞ ኸኣ ነቶም ብስቱር ጠለብ ዜቕርቡ ሰባት፡ ይሽየጡ ከም ዘሎዉ በጺሑዎ ኣሎ።
"ነቲ ካብ ሕጊ ዝወጸ መሸጣ-ቆልዑ ንምቅላዕ፡ ኣብ ሓደ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ቀረብና። ንሱ፡ ንሓደ ስድርኡ ሸለል ዝበልዎ ወዲ ክልተ-ሰሙን ቆልዓ ሕጋዊ ቅጥዕታት ሆስፒታል ኣማሊኡ ንክሸጠልና ተወዓዓልና።
እቶም ቈልዑ ዝሰርቁ ሰባት፡ ገሊኦም ንሓደጋ ዝተሳጥሑ ተበለጽቲ፡ ገሊኦም ድማ ውዱባት-ገበነኛታት ኰይኖም ብሓባር ዝሰርሑ'ዮም። ሓንቲ ኣኒታ ዝተባህለት ካብ'ቶም ተጠቐምቲ-መሸጣ-ቆልዑ፡ መስተን ድሮጋን እተዘውትርን ንባዕላ ኣብ ጽርግያ እትነብርን ሰብ፡ ካብ በዓል ረበካ ዘኣመሰላ ኣብ ሕማቕ መነባብሮ ዝርከባ ኣዴታት: ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ሰሪቓ ንዕዳጋ መሸጣ እተቕርብ ሰብ'ያ።
"ኣፍሪካ-ኣይ" ብዛዕባ ኣኒታ ብሓንቲ ስማ ክጥቀስ ዘይትደሊ መሓዝኣ'ዩ ሓበሬታ ክረክብ ዝኸኣለ። ነታ መሓዝኣ ንጊዜኡ ኤማ ኢልና ንስመያ። ኤማ ከም ዝበለቶ ኣኒታ ቈልዑ ካብ ጽርግያ ንምጭዋይ ዝተፈላለየ ብልሓት'ያ ትጥቀም።
"ሓድሓደ ጊዜ ኣኒታ ናብታ ኣደ ቅርብ ኢላ ተዘራርባ - እታ ኣደ ብዉላዳ ከመይ እትሓስብን እንታይ መደብ ከም ዘሎዋን ንኽትፈልጥ" ትብል ኤማ። "ሓድሓደ ጊዜ ድማ ነታ ኣደ ዜደንዝዝ - ከም መደቀሲ መድሃኒት ወይከኣ ብበንዚን ዝተርከሰ ጨርቂ ትህባ። ካልእ ጊዜ ኸኣ ምስቲ ቈልዓ እናተጻወተት ነታ ኣደ ተዳህልላ ... በብዓይነቱ ሚላታት'ያ ትጥቀም" ትብል።
ኣባላት "ኣፍሪካ-ኣይ" ከም ዓደግቲ ሕጻናት ተመሲሎም ምስ ኣኒታ ኣብ ማእከል ከተማ ናይሮቢ ኣብ ሓደ ቤት-መስተ ተቛጸሩ። ኣኒታ ሓለቓኣ ዝያዳ ቈልዑ ንኽትሰርቕ ጸቕጢ ትገብረላ ከም ዘላ ድሕሪ ምዝራብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጠረስታ እዋን ዝጨወየቶ ቆልዓ ከተዘንትወሎም ጀመረት።
"እታ ኣደ: ነቲ ኵነታት ጽርግያ ብዙሕ ዘይርድኣ ሓዳስ ሰብ'ያ፡ ዕግንግን ትብል ነይራ" ትብል ኣኒታ። "ድሓር በቲ ዉላዳ ስለ ዝኣመነትኒ ነቲ ቆልዓ ኣዘንጊዐ ጨውየዮ ከይደ ... ሕጂ እቲ ቈልዓ ምሳይ ኣሎ" ኢላ ኣዕለለቶም።
ኣኒታ ከም ዝበለቶ፡ ሓለቓኣ ሓንቲ ናታ ዋኒን ዘሎዋ፡ ዝተሰርቁ ቈልዑ ተሻይጣ ድማ ብመኽሰብ ንካልኦት ሰባት እትሻየጥ ሰብ'ያ። ካብ'ተን ዓማዊላ መኻናት ኣዴታት ይርከብአን፣ ገሊአን ድማ ቈላዑ ንመስዋእቲ ዜቕርባ ኣለዋ" በለት።
"እወ፡ ቈልዑ ንመስዋእቲ ዜቕርቡ ሰባት ኣሎዉ። ንመስዋእቲ ዝቐረቡ ቈልዑ ንሓወሩ ካብ ጽርግያ ሽርብ'ዮም ዝብሉ" ኢላ ደገመቶ።
ኣኒታ ከምኡ ምስ በለት እቲ ኤማ ዝበለቶ ተረጋገጸ - "ገለ ካብ'ቶም ቈልዑ ንናይ መስዋእቲ ጽንብል'ዮም ዝጭወዩ" ዝበለቶ ዘረባ።
ኣኒታ ቈልዓ ድሕሪ ምሻጥ ነቲ ቈልዓ እንታይ ከም ዜጓንፎ ብዙሕ እትፈልጦ ነገር የብላን። ነታ በዓል ዋኒን ብ 50,000 ሽሊንግ ንጓል ($460) ብ 80,000 ሽሊንግ ንወዲ ($725) ትሸጠላ።
ኤማ ከም እትብሎ፡ "እታ ዓዳጊት ሰበይቲ ነቶም ቈልዑ እንታይ ከም እትገብሮም ኣይትዛረብን'ያ"። "ሓደ መዓልቲ ንኣኒታ እታ ሰበይቲ ነቶም ቈልዑ እንታይ'ያ ትገብሮም ኢለ ምስ ሓተትኩዋ ''ዝደለየት ትግበሮም - ኣብ እንዳ ጠንቈልቲ ተእትዎም ዋላ ናብ ካልእ ትውሰዶም ንዓይ ኣይግድሰንን'ዩ ... ገንዘበይ ጥራይ ትኽፈለኒ ... እሱ'ዩ ዜገድሰኒ" ኢላትኒ ትብል ኤማ።
ምስ ኣኒታ ንፈለማይ እዋን ምስ ተራኸብና ንካልኣይ ምርኻብ ባዕላ ደወለትልና። ምስ ተራኸብና ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ቈልዓ ሒዛ ተጸበየትና። እታ ቈልዓ ካብ ሓንቲ ኣደ ኣዳህሊላ ብምስራቕ ናባና ሒዛታ መጸት።
"እታ ኣደ ስለ ዝኣመነትኒ ነታ ጓላ ክሕዘላ ኣሕቊፋትኒ ... ኣነ ኸኣ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ምሕቋፍ ሒዘያ ተዓዚረ" ኢላ ነገረትና።
ኣኒታ ንኤማ ነታ ቈልዓ ብ 50,000 ሽሊንግ ዝዕድግ ሰብ ከም ዝረኸበት ነገረታ፣ ኤማ ግን ፈሊጣ "ኣነ ቆልዓ ዝደሊ ብ80,000 ዝሻየጣ ሰብ ረኺበ ኣሎኹ በለታ"፣ ኣኒታ ድማ ሰሲዓ "በሊ ንጽባሕ ክንሸጣ ንወዓዓል" ኢላ ተሰማምዐታ።
ቈጸራ ንሰዓት ሓሙሽተ ናይ ኣጋ-ምሸት ተታሕዘ። እታ ቈልዓ ካብ ኣዲኣ ብምፍላያ ድሮ ኣብ ሽግር ስለ ዝነበረት "ኣፍሪካ-ኣይ" ንፖሊስ ሓበሩ፣ ፖሊስ ከኣ ብሕቡእ ኣብቲ ናይ መሸጣ ቦታ ተጸናጺኖም ንኣኒታ ንምእሳር ተዳለዉ። ኣኒታ ግን ከይመጸት ተረፈት። ኣባላት "ኣፍሪካ-ኣይ" ክረኽቡዋ ኣይከኣሉን፣ ንሒደት መዓልታት ንኽትድውለሎም ተጸበዩ። ሰሙናት ምስ ሓለፈ ኸኣ ኤማ ዝገበረት ጌራ ንኣኒታ ረኸበታ። "ኣኒታ ነታ ቈልዓ ብዝሓሸ ዋጋ ዝሻየጣ ሰብ ስለ ዝረኸበት'ያ ጠፊኣ" ዚብል መልእኽቲ ሒዛትሎም መጸት። "በቲ ገንዘብ ከኣ ኣብ ሻውላት ናይሮቢ ብዚንጎ ዝተሰርሐት፡ ክልተ ክፍሊ ዘሎዎ ገዛ ከተስርሕ ቀንያ" ኢላ ሓበረቶም።
እታ ቈልዓ ተሸይጣ፡ ፖሊስ ከኣ ንኣኒታ ከይሓዙዋ ተረፉ። እቲ ፋይላ ጌና ክፉት ኣሎ።
"ከምዚ እንተ ገበርናኸ"
ኣብ ኬንያ ክእመን ዝከኣል ክንደይ ቈልዑ ኣብ ኢድ ተሻየጥቲ ከም ዝወደቑ ዘርኢ ሓበሬታ የለን።
ናይ መንግስቲ ጸብጻብ የለን፣ ኣብ ምሉእ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ የለን። እቶም ነቲ ጕዳይ ዝከታተሉ ትካላት እኹል ገንዘብ ኰነ እኹላት ሰርሕተኛታት የብሎምን።
ኣብ ኬንያ ሓንቲ ንጕዳያት ዝጠፍኡ ቈልዑ እትከታተል ዘይመንግስታዊት ትካል ብማርያና ሙንየንዶ እትበሃል ሰብ እትካየድ ማሕበር ኣላ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ 600 ዝተጨውዩ ቈልዑ ጕዳያት ከም ዝተኸታተለት ሙንየንዶ ን"ኣፍሪካ-ኣይ" ሓቢራቶም።
"ጭውያ ቈልዑ እቲ ዝዓበየ ዛዕባ ክነሱ ግና ኣይዝረበሉን'ዩ" በለት ሙንየንዶ። "ትካልና ነቲ ጕዳይ ላዕለ-ላዕሊኡ'ምበር ንዅሉ ክምርምር ኣይክእልን" ትብል።
ማሕበራዊ ድሕነት ተገዲሱ ነዚ ጕዳይ እኹል ኣቓልቦ ከመዘይህበሉ ድማ ሓበረቶም።
እቲ ጕዳይ ኣቓልቦ ዘይረኸበሉ ምኽንያት: ከም በዓል ረበካ ዘኣመሰላ ሰባት: ኣብ ሰንኮፍ ሕብረተ-ሰብ ዝነብራ ተነቀፍቲ፡ ድምጺ-ኣልቦ፡ ንኣቓልቦ-ሚድያ ክስሕባ እኹል ዓቕሚ ዘይብለን ወይከኣ ንሓለፍቲ መንግስቲ ከስምዓ ዘይክእላ ስለ ዝዀና ኢየን።
"እቲ ዘይልዓል ጕዳይ ምስ ቍጠባዊ ከነታት ናይ'ተን ግዳያት ብቐጥታ'ዩ ዝራኸብ" ትብል ሙንየንዶ። "እተን ኣዴታት እኹል ዓቕሚ፡ ማሕበረ-ሰባዊ ምትእስሳር፡ እኹል ሓበሬታ ስለ ዘይብለን 'ሓግዙና፡ ሃለወት ዝጠፍኡ ደቅና ግበሩ' ኢለን ከስምዓ ኣይክእላን'የን" ኢላ ወሰኸትሉ።
ቈልዑ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝኣትዉሉ ምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ መኻናት ኣዴታት ዘሎ ሕማቕ ባህሊ'ዩ። "ኣብ ሓዳር-ኣፍሪቃውያን መኻን ምዃን ሽግር'ዩ" ትብል ሙንየንዶ። "ኣብዚ ባህሊ'ዚ ዘሎ ትጽቢት ሰበይቲ ወ'ላድ ክትከውን፡ እሞኸኣ ወዲ እትወልድ'ያ ትድለ። እንተዘይኰይኑ ሰበይቲ ካብ ሓዳራ ክትስጐጕ ትኽእል። ስለዚ እንታይ ትገብር? ቈልዓ ትሰርቕ" ትብል።
ሓንቲ መኻን ምስ ሓንቲ ከም ሓለቓ ናይ ኣኒታ ዘኣመሰለት ሰብ ንኽትራኸብ ትግደድ። ንሳ ኸኣ ንከም ኣኒታ ዘኣመሰላ፡ ኣብ ጽርግያ ወሪደን ቈልዓ ካብ ኣደ ዝምንዝዓ ትቘጽር። ወይከኣ ኣብ ሆስፒታል ምትእስሳር ዘሎዎ ሰብ ተናዲ።
"ኣፍሪካ-ኣይ" ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዓንኬላት መንዛዕቲ ቈላዑ ኣብ ዉሽጢ ዓበይቲ ሆስፒታላት ናይሮቢ፡ እሞ ኸኣ ብመንግስቲ ዝውነኑ፡ ስርሖም ከም ዘሰላስሉ ክበጽሖ ከኣለ።
ብሰበ-ሰብ ሓደ ፍረድ ለፓራን ዝተባህለ ኣብ "ማማ ሉሲ-ኪባኪ" ዝበሃል ክሊኒካዊ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ረኸቡ። ስርሑ ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዝርከቡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝተወልዱ ቈልዑ ክናቢ ኢዩ። እቶም ብዛዕብኡ ሓበሬታ ን"ኣፍሪካ-ኣይ" ዝሃቡ ሰባት ግን ለፓራን ኣብ ምሻጥ ቈልዑ ከም ዝዋፈር ነገሩዎም። እቲ ሓበሬታ ዜመሓላልፈሎም ሰብ ናብ ለፓራን ከይዱ "ሓንቲ ክትጠንስ ዘይከኣለት ሰብ ቈልዓ ክትሻየጥ ትዲሊ ኣላ" ክብል ሓበሮ።
ለፓራን ከኣ "ሓደ ወዲ ኣሎ ... ስድርኡ ደርብዮሞ ከይዶም ክሳብ ሕጂ ዘይተመልሱ" ኢሉ መለሰሉ።
"ኣፍሪካ-ኣይ"ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ለፓራን ፈለማዩ ኣይኰነን ከምዚ ዝገብር ዝነበረ፣ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝወዓሎ ጕዳይ ነበረ።
"እቲ ዝሓለፈ እዋን ዝሸጥኩዎ ቈልዓ ብሓቂ'ዩ ኣሰንቢዱኒ ... " ክብል ከሎ "ኣፍሪካ-ኣይ" ብሕቡእ ቀድሖ። "ከምዚ ዘይንገብር ..." ክብል ዘረባኡ ቐጸለ። "እዚ ጕዳይ ሳዕቤን ከም ዘይህልዎ ጌርና ንተሓሓዞ ..." በለ።
ከምዚ ለፓራን ዝዛረበሉ ዘሎ ቈልዓ ኣላዪ ምስ ዝስእን ናብ ብመንግስቲ ዝካየድ እንዳ ክንክን-ቈላዑ ኢዩ ዝሰጋገር። ብድሕሪኡ መንግስቲ ብቑዕ ኣላዪ ረኺቡ ይውድቦ። እቲ ዝተረኽበ ኣላዪ ድማ ኣድላዪ ቍጽጽርን መርመራን ዝተገብረሉ ሰብ ይኸውን ማለት'ዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን፡ ከም በዓል ለፓራን ዜኣመሰሉ ሰባት ነቲ ጕዳይ ባዕላቶም ክውድእዎ እቲ ቈልዓ ኣብ እንታይ ዓይነት ኵነታት ይድርበ ከም ዘሎ ዝፈልጥ ሰብ የለን።
"ኣፍሪካ-ኣይ" ንሓንቲ ሮዛ ዝስማ ሰበይቲ ብስቱር ቖጺሩ ኣብቲ ጥቓ ሆስፒታል ንለፓራን ከም እትረኽቦ ገበረ። ለፕራን ከኣ ንሮዝ ብኵነታታ ገለ-ገለ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታት ንሳ ምርዕውቲ ምዃና፡ ክትጠንስ ከም ዘይትኽእል፡ ካብ ስድራ-ቤት ሰብኣያ ድማ ብዙሕ ጸቕጢ ከም ዘሎዋ ሓበረቶ።
"ከተዕብይዮ እትኽእሊ ቈልዓ ኣይረኸብክን?" ኢሉ ይውከሳ። ንሳ ድማ "እወ፡ ቈልዓ ንምዕባይ ሓሲብናሉ፣ ግናኸ ሕልኽልኽ ዝበለ መስርሕ ኰይኑ ረኺብናዮ" ኢላ መለሰትሉ።
ለፓራን ሮዛ ብዝሃበቶ መልሲ ዓጊቡ "ዋጋ ናይቲ ቈልዓ 300,000 ሽሊንግ ኢዩ" ኢሉ ሓበራ ($2,750)። ሮዛ ኸኣ በቲ ዋጋ ተሰማመዐት።
"እንድሕሪ በዚ ውዕል ተሰማሚዕና ንኸይድ ኴንና እቲ ጕዳይ ካብ ሰለስተና ክሓልፍ ኣይግባእን - ኣነን ንስኽን እቲ ደላልን" ይብላ። "እዚ ናይ እምነት ጕዳይ'ዩ። ኣስጋኢ ስለ ዝዀነ ድማ ኣዝዩ የሻቕለኒ'ዩ" ኢሉ ወሰኸላ።
ድሓር እቲ መሸጣ ንኽውድእዎ ክድውለላ ምዃኑ ሓቢሩዋ ይኸይድ።
ምርጫ ኣዳማ
ኣብ ሞንጎ ጨወይቲ ቈልዑን (ከም ኣኒታ) ብብልሽውና ዝተጠቕዑ ሓለፍትን (ከም ለፓራን) ፍልይ ዝብል ዝኣገባቡ መሸጣ ቈልዑ ኣሎ። ሓሓሊፎም፡ ኣብ ናይሮቢ - ሰፈር ድኻታት - ሕቡኣት ዘይሕጋውያን መሕረሲ ክሊኒካት ኣሎዉ። እዞም ክሊኒካት'ዚኦም ብሕቡእ ነዴታት ኣሕሪሶም ነቶም ቈላዑ ኣብ መሸጣ የውርድዎም።
"ኣፍሪካ-ኣይ" ምስ ሓንቲ ጁዲት ካናይታ ዝስማ ጋዜጠኛ - ናይ "ጌቶ ራድዮ" ኣባል - ተሰማሚዑ ኣብ ካዮለ ዝበሃል ዞባ ናይሮቢ - ብድኻታት ሰባት ዜዕለቕልቕ ስፍራ - መሸጣ ቈልዑ ክከታተል ወሰነ።
እቲ ንኽከታተልዎ ዝወሰኑ ክሊኒክ ብሓንቲ መሪ ኣውማ ዝስማ ሰብ'ዩ ዝካየድ። መሪ ኣውማ ከም ዝነገረቶም፡ ኣብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ናይሮቢ ከም ነርስ ኰይና ከም ዝሰርሐት ንካናይታ፡ ነታ ዝቘጸሩዋ ጋዜጠኛ፡ ትነግራ። ኣብቲ ዉሽጢ'ቲ ክሊኒክ ብሕማም-ሕርሲ ዝተታሕዛ ክልተ ኣንስቲ ነበራ።
"እዚኣ ናይ ሾሞንተን ፈረቓን ወርሒ ጥንሲ ኣሎዋ ... እንሆ ክትሓርስ ቀሪባ ኣላ" ትብል ኣውማ ሕሹኽ ኢላ። ንዉሉዳ ብ 45,000 ሺሊንግ ክትሸጦ ወሲና ኣላ ($415) ትብላ።
ኣውማ ብኵነታት እታ ትጸዓር ዝነበረት ኣደ ኣይዓጠጣን። "ገንዘባ ምስ ተቐበለት ብድድ ኢላ ክትከይድ ኢያ ... ጽቡቕ ጌርና ኢና ንገልጸለን ... ድሕሪ ሕርሲ ኣይምለሳን ኢየን" ብምባል ንካናይታ ትሕብራ።
እታ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝኣተወት፡ ትጽዓር ዝነበረት ሰበይቲ ኣዳማ'ዩ ስማ።
ኣዳማ ገንዘብ ዘይነበራ ዝጠፈሸት ኣደ ነበረት። እቲ ዜጥነሳ ሰብኣይ ጠሊሙዋ ከይዱ። እቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ቦታ - ናይ ህንጻ ቦታ - ብጥንሲ ምኽንያት ክብድ ዝበለ ኣቕሓ ከተልዕል ብዘይምኽኣላ - ካብ ስራሕ ኣባረራ። ክራይ ክትከፍል ብዘይ ምኽኣላ ድማ ዋና-ገዛ ካብ ቤታ ከም እትወጽእ ገይሩ ነቲ ማዕጾ ዓሸጎ።
ኣዳማ ስለ ዝተሸገረት ንዉላዳ ክትሸጦ ወሰነት። መሪ ኣውማ፡ እታ ዋና ክሊኒክ፡ ንኣዳማ በቲ ዝሓተተቶ ዋጋ ዘይኰነስ ብርካሽ (ብ 10,000 ሺሊንግ ወይከኣ $90 ) ንቈልዓኣ ክትሸይጥ ገደደታ።
"እቲ ክሊንክ ረሳሕ፡ መሕጸቢ ዘይብሉ፡ ንመዕቈር ደም ዝኸውን ንእሽቶ ሸሓን ጥራይ ዘሎዎ፡ እቲ ዓራት ከኣ ዘይጽሩይ" ክትብል ኣዳማ፡ ንኵነታት እቲ ክሊኒክ ን"ኣፍሪካ-ኣይ" ኣዕለለቶም። "ኣብ ሕማቕ ኵነታት እርከብ ስለ ዝነበርኩ፡ ካልእ ኣማራጺ ኽኣ ስለ ዘይነበረኒ ንዉሉደይ ክሸጦ ተገደድኩ" በለት።
ኣዳማ ከም ዝበለቶ፡ እቲ ኣባላት "ኣፍሪካ-ኣይ" ናብቲ ክሊኒክ ዝበጻሕሉ መዓልቲ፡ መሪ ኣውማ ንሕርሲ ዘቀላጥፍ መድሃኒት፡ ከየጠንቀቐት ሂባታ፣ ኣውማ ነቲ ዉሉዳ ዝሻየጠላ ዓዳጊ ይጽበ ስለ ዝነበረ።
እቲ ሕርሲ ግን ጽቡቕ ኣይከደን። እቲ ቖልዓ ናይ ጥዕና ጸገማት ስለ ዝነበሮ፡ መሪ ኣውማ ነቲ ቈልዓ ንሆስፒታል ሒዛቶ ክትከይድ ኣዘዘታ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ኣዳማ ካብ ሆስፒታል ወጸት። ኣዳማ ንመሪ ኣውማ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ለኣኸትላ ... ኣውማ ኸኣ ብኡ-ንብኡ መለሰትላ።
ኣውማ ኸኣ ን "ኣፍሪካ-ኣይ" ተክስት ብምልኣኽ ... " እቲ ቈልዓ ተወሊዱ'ሎ፣ ዋግኡ ድማ 45,000 ሺሊንግ ኢዩ" ዝብል መልእኽቲ ነበረ ($415)።
ኣብቲ ክሊኒክ ኣዳማን ኣውማን ተራኸባ። "እቲ ቈልዓ ጥዑይ'ዩ ... ሕጂ ክትወስዱዎ ትኽእሉ ኢኹም" ተባህለ። ኣዳማ ንዉላዳ ክትሸጦ ብኵነታታ ተገዲዳ ነበረት፡ ሕጂ ግን ሰጋእ በለት።
"ኣፍሪካ-ኣይ" ድሒሮም ከም ዝተረዳእዎ፡ ኣዳማ "ንወደይ ናብ ዘይፈልጦም ሰባት፡ እሞኸኣ ብከመይ ከም ዝሕዙዎ ከይፈለጥኩ ንምሻጡ ነብሰይ ኣይገበረለይን" በለት።
ኣብታ መዓልቲ'ቲኣ፡ ኣዳማ ንወዳ ናብቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ማዕከን ክንክን-ቈላዑ ሒዛቶ ከደት። እቲ ናይ መሸጣ ወዳ ገንዘንብ ከይተረከበቶ ተረፈት። ሕጂ ካብ ናይሮቢ ወጻኢ በይና ትነብር ኣላ። ንሳ ከም ዝበለቶ፡ ሓድሓደ እዋን ኣንጊሃ ትትንስእ'ሞ ንወዳ ትዝክር። ካልእ ጊዜ ተመሊሳ ክትድቅስ ምስ ዘይትኽእል ምድሪ ከይወግሐ በይና ዘወር ትብል፣ ሰብ እንተ ረኺባ ድማ ተዕልል። በቲ ዝወሰደቶ ዉሳኔ ግን ኣይትጠዓስን።
"ዉሉደይ ንመንግስቲ ብምሃበይ ብዉሽጠይ ቀሲነ" ትብል "ብድሓን ከም ዘሎ ስለ ዝፈልጥ።"
ኣብ ሆስፒታል ዝተኻየደ ዉዕል
እቲ ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ፍረድ ለፓራን፡ ደዊሉ ንኣባላት "ኣፍሪካ-ኣይ" ዝኸውን ቈልዓ ከም ዝረኸበ ይሕብሮም። "እቲ ቈልዓ ኣዲኡ ራሕሪሓቶ ዝኸደ'ዩ፣ እንተ ደሊኹምዎ እቲ ጕዳይ ክውድኣልኩም ምጹ" ይብል። እቲ ቈልዓ ሓደ ካብ'ቶም ሰለስተ ቈልዑ ንማዕከን ክንክን ክልኣኽ ዝነበሮ ምዃኑ'ዩ። ለፓራን ስርሑ ነቶም ቈልዑ ናብ መንግስቲ ከረክብ ነበረ።
ለፓራን እቶም ሕጻናት ካብ ሆስፒታል ምስ ወጹ ኵነታቶም ዝከታተል ከም ዘይነበረ ፈሊጡ'ዩ ንዘርከበ ዝሸይጥ ዝነበረ።
ኣብቲ ሆስፒታል ለፓራን ዘድልዩ ቅጥዕታት እናመልአ፡ ምስ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ጉቡእ ስርሑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣምሲሉ የዕልል ነበረ። ሮዝ፡ እታ ምስ "ኣፍሪካ-ኣይ" ብስቱር ዝተማኸረት ሰብ ድማ ኣብ ግዳም ኣብ መኪና ዀይና ትጽበዮ ነበረት። ለፓራን ንብጾቱ ሮዝ ሰራሕተኛ መዕቈብ ዘኽታማት ኢያ ኢሉ ብምትላል ነተን ነርስ ነቶም ሕጻናት ንሮዝ ንኸረክባ ኣዘዘን። ለፓራን ሻቕሎት ከም ዝነበሮ ኣብ ገጹ ይርአ ነበረ፣ እተን ነቶም ሕጻናት ዜረክባ ነርስ ድማ ንሮዝ ከም ዘይስዕባኣ ኣረጋገጸላ።
እተን ነርስ: ሰለስተ: ካብ ሆስፒታል ንመንግስቲ ዝርከቡ ቈልዑ ሒዘን ወጻ። ነቶም ቈልዑ ኣብ ማዕከን-ቈልዑ መንግስቲ ንክርከቡ ኣምሲሉ ነቲ ነገር ወድኦ። ሽዑ ሮዝ ምስ ብጾታ ካብቲ ሆስፒታል ነቒላ ኣብ ማዕከን-ቈላዑ በጽሐት። ንክልቲኦም ዘይኰነስ ሰለስቲኦም ቈልዑ፡ ከምቲ ግቡእ፡ ንመንግስቲ ኣረከበት ... እቶም ቈልዑ ንዕኦም ዝበቕዑ ኣለይቲ ብመንግስቲ ኣቢሎም ምእንቲ ንክረኽቡሎም።
ንድሕሪ ቀትሩ፡ ለፓራን ንሮዝ ደወለላ፣ እቲ ገንዘብ ሒዛቶ ንኽትመጽእ ድማ ሓበራ። "ነቲ ቈልዓ" ይብላ፡ ሒዛቶ ዝኸደት መሲሉዎ፡ ''እቲ ናይ ክታበቱ ወረቐት-ምስክር ተኸታተልዮ" ይብላ።
"ሓደራ ተጠንቀቒ፡ ተጠንቀቒ"
ቢቢሲ ንፍረድ ለፓራን ከይዶም በቲ ዝሰርሖ ስራሕ ገጠምዎ። ንሱ ግን ቃል ንኸየውጽእ ሓንገደ። እቲ ሆስፒታል'ውን ርእይትኡ ንክክህብ ተሓቲቱ ሓንገደ። ለፓራን ድማ ጌና ኣብ ስርሑ ኣሎ።
ማርያና ሙንየንዶ፡ ነታ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል እተካይድ ሰብ፡ ረኺብና ብዝዕባ እታ ዘይሕጋዊ ክሊኒክ ሓራሳት እተካይድ ሰብ (መሪ ኣውማ) ሓበርናያ። ንሳ ኸኣ ንፖሊስ ሓበረቶም። ይዅን'ምበር፡ እቲ ዘይሕጋዊ ክሊኒክ ጌና ይሰርሕ ኣሎ፣ ንመሪ ኣውማ ደዊልና በቲ ብስቱር ዜካየድናዮ መጽናዕቲ ምስ ሓበርናያ መልሲ ኣይሃበትናን።
ንኣኒታ፡ እታ ካብ ጽርግያ ቈላዑ እትሰርቕ ሰብ፡ በቲ ዜካየድናዮ ስቱር ምርመራ ክንሕብራ ፈተንና፣ እንተዀነ ንሳ ድማ ተሰወረት።
እተን ደቀን ዝተሰረቑወን ኣዴታት ፍትሒ ኣይረኸባን። ብዉሽጠን ንደቀን ከም ዘይረኽብኦም እናፈለጣ ሰለይ እናበላ ይጐዓዛ ኣሎዋ። ረበካ፡ እታ ወዳ ዝተሰርቃ ኣደ፡ "ወደይ ንክርኢ ዘሎኒ ምሃብኩ፡ ሞይቱ እንተዀይኑ'ውን ክፈልጥ ምዴለኹ" ትብል።
ዓሚ ንወዳ ዝመስል ኣብ ርሑቕ ቦታ-ናይሮቢ ርኢና ዝበለሰብ ረኺባ ነይራ። ረበካ ነቲ ጕዳይ ከተራኽበሉ ኣይከኣለትን፣ ከመይ ኢላኸ ናብቲ ቦታ ክትከይድ ... ዓቕሚ የብላን። ንፖሊስ ምስ ሓበረቶም'ውን ዝሰምዓ ስለ ዘይረኸበት ሸለል በልቶ፣ ተስፋ ቈሪጻ ድማ ሱቕ በለት።
ማርያና ሙንየቦ፡ እታ ነቶም ቈልዑ ንምድላይ እትነጥፍ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል እተማሓድር ሰብ፡ "ነቶም ዝጠፍኡ ቈላዑ ንምርካብ ዕድል የለን - ሓደ ካብ ሚልዮን 'ኳ እንተዀነ" ትብል። "እተን ኣዴታቶም ንገዛእ ርእሰን ቀለውዕ'የን" ኢላ ነቲ ኵነታተን ትገልጾ።
"በዓል ረበካ ዝድንግጸለን ሰብ'ኳ የብለንን" ትብል ሙንየንዶ። "እተን ሰብ-ጽርግያ ኣዴታት፡ ከም ሰበን፡ ስምዒት ኣለወን፡ ፍትሒ ክረኽባ ድማ ይግባእ። ሰብ ንዉሉዱ፡ ኣብ ጽርግያ ይንበር ኣብ ሰፈር-ሃብታማት፡ ኵሉ ይናፍቕ'ዩ" ትብል ሙንየንዶ።
ገለ ካብ'ቶም ካብ ጽርግያ ዝተሰርቁ ቈላዑ ኣብ ሰፈር እንዳ ሃብታማት ይግዕዙ ይዀኑ። ሓድሓደ እዋን ረበካ ብዛዕባ እተን ንወዳ ዝዓደጋ ሃብታማት ኣንስቲ ትሓስብ - ዝተሰርቀ ቈልዓ ንከዕብያ ከመይ ኮን ይኸውን ኢላ ንነብሳ ትሓትት።
"እወ፡ እንታይ ኮን ይሓስባ ይኾና? ከመይ ኮን ይስምዐን ይኸውን?" ትብል።