እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወይን ሩኒ 'መስተ ከይቐትለኒ ይፈርሕ ነይረ'
ወይን ሩኒ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ መስተ ጸገማት ክመውት ወይ ሰብ ክቐትል ይኽእል ነይረ'የ ዝብል ስግኣት ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ።
ማኔጀር ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደርቢ ካውንቲን ንጋንታታት ማንችስተር ዩናይትድን ኢንግሊዝን ብርክት ዝበሉ ሸቶታት ዘቑጸረን ወይን ሩኒ ብዛዕባ ህይወቱ ምስ ቢቢሲ ኣውጊዑ።
ንሱ ምስ ኣልኮላዊ መስተን ጸገማት ጥዕና ኣእምሮን ብዝተሓሓዝ ከበድቲ እዋናት ከም ዘሕለፈ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበሮ ዓብዪ ስግኣት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ "ምናልባት ሞት" ኢሉ።
እዚ ወዲ 36 ዓመት ብዛዕባ ኣብ ሕሉፍ ዝተጋገዮም ነገራት ክዛረብ እንከሎ እውን "ኣዋልድ፣ ሰቲኻ መኪና ምዝዋር [ዝገበርኩዎ'ዩ] ክኸውን ይኽእል፤ ወይ ዝኾነ ሰብ ምቕታል፣ ንባዕልኻ'ውን ክትቐትል ትኽእል - እዚ እቲ ዝኸፍአ ደረጃ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ግዜ ድማ ፡ "ንርእሰይን ስድራይን ንምድሓን ሓገዝ ይደሊ ነይረ" ይብል።
እንተኾነ ከም ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ መብዛሕትኦም ጸገማቱ ብሚስጢር ክሕዞም ግድን ከም ዝነበረ'ዩ ዝገልጽ።
"ቅድሚ ዓሰርተ ወይ 15 ዓመት ናብ መቐየሪ ክዳን ክፍሊ ከይደ 'ናይ መስተ ጸገም ኣለኒ፣ ምስ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ይቃለስ ኣለኹ' ክብል ኣይኽእልን። ከምኡ ክገብር ኣይክእልን" ኢሉ።
ባእስን መስተን
ሩኒ፡ ኣብቲ ካብ ግዜ ቑልዕነቱ ጀሚሩ ዝነበረ ህይወቱ ንምዝንታው ዝተሰርሐ ሰነዳዊ ምድላው "ብጣዕሚ ጽቡቕ ቖልዓ" ከም ዝነበረ ክዛረብ ይስማዕ።
ብኣንጻሩ ኣብ ብዙሓት ጎነጻት'ውን ከም ዝተሳተፈ ብግልጽነት ተዛሪቡ።
"ናብ ሳውዝፖርት ከይድና ንብኣስ ነይርና። ቖልዓ 12 ዓመት እየ ነይረ፤ ሽዑ ብብዝሒ ምብኣስ ዓይነይ ተሃሪመ ተሰፍየ ይምለስ" ኢሉ።
ብተወሳኺ ሩኒ፡ ኣብ እዋን ንእስነቱ ናብ ሙዚቃዊ ምርኢት ይኸይድ ከም ዝነበረን ናብ ጸገም ከይኣተወ ከም ዘይምለስን ገሊጹ።
ንሱ ምስ ኤቨርተን ኣካዳሚ እናሃለወ ዘጋጠሞ ነገር ክገልጽ እንከሎ "ኣልኮላዊ መስተ ሒዘ ጽርግያ ይሳገር ነይረ፤ ኣሰልጣንየይ ኮሊን ሃርቨይ ንዓይ ከሕልፍ መኪና ጠጠው ኣቢሉ። ኣብ ቀጻሊ መዓልቲ ካብቲ ስልጠና ጎቲቱ ኣዊጺኡ 'ስማዕ ኣብ ናትካ ዕድመ ካብ ዘለዎ ርእየዮ ዘይፈልጥ ክእለት እዩ ዘለካ፤ ኣይተባኽኖ' ኢሉኒ" ይብል።
ሩኒ ወሲኹ፡ "ንነብሰይ ኣብ ሕማቕ ቦታ'የ ኣቐሚጠያ። ብኣልኮል ተሰኒፍካ እንከለኻ ከኣ ሕማቕ ውሳነታት ኢኻ እትውስንን ብሳዕቤናቱ እትሳቐን። ግን ንኮሊን ዘለኒ ፍቕሪ ኣይመንዝዐንን" ኢሉ።
ኮሊን በዓልቲ ቤቱ'ያ። ኣብቲ ግዜ ኣልኮል ኣብ ህይወቱ ኣሉታዊ ተራ ከም ዝነበሮ ትዛረብ።
"ሰባት 'ስድራቤቶም ንምእካብ ድዮም ስቕ ኢሎም ብሓንሳብ ዝነብሩ ዘለው?' ክብሉ ይሰምዕ ነይረ። ግን ንፋቐር ኢና። ዝኣኽሎ ተማሂሩ'ዩ ኢለ ይሓስብ። ዳግም ናብ ከምኡ ዓይነት ዘስካሕክሕ ኩነታት ከም ዘይኣቱ ድማ ተስፋ ይገብር" ኢላ።
ብሉጽ ኣቑጻሪ ሸቶ ሮኒ
ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮነ ጽቡቕ ሰብነትን ሓያል ክእለትን ዘለዎ ሰብ እዩ ኮይኑ።
ንሱ፡ ኣብ እዋን ስልጠና ብሉጽ ተጻዋቲ ምዃኑ ይርዳእ ከም ዝነበረ ይጠቅስ። ብ19 ጥቅምቲ 2002 ክኣ ንርእሱ ምስ ዓለም ተላለየ።
መበል 17 ዓመተ ልደቱ ከኽብር ሓሙሽተ መዓልቲ ተሪፈንኦ እናሃለዋ፡ ኤቨርተን ንኣርሰናል ትገጥም ነይራ፤ ጋንትኡ ከም ቴሪ ሄንሪ፣ ፓትሪክ ቬራ፣ ዴቪድ ሲማንን ሶል ኮምፔልን ዝበሉ ተጻወትቲ'ውን ነይሮምዋ እዮም።
ኩሎም ብርቱዕ ክእለት ከም ዝነበሮም ዝዛረብ ሩኒ ኣብቲ ጸወታ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክጽሕፍ ድልየት ከም ዝሓደሮ ይዛረብ።
"ወዲ 16 ዓመት እናሃለኹ ዝተጻወትኹዎ ናይ መወዳእታ ጸወታ ነይሩ። 'ሸቶ ከቑጽር ኣለኒ' ኢለ ንነብሰይ ጸቕጢ ይገብረላ ነይረ" ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ ሰዓት ኮምፔል ክሕግዞ ጀሚሩ፤ ሩኒ'ውን እቲ ዕድል ኣብ ኢዱ ምህላው ተረዲኡ።
ነቲ ጋንታ ትመርሕ ዝነበረትን ናይ ዘይምስዓር ክብረ ወሰን ሒዛ ዝጸንሐትን ኣርሰናል ተሳዒራ፤ ተንታኒ ስፖርት ሲሊቭ ታይልድስሌይ "እቲ ሽም ከይትርስዑዎ" እናበለ ሽም ወይን ሩኒ እናጸውዐ ንኹሎም ኣተባቢዑዎም።
ሩኒ፡ ኣብ 2004 ኣብ ፖርቹጋል ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮንሺፕ ኤውሮጳ ቅድሚ ኣብ ጸወታ መስበርቲ እግሪ ምግጣሙን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ኢንግሊዝ ንኣአንጋዲት ሃገር ፖርቹጋል ምግጣማን ወርቃዊ ተጻዋቲ ኢንግሊዝ ነይሩ።
ሽዑ ወዲ 18 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጸወታ ከም በዓል ሄንሪ፣ ዚነዲን ዚዳኔን ሊላን ቱርማን ንዝሓዘት ጋንታ ፈረንሳ ኣርዒዱዋ እዩ።
"ናይታ ጋንታ ተጻወትቲ ማእኸል ክቐርቡኒ'ውን ይፈርሑ ነይሮም" ኢሉ።
ኣብ ሓደ ጸዋታ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ዓለም ኣለው ካብ ዝብሃሉ ተኸላኸልቲ ሓደ ንዝኾነ ቱርማን ናብ መሬት ኣውዲቑዎ። እዚ ቀይሕ ካርዲ ዘውህብ ጥፍኣት እዩ ነይሩ።
"ናብ ዝባኑ ደይበ፣ ምንጋግኡ ሃሪመዮ፤ ድሓር 'ሕጂ መን ምዃነይ ፈሊጥኻ ኣለኻ' ብዝመስል ጠሚተዮ" ክብል ሮኒ ይዛረብ።
እቲ ጸወታ ግን ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውጽኢት ፈረንሳ ተዓዊታትሉ።
ሄንሪ ብዛዕባ ሩ ክዛረብ እንከሎ ግን "ክትርእዮ እንከለኻ ክዕወት ከም ዝደሊ ትፈልጥ" ኢሉ።
ብ2006፡ ኣሰልጣኒ ጆሲዬ ሞሪኖ ንቼልሲ ሒዙ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ድማ ቼልሲ ኣብ ልዕሊ ማንችስተር ዩናይትድ ጸብለልታ ብምርኣይ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ልዕልነታ ክተረጋግጽ ትደሊ ነይራ።
ኣብቲ ዓመት ብ29 ሚያዚያ ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ስታዲያም ስታምፎርድ ብሪጅ ተጋጢመን። ዕውትቲ ጋንታ ፕሪሚየር ሊግ ዝብል መዓርግ ንምውሳድ ክልቲአን ሓንቲ ነጥቢ ጥራይ ይደልያ ነይረን፤ ሰለስተ ንባዶ ድማ ተፈላልየን።
"ሓደሽቲ መጻወቲ ጫማን ነዊሕ መከላኸልን ገይረ ኣትየ፤ ምኽንያቱ ሰብ (ኣንጻር ጋንታ) ክሃርም ኢለ እየ ሓሲበ። እቲ መከላኸሊ ሕጋዊ'ዩ ነይሩ፤ ግን ካብቲ ኣብ ካልእ እዋን ዝገብሮ ዝዓበየ ነይሩ" ክብል ተኣሚኑ።
እንተኾነ ከምቲ ዝሓሰቦ ዘይኮነ ሩኒ ንባዕሉ እዩ ጎዲኡ፤ ሰለስተ ኣዕጽምቲ እግሩ ስለ ዝሰበረ ካብቲ ሜዳ ብቃሬዛ ተጸይሩ ወጺኡ።
ነዚ፡ ንባዕሉን ነቲ ሒዙዎ ዝኣተወ መከላኸሊ ዓንካር ዓንካሪቶን በራቒቶን ክኣ ይነቅፍ።
ኣብቲ ጊዜ ዋንጫ ዓለም 2006 ይቐርብ ስለ ዝነበረ፡ ሩኒ ካብ መጉዳእቱ መሊኡ እንከይሓወየ ናብ ጋንትኡ ተጸምቢሩ እዩ።
"ኣብቲ ጸወታ ኣካላዊ ብቕዓተይ ልክዕ ኣይነበረን፥ ብዘይምቁራጽ ጸረ ቃንዛ መድሃኒት እየ ዝወስድ ነይረ" ብምባል ኣብ ቃንዛ እናሃለወ ብምጽዋቱ ኣብቲ ውድድር ብቕዓቱ ክንኪ ከም ዝገበሮ ገሊጹ።
ኣብ 2010 ሩኒ ካብ ማንችስተር ዩናይትድ ክሰጋገር ከም ዝደሊ ምስ ገለጸ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት ኣሰንቢዱ።
"ንካርሎስ ቴቨስን ሮናልዶን ሸይጥናዮም። ኣብታ ጋንታ ዓብዪ ሽም ዘለኒ ኣነ ጥራይ ተሪፈ" ይብል።
"ድሓር ናብ ቤት ጽሕፈት ኣሌክስ ፎርግሰን ከይደ 'መደብካ እንታይ'ዩ?' ኢለዮ። 'ውጽኣለይ' እዩ ኢሉኒ" ኢሉ።
ተኸላኸልቲ ማንችስተር ዩናይትድ ዝነበሩ ጋሪ ኔቪልን ሪዮ ፈርዲናንድን ሩኒ ንነገራት ዝኣለየሉ መገዲ ከም ዘበሳጨዎም እኳ እንተገለጹ ንሱ ግን ንፎርግሰን ክሰጋገር ምሕታቱ ልክዕ እየ ነይረ ኢሉ ይኣምን።