እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብ መዚ ኒጀር 'ሜሪ ስቶፐስ ዝተብሃለ ትካል ግብረሰናይ ዓጽዮም'
ሰብ መዚ ኒጀር፡ ብሜሪ ስቶፐስ ዝተብሃለ ብሪጣንያዊ ግብረሰናይ ዝካየዳ ዝነበራ ኽልተ ማእከላት ከም ዝዓጸው ተሓቢሩ።
እተን ማእከላት ብዘይሕጋዊ መገዲ ምንጻል ጥንሲ የካይዳ ምንባረን ኢዮም ዝገልጹ።
እቲ ውሳነ፡ ድሕሪ ዝተገብረ መርመራ ከም ዝሓለፈ፡ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ምሕባሩ ኤኤፍፒ ይጠቅስ።
ኒጀር ኣብ 2006 ብዘጽደቐቶ ሕጊ መሰረት፡ ምንጻል ጥንሲ ፍቑድ ዝኸውን ንህይወት እታ ኣደ ኣብ ሓደጋ ምስ ዘእቱ ጥራይ ኢዩ።
ዛጊት ካብቲ ትካል ግብረሰናይ ዝተውሃበ መግለጺ የለን።
ኣዴታት ኒጀር ብማእከላይ ገምጋም፡ ልዕሊ ሸውዓተ ቆልዑ ከም ዝወልዳን፡ እዚ ድማ ካብ መላእ ዓለም ዝለዓለ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ዘለናዮ ወርሒ ሕዳር፡ እታ ኣንጻር ምስዳድ ጥንሲ ጽኑዕ ሕጊ ዘለዋ ኬንያ፡ ብትካል ግብረሰናይ ሜሪ ስቶፐስ ንዝካየድ ኣግልግሎት ምንጻል ጥንሲ ክትዓጽዎ ምዃና ኣፍሊጣ ኢያ።