ኣፍኮን 2021፡ ሰኔጋል ተዓዋቲት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና

ትማሊ ግብጽን ሰኔጋል ኣብ ዘካየደኦ ናይ ፍጻመ ጸወታ 90 ደቃይቕ ብዘይሸቶ እዩ ተወሲደኡ።

ኣብ ተወሳኺ 30 ደቓይቕ'ውን ክልቲአን ጋንታታት ሸቶ ብዘይምምዝጋበን ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሐን።

ኣብዚ ሰኔጋል 4 ን 2 ብምስዓር ንመጀመርታ ግዜ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዓዊታ።

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋልን ሊቨርፑልን ሳዲዮ ማኔ ጸወታ 7 ደቂቕ ጥራይ ምስ ተላዕሎ ንዝረኸባ ፍጽም ቅላዕ ሓላዊ ልዳት ግብጺ ጋባሳኪ ከድሕና ብምኽኣሉ ሰኔጋል ወርቃዊ ዕድል ኣባኺና ኢያ።

ግብጽን ሰኔጋልን ኣብ ዘካየደኦ 120 ደቓይቅ ዝወሰደ ጸወታ ሰኔጋል 8 ግብጺ 3 ግዜ'ኳ ኣብ ውሽጢ ልዳት ፈተነ እንተኣካየዳ ሓላዊ ልዳት ሰኔጋል ኢድዋርድ መንዲን ሓላዊ ልዳት ግብጺ ጋባሳኪን ብውሕሉል ክእለቶም ከሕልፍወን ኣይክኣሉን።

ግጥም ሰኔጋልን ግብጽን፡ ግጥም ኣጥቃዕቲ ሊቨርፑል ዝኾኑ ሰኔጋላዊ ሳዲዮ ማኔን ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ'ዩ እናተባህለ ክግለጽ ቀኒዩ።

እታ ኣብ ታሪኻ ክልተ ግዜ (ኣብ 2002 ከምኡ'ውን 2019) ኣብ ፍጻመ ዝተሰዓረት ሰኔጋል እዛ ናይ ሎም ዘመን ጸወታ ቀዳዊታ ኮይና ቀዳመይቲ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ከብሓ ክትደቕል ክኢላ ኣላ።

እታ ቅድሚ ሕጂ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሸውዓተ ግዜ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ክብረ ወሰን ከተማሓይሽ ትኽእለሉ ዝነበረት ዕድል ክብርዕና እንከሎ፡ መሓመድ ሳላሕ ኸኣ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ዓወት ካብ ምምዝጋብ ተኾሊፉ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኦልዮን ሲሰ ድሕሪ ዓወት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል "እዚ እንተጸዒርካን እንተተጸሚምካን ዝደለኻዮ ከም ትረክብ ዘርኣናሉ ጸወታ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ኣዝየ ተሓጒሰ ኣለኹ፤ ህዝቢ ሰኔጋል ነዛ ዓወት እዚኣ ን60 ዓመታት'ዩ ተጸብይዋ" ኢሉ።

ኦልዮን ሲሰ፡ ሰኔጋል ኣብ 2002 ኣብ ፍጻመ ኣብ ዝተሰዓረትሉ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ሽዕኡ ዝኸሰሮ ዕድሉን ዕድል ሃገሩን ሕጂ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ብዘመዝገቦ ዓወት ክርስርሰሉን ንህዝቡ ክኽሕሰሉን ክኢሉ ኣሎ።

እታ ንከም ኣይቬሪኮስትን ካሜሮንን ገሊፋ ናብ ፍጻመ ዝብጽሐት ግብጺ ኣብ ሰኔጋል ምስ ብጽሐት ኣብራኻ ወለል ኢሉ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ግጥማት 4 ፍጹም ቅላዓት ዘድሓነ ወዲ 33 ዓመት ጋባስኪ ትማሊ'ውን ሓንቲ ቅላዕ ከድሕን ክኢሉ እዩ።

ተጻወትቲ ግብጺ ክልተ ሸቶታት ብምስሓቶም ግን ዋንጫ ካብ ምውሳድ ቦኲራ።

ሃገራውያን ጋንታታት ግብጽን ሰኔጋልን ኣብ ቐጠር ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም 2022፡ መን ሓለፈ ኣብ ቀረባ ግዜ ክልተ እግሪ ጸወታ ስለ ዝህልወን፡ ግብጺ ሕኒኣ ትፈድየሉ ሰኔጋል ኸኣ ዓብላልነታ ተርእየሉ ጸወታ ክህልወን'ዩ።

እዚ ሎሚ ዓመት ካብ ጥሪ 9 ጀሚሩ ክሳብ 6 ለካቲት ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደ መበል 33 ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ኳ ክካየድ እንተነበሮ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ሎሚ ዓመት ተሰጋጊሩ ክካየድ ክኢሉ።

መበል 34 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ኣይቬሪኮስት ካብ ሰነ ክሳብ ሓምለ 2023 ክካየድ ውጥን ተታሒዙሉ ኣሎ።