እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦሮሚያ፡ 'ንብረትኻ ስለ ዝሰረቕኹ ይቕረ በለለይ' ዝብል ደብዳበ ዝጽሓፈ ሰራቒ
ኣብ ዞባ ጅማ፡ ሓደ ሰራቒ ናብ ውልቀ ተበዳሊ "ንብረትካ ስለ ዝሰረቕኹ ይቕረ ግበረለይ" ዝብል ደብዳበ ብምጽሓፉ የዘራርብ ኣሎ።
ብመስኮት ዘሊሉ ብምእታው ዝኣኽሎ ወሲዱ፣ ዝበልዖን ዝሰትዮን በሊዑን ሰትዩን ምስ ወድአ፡ "ፈጣሪ ዓዲሉካ'ዩ እሞ ኽኣለኒ፤ ንብረትኻ ስለ ዝሰረቕኹ ድማ ይቕረ ግበረለይ" ኢሉ ዝጽሓፈ ሰራቒ ብሰፊሑ የዘራርብ ኣሎ።
ፖሊስ ክሳብ ሕጂ ናብ እንዳ'ማቱ ኣትዩ ንብረት ብምስራቕ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ እኳ እንተዘየውዓሎ፡ እቲ ጥርጡር ካብ ዝጽሓፎ ደብዳበ ተበጊሱ ግን እቲ ውልቀሰብ ተመሃሪ ከይኾነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ሂቡ ኣሎ።
እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ጅማ ወረዳ፡ ጌራ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዘይውዐዓለ ጥርጡር ናብ መንበሪ ገዛ ኣቶ ጋሪ ተስፋዬ ኣትዩ ትሸዓተ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ሰሪቑ።
ድሕሪኡ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት እቶት እታ ወረዳ ዝሰርሕ ኣቶ ጋሪ ናብ ፖሊስ ሓቢሩ።
"ሰራቒ ናብ ገዛይ ኣትዩ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ወሲዱ ኣሎ። ኣብ ገዛ ዝነበረ መግቢ'ውን ቢሊዑ ከም ዝኸደ ንፖሊስ ሓቢረ ኣለኹ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ግን ብዙሓት ዘገረመ ጉዳይ ይፍጠር።
እቲ ጥርጡር ካብ ዝወሰዶም ትሸዓተ ኣቑሑ ነቶም ሽዱሽተ ከየጉደለ መሊሱዎም።
እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ኣቑሑ ግን "ይጠቕሙኒ'ዮም" ብምባል ኣትሪፉዎም።
ካብዚ ዝገደደ ዘገርም ነገር ግን ናይ ይቕረታ ደብዳበ ኣብ ገዛ ምግዳፉ'ዩ።
ኣቶ ጋሪ፡ ካብቶም ዝተሰረቑ ኣቑሑ እቶም ሽዱሽተ ከም ዝተመለሱ፡ እቲ ዝተጽሓፈሎም ደብዳበ ሒዞም ዳግም ናብቲ መደብር ፖሊስ ምኻዶም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ዓቃቢ ሕጊ እታ ወረዳ ኣቶ ተሬሳ ኢዶሳ እቲ ጥርጡር ናብ መንበሪ ገዛ ውልቀሰባት ኣትዩ ዝወሰዶም ኣቑሑ ኣብቲ ደብዳበ ከም ዝዘርዘሮምን ነቶም ሰለስተ ከም ዘትረፎምን ብትኽክል ገሊጹ ኣሎ ይብል።
መዐቀኒ ረስኒ ሰብነት [ቴርሞሜትር]፣ መዳመጺ ሰብነት [ስቴቴስኮፕ]፣ ሓደ ሞባይል፣ 'ኢርፎን'፣ ክልተ ሞባይል ቻርጀር፣ ጓንቲ፣ ብረዕታት፣ 25 ብርን ማሓፉዳን እዮም።
በዓልቲ ቤት ኣቶ ጋሪ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ስለ ዝኾነት ኣብቲ ገዛ ናይ ሕክምና ናውታት ከም ዝነበሩ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።
"ተመሃሪ ከም ዝኾነን ከም ዝተጸገመን ኣብቲ ደብዳብኡ ገሊጹ ኣሎ። 'ፈጣሪ ክሕልወኒ'ዩ' ኢሉ ካብ ዝወሰዶም ኣቑሑ ጓንቲ፣ ብርዕን 25 ብርን ኣትሪፉ ኩሉ መሊሱዎ'ዩ። ጠምዩ ስለ ዝነበረ 'መግቢ'ውን በሊዐ'የ' ክብል ጽሒፉ ኣሎ" ይብል ኣቶ ተሬሳ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ከመይ ኢሉ ናብቲ ገዛ ከም ዝኣተወን ከም ዝወጽአን'ውን ኣብቲ ደብዳበ ከም ዝተኻተተ ሓቢሩ።
"ዝኾነ ዓይነት ገበን ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ስለ ዝኸልእ፡ እዚ ገዛእ ነብስና ካብ ገበን ክንከላኸል ይምህረና'ዩ" ዝበለ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ሕብረተሰብ ንነብሱ ክሕሉ ኣተሓሳሲቡ።