ጎንጺ ካሜሩን፡ ሃገራዊት ጋንትኦም ክትስዓር ዝደልዩ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ

ኣብ ቀረባ ኣብ ካሜሩን ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ [ኣፍኮን] ሰባት ንኩዕሶ እግሪ ዘለዎም ፍቕሪ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ኣርእዩ'ዩ።

እታ ሃገር ኣብ ቀጠር ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ምድላው ትገብር ኣብ ዘላትሉ እዋን ግን፡ ገለ ካሜሮናውያን ግን ሃገራዊት ጋንትኦም ክትሓልፍ ኣይደልዩን።

ስፖርትን ፖለቲካን ክተሓዋወሱ ከም ዘይሎም ዝእመን እኳ እንተኾነ፡ ናብ ካሜሩን እንተመጽእ ግን ኩዕሶ እግሪ ክልቲኦም ኣዝዮም ዝተሓላለኹ እዮም።

ኣብ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ኣፍኮን ግብጺ ንካሜሩን ክትስዕራ እንከላ፡ ብዙሓት ሓዚኖም።

ኣብታ ሃገር ማእከል ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዞባታት ዝኾነት ባሜዳ ግን ነቲ ስዕረት ጸምቢላቶ።

መብዛሕትኦም ስዕረት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም'ኳ እንተጸንበሉዎ ድምጺ ተቓውምኦም ግን ካብ ዕጽው ገዛ ሓሊፉ ናብ ብዙሓት ምብጽሑ ኣይተረፈን።

ኣብ ከባቢ ባምቢሊ ዝስማዕ ዝነበረ ፋጻ፣ ጭርሖን ምርኢት ሞተር ሳይክልን ናይ መብዛሕትኦም ደቡብ ካሜሩናውያን ዘሎ ስምዒት ዘንጸባርቑ ኮይኖም እዚ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዎም ንዕቀት ዝገልጽ እዩ።

ዶክተር ንጋዋ ኢቦጎ ሓደ ካብቶም ንስዕረት ካሜሩን ኣብ ጸወታ ኣፍኮን ዝጸንበሉ'ዩ።

ንሱ፡ ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ ስለ ዝኾነ ስፖርት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ግደን ኣብ ጥዕና ተሓከምቲ ዘሕድሮ ጽልዋን ብዝግባእ ይርዳእ'ዩ።

"እዛ ሃገር፡ ንኣዝዮም ኣገደስቲ ዛዕባታት ኩዕሶ እግሪ ናይ ምጥቃም ዝንባለ ኣለዋ። ኩዕሶ እግሪ ናብ ሓደ ዘምጽእ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ክኣ ንዕኡ ብዙሕ ገንዘብ እዮም ዘውጽኡ" ይብል።

እቲ ኣብ ባሜንዳ ዝተራእየ ቁጥዐ፡ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዓመት ብ1998'ውን ቅድሚ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ምስ ኦስትሪያ ምጽዋታ መብራህቲ ብምጥፍኡ ገለ ነበርቲ ንኣብያተ ጽሕፈት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸዓት ብሓዊ ኣቃጺሎም ነይሮም።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ምንቅስቓስ ተገንጸልቲ ካሜሩን ኣቐዲምካ ጥሮታ ምውጻእ ይደልዩ ብዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ይድገፉ ነይሮም።

ዶክተር ኢቦጎ፡ ቅልውላው ደቡብ ካሜሩናውያን ክሳብ ዝልዓል ኣብ ዘሎ ግዜ [2016] ንሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ደጊፉ'ዩ።

ሕጂ ካሜሩን ኣብ ስፖርት እትረኽቦም ዓወታት ምድጋፍ መንግስቲ ትኹረት ዜጋታት ንምቕያር ዝጥቀመሉ ስትራቴጂ ኮይኑ'ዩ ኢሉ ይኣምን።

"ዋላ'ውን እናተብኣስና ጋንታ ካሜሩን እንተስዒራ፡ እቲ ዘጋጭየና ነገር ኢና ንርስዖ። እዚ ብዝተጸንዐ መገዲ ንዓመታት ተጠቒሞምሉ'ዮም። ነፍሲ ወከፍ እታ ጋንታ እተምጽኦ ዓወት ግን ስቓይ እቲ ህዝቢ'ዩ ዘናውሖ" ይብል።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ ምስሊ እቲ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝተኸየጠ ወዲ 89 ዓመት ፕሬዝደንት ፖል ቢያ ኣብ ምጉላሕ'ውን ናይ ባዕላ ተራ ትጻወት እያ።

ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝተዓወተት ቑጽሪ፡ ፕሬዝደንት ቢያ መንእሰይ እንከሎ ንኣባላት እታ ሃገራዊት ጋንታ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም ሰላምታ እናሃበት እተርኢ ፍልጥቲ ቪድዮ ብቴሌቪዥን ትዝርጋሕ ነይራ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ "መብዛሕትኦም ካሜሩናውያን እታ ሃገራዊት ጋንታ ብምኽንያት እቲ ጠንካራ ሰብኣይ እያ ትዕወት ዘላ ኢሎም'ዮም ዝኣምኑ። እታ ጋንታ ዋንጫ ትወስድ፤ ሰባት ክኣ ነቲ ፕሬዝደንት ዘለዎም ድጋፍ ይሰድሉ" ይብል ዶክተር ኢቦጎ።

ኣብ ባሜንዳ ዘለው ሰባት ንመን እንታይ ዓይነት ርኢይቶ ይህቡ ኣለው ዝብል ኣዝዮም ጥንቁቓት'ዮም።

ስለዚ እታ ሃገራዊት ጋንታ ክትስዓር እንከላ ቐጻሊ ዝኸብዶም ነገር እንተሃለወ ሓጎሶም ካብ ምግላጽ ምቑጣብ'ዩ።

ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ካሜሩን ብኢንግሊዝን ፈረንሳን ተታሒዛ ስለ ዝነበረት ባህልን ቋንቋን እታ ሃገር ተኸፊሉ'ዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝኾኑ ፖለቲካን ቁጠባን እታ ሃገር ኣብ ኢድ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ኮይኑ ብምባል ንዓሰርታት ዓመታት መድልዎ ይበጽሐና ኣሎ ክብሉ ጸኒሖም።

እዚ ሕጂ፡ ናብ ቅሉዕ ምድላይ ናጽነት ዞባ ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ዓብዪ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ እዚ ብዘሎ ኲናት ክልቲኡ ወገን፡ ቀዳማይ ግዳይ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ እያ።

'ካብ ካሜሩን ወጻእ ዝኾነ ይኹን'

ብ2016፡ ከም ኣአንጋዲት ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ካሜሩን ኣንጻር ናይጄሪያ ተጻዊታ ዋንጫ ክትዓትር ትጽቢት ተገይሩላ ነይሩ።

ዋላ'ውን እቲ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሰሙናት ተሓለቕቲ ደቡብ ካሜሩን ተኣሲሮም እንተነበሩ፡ ብ19 ሕዳር እቲ ጸዋታ ክጅመር እንከሎ ባራት ባሜንዳ ብደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን መሊአን ነይረን።

3 ታሕሳስ ድማ ናይ መወዳእታ ጸወታ ነይሩ፤ እንተኾነ፡ እቲ ድባብ ብጽልኣትን ግሁድ ተቓውሞን'ዩ ተተኪኡ።

እቲ፡ ንሰርታት ዓመታት ዝነበረ ድጋፍ ደቡብ ካሜሩናውያን ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሜን ዓንዩ።

መብዛሕትኦም ደቡብ ካሜሩናውያን ናብቲ ኣብዚ ዓመት ዝተኻየደ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣይመጽኡን።

ኣብቲ ግዜ፡ መብዛሕትኦም ካብ ካሜሩን ወጻእ ዝኾነ ይኹን ዝብል መትከል ሒዞም ነይሮም።

ዶክተር ኦቦጎ ናብዚ ጉጅለ ተጸንቢሩ ንተነሓናሕቲ ካሜሩን ይድግፍ ነይሩ።

ፖለቲከኛታትን መንግስትን ናብቶም ጥርሖም ዝነበሩ ስታዲየማት ዕዱማት ንምእታው ናጻ ቲኬትን መጓዓዝያን ኣቕሪቦምሎም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ "ሰባት ናብ ባፉሳማ ንምግዓዝ ጠለብ ኣቕሪቦም ነይሮም፤ ግን ዋላ ሓደ ኣይከደሎምን" ይብል።

ግን ክኣ ኩሉ በዚ ኣይሰማማዕን።

ክኢላ ሓይሊ ሰብ ስሚዝ ቡዋ፡ ንኩዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍቕሪ ንፖለቲካዊ ድልየታቱ ከም ዝስዕሮ ይዛረብ።

ካሜሩን ኣንጻር ጋንታታት ቡርኪናፋሶን ኢትዮጵያን ክትጻወት እንከላ ናብ ስታዲየም ብምኻድ ነቶም ግጥማት ተኸታቲሉን ድጋፉን ገሊጹን'ዩ።

"ኩዕሶ እግሪ ምስ ፖለቲካ ዝሓውሶ ነገር የብሉን። ዘለውና ጸገማት ብኻልእ መገዲ ክንፈትሖምአ ኢና፤ ንሰባት ዘሐጉሶም ነገር ግን ናብዚ ክኣቱ የብሉን" ይብል።

ወሲኹ፡ "ብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ኣለውና'ዮም። ሆስፒታላት፣ ዝሓሹ ኣብያተ ትምህርቲ የድልየና'ዩ፤ ደሞዝ ኣይተኸፈለናን ኢሎም ተቓውሞ ዝገብሩ ዘለው መምሃራን ክንከፍል ንደሊ ኢና። ኩዕሶ እግሪ ግን ወትሩ ሰላም እዩ ዘምጽኣልና" ኢሉ።

ኣብ ስፖርት ምድጋፍ ውልቃዊ ምርጫን ኣብ ኣፈጻጽማ እታ ጋንታ ዝምርኮዝን ከም ዝኾነ ዝዛረብ ስሚዝ፡ ክልቲኦም ዞባታት ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዎም ድጋፍ ከም ዝፈላለ የረድእ።

"60 ሚኢታዊት ተዛረብቲ ኢንግሊዘኛ ኣብ እዋን ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ነነታ ሃገራዊት ጋንታ ደጊፎምዋ'ዮም። ሰባት ቁጥዐ ኣለዎም፤ ግን ብውሽጥና ንሃገርና ነፍቅራ ኢና" ኢሉ።

ዶክተር ኢቦጎ፡ እቲ ካብ ከባቢኦም ዝወጽአ ጅግና ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ሳሚኤል ኤቶ ሓላፊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ገይርካ ምሻም ጥራይ ነበርቲ ባሜንዳ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ንምድጋፍ ቀልቦም ንምግዛእ እኹል ከም ዘይኮነ እዩ ዝዛረብ።

ስለዚ፡ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ካሜሩን ንኣልጄሪያ ክትስዕራ ድያ?

"ክጽሊ'የ፤ ኣይደልን'ውን"።