እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኖ፡ ንኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከም ድላዩ ዝዝውር ዝነበረ ፍሉጥ በዓል ሃፍቲ ሞይቱ
"ሚኖ" ብዝብል ብሰፊሑ ዝፍለጥን ንኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከም ድላዩ ዘሽከርክር ዝነበረን በዓል ጸጋ ሞይቱ።
ጥሙር ዜግነት ሆላንድን ጣልንያንን ዘለዎ ሚኖ፡ ከም በዓል ቅድሚት-ተጻዋቲ ሃላንድ ዶርትመንዱ፣ ተጻዋቲ ማንችስተር ዩናይትዱ ፖል ፖግባ፣ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፣ ሄንሪክ ሚኪታሪያንን ዴ ሊት ዝኣመሰሉ ህቡባት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ወኪል እዩ ነይሩ።
ብተወሳኺ ሚኖ፡ ፕሬዝደንት ወኪል ተጻወትቲ ፍሉጥ ማሕበር 'ፉትቦል ፎረም' እዩ።
ህይወቱ ምስ ሓለፈት፡ 'ሚኖ ንዘልኣለም ክንናፍቖ ኢና' ይብል ካብ ስድራኡ ዝወጽአ መግለጺ ሓዘን።
ሚኖ መን እዩ ነይሩ?
ኣብ ጣልያን ተወሊዱ ኣብ ከተማ ኔዘርላንድስ ሃርለም ከም ዝዓበየ ዝንገረሉ ሚኖ ራዮላ፡ ኩሎም ዝስማምዕሉ ዕሉል ደላሊ እዩ ነይሩ።
ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ኣብ ናይ ኣቡኡ ቤት ብልዒ [ሬስቶራንት] ትሕትን ላዕልን ኢሉ እዩ። ጎናጎኒ ድማ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ ሕጊ ኣጽኒዑ።
ራይላ፡ ቋንቋታት ጣልያንኛ፣ ጀርመንኛ፣ ስፓኒሽ፣ ፈረንሳይኛ፣ ፓርቹጊዝ፣ ደችን እንግሊዝኛን ኣጸቢቑ ይመልኽ።
ንሱ፡ ገና ወዲ 18 ዓመት እናሃለወ እዩ ኣብ ኔዘላንድስ ናይ ሓደ በጻሕቲ [ትሕቲ ዕድመ] ክለብ ሓለፊ ምዃን ዝኸኣለ።
ካብኡ ድማ፡ ናብቲ ቀንዲ ተውህቦኡ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ፡ ፈጻሚ ስራሕ ኮይኑ ዝተቖጽረ፡ ንሓደ ትካል ወኪል ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ።
ናይ መጀመርታ ስርሑ ድማ፡ ተስፋ ዝተብረሎም ትሕቲ ዕድመ ደቂ ደች ተጻወትቲ ንክለብ ጣልያን ዝኾነ ሴሪ ኤ ክድልል ነይሩ።
ኣብ እዋን ቁልዕነቶም፡ ብድለላ ራዮላ ናብ ጣልያን ከምኡ'ውን ናብ እንግሊዝ ኣትዮም ስሞም ካብ ዘጸውዑ፡ ዴኒስ ቤርግካምፕ ሓደ እዩ።
"ይንኣስ ይዕበ ናትካ እዩ ናትካ' ዝብል ራዮላ፡ ካብቲ ተቖጺሩ ይሰርሐሉ ዝነበረ ትካል ለቒቑ፡ ናይ ዓርሱ ናይ ወኪል ኤጀንሲ ከቑም ክኢሉ።
ሕዚ ሕዚ፡ ኣብ ኣውሮጳ ስሞም ዝጽውዑ ብዙሓት ፍሉጣት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ንራዮላ ውክልና ሂቦምዎ ነይሮም።
ኣብ 2016 ራዮላ ሓደ 'ታሪክ ሰሪሑ'።
ኣብቲ እዋን፡ ናይ ዓለም ሪከርድ ዝነበረ ዋጋ፡ ፖል ፖግባ፡ ካብ ዩቬንቱስ ናብ ማንችስተር ዩናይትድ ክዛወር ገይሩ።
ዝተኽፈሎ ድማ 105 ሚሊዮን ዩሮ ነይሩ።
ብልሓተኛ ራዮላ፡ ካብዚ ዝውውር፡ ኣስታት 25 ሚሊዮን ዩሮ ከም ዝሓፈሰ ይዝረብ።
ብድሕሪ እዚ ናብ ኣሜሪካዊት ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ማያሚ ኣምሪሑ 9 ሚሊዮን ዩሮ ኾጭ ኣቢሉ ንቤተ-መንግስት ኣመሪካ ዘንዕቕ መንበሪ ገዛ ሰሪሑ ተባሂሉ።
ሚኖ ዝተሰመዖ ካብ ምዝራብ ንድሓር ኣይብልን እዩ ዝበሃል።
ብ'ኣይትንኩኡኒ' በሃላይነቱ ዝፍለጥ ራዮላ፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዉ ተጻወትቲ ዝነቐፉ ነባራት ተጻወተትቲ ኮኑ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣትሪሩ ብምጽራፍ እዩ ዝፍለጥ።