እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐለ፡ ንመናእሰይ ጸሚዱ ዘሎ ውርርድ ስፖርት
ውርርድ ስፖርት (ቤቲንግ) ኣብ ትግራይ እናተለመደ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ መቐለ፡ ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ቴሌፎኖም ውጽኢት ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ እናገመቱ ፍቓድ ምስዝተውሃቦም ትካላት ይወራረዱ። ገለ ሰባት ከም ጠላዕ ይርእይዎ፤ ገሊኦም ድማ ከም ሎተሪ።