እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ንምዕራባውያን ዘጥቅዑ ሓርበኛታት መርበብቲ 'ዚጋንው'
ቻይናዊት መርባቢት (ብሎገር) ጉያንሙቻን፡ ኣብቲ ኣብ ቻይና ከም ትዊተር ዘገልግል 'ዌይቦ' ዝተባሃለ ማሕበራዊ መራኸቢ ልዕሊ 6.4 ሚልዮን ሰዓብቲ ከህልዋ እንከሎ፡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዘተኮረ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ትልጥፍ።
"ኣውሮጳዊ ሕብረት ብናይ ከልቢ መወጠጢ ምራን ኣመሪካ ተኣሲሩ እዩ ዘሎ" ኣብ ቀረባ ግዜ ዝዘርግሐቶ ልጥፎ ዝብሎ እዩ።
"ኣብ ክፍለሃገር ቴክሳስ ዝርአ ዘሎ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮቪድ መርኣያ 'ኲናት ሓድሕድ' እዩ፤ 'ኣመሪካውያን ብባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ንሓድሕዶም ይቃተሉ ኣለው'" ይብል ካልእ ልጥፎ።
ጉያንሙቻን፡ ሓንቲ ካብቶም "ዚጋንው" ዝበሃሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ዝረኣዩ ዘለው ቻይናውያን ሃገራውያን መርበብቲ እያ።
እቲ ስሞም ካብ'ቶም ሰብ ዘሰክሑ: ፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ዝዝርግሕ ሰራዊት "ውማዎ" ዝብገስ ኮይኑ፤ "ዚጋንው" ግና ብዘይክፍሊት ብናጻ እዮም ዝሰርሑ።
እቲ ዝልጥፍዎ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቶም ሼር ዝግበር፡ ዒደር ጽሑፋትን ቪድዮታትን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሃገራትን መራኸቢ ብዙሓንን ምዕራብ ዝነቅፍ እዩ።
ከም ምዕራባዊ ጽልዋ ዝቑጸሩ: ከም ኣንስትነት (ፌሚኒዝም)፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕብረባህላውነት፡ ደሞክራሲ ዝኣመሰሉ ንማሕበረሰብ ቻይና "ዘበላሽው" ጉዳያት ከኣ ብደቂቅ ክትትል ይግበረሎም።
እቶም ከም ታይዋንን ሆንግ ኮንግን ዝኣመሰሉ "ንተነጻልነት" ዝጉስጉሱ ዝበሃሉ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝኾኑ ጎስጎስቲ፡ ንጡፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ምሁራትን ክኢላታትን ቀንዲ ዕላምኦም እዮም።
እታ ተላባዒ ሕማም ኣብ ውሃን ከም ዝተርኣየ ፈለማ ዝጸሓፈትን ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝረኸበትን ጸሓፊት ፋንግ ፋንግ ሓንቲ ካብቶም ዕላማ ዝኾኑ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መርባቢት "ዚጋንው" ዝኾነት ሻንግዲዝዪንግ "ንሓደ ካብቲ ጸረ ቻይና ዝኾኑ ሓይልታት ከካፍኡና ካብ ዝጥቀሙሉ መሳርሒታት ተጠቂማ ኣዕᎁቓ ብዝባንና ወጊኣትና" ክትብል ንፋንግ ፋንግ ብምኽሳሳ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኔሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕክምና ዛንግ ዎንሆንግ፡ ቻይና ምስ ኮቪድ ምንባር ክትመሃር ይግባእ ምባሉ ምስ ወግዓዊ ፖሊሲ ቻይና ዝጻባዕ ብምንባሩ ዕላማ ኮይኑ እዩ።
ብዙሓት መርበብቲ፡ ነቲ ኣብ ምዝዛም ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ዘዳለዎ ጽሑፍ (ዲዘርቴሽን) ብምፍታሽ ዘይናቱ ሓሳብ ከም ናቱ ኣምሲሉ ኣቕሪቡ ብምባል ብቅስጠት (ፕላጅያሪዝም) ከሲሶምዎ፤ እንተኾነ ግና እቲ ዩኒቨርስቲ ድሒሩ ካብቲ ክሲ ነጻ ጌርዎ።
ከምዚ ዝኣመሰሉ፡ መዓልታዊ ዝዝርግሑ፡ ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ልጥፎታት ዕምቆት ዘይብሎምን ስምዒታውያን ብምዃኖም ብዙሓት ከም ዝቀባበሉዎም ክኢላታት ይገልጹ።
ተንታኒ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና ማንያ ኮኤትሰ "እዚ ስሉጥ መግቢ ሃገራውነት እዩ። ሰባት ካብኡ ንእሽቶ ይኹልሱ፡ ሼር ይብልዎ፡ ካብኡ ረሲዖምዎ ኣለው" ትብል።
ተባራዒ ቅይጥ
ብዙሓት ንምልዕዓል ሓርበኛዊ ስምዒት ቻይና ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ምዕራብን ዘሎ ወጥሪ እዮም ዝርእይዎ፤ እንተኾነ ግና ንሱ ፍርቂ ናይቲ ዛንታ እዩ።
ሃገራውነት ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ዙርያ ዓለም ይዓርግ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ቻይና ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ንቻይናዊ መንነት ምስ ምውዕውዑን ቅልጡፍ ዝርግሐ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብሓደ እዋን እዩ ተኸሲቱ።
እቶም "ዚጋንው" መብዛሕትኦም "ንኣሽቱን ብትምህርቲ ሓርበኝነትን ሃገራዊ ኩርዓትን ቻይና ዝዓበዩ" ምዃኖምን ሚስ ኮኤትሰ ትገልጽ። "ስለዚ ናይ ጸረ-ሃገራት ወጻኢን፡ ኣብ ቻይናዊ ባህልን መንነትን ዘተኮረ ቻይናዊ ስምዒትን ተባራዒ ቅይጥ እዩ" ትብል።
ኣብታ ንንጡፋት: ጎስጎስትን ኩሎም ዜጋታትን ሕሉፍ ምመያ ዝግበረላ ቻይና "ዚጋንዉ" ምርኡያት ክኾኑ ምኽኣሎም ኣቓልቦ ዝስሕብ እዩ። ካብ ዌይቦን ዊቻትን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና "ተኣፋፊ" ዝኾነ ትሕዝቶታት ብቐጻሊ እዩ ዝእለይ።
እቶም ንመስመራት ወግዓዊ መንግስቲ ቻይና ዘወዓውዑ ድምጽታት ሓለፋታት ከም ዝረኽቡ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ሃገራውያን መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ልጥፎታት ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታቶም ደጊሞም ክልጥፍዎን ንጽሓፋቶም ክሓትምዎን ይረኣዩ።
እዞም "ዚጋንው" ምስ መንግስቲ ቀጥታዊ ርክብ እንተለዎም ዝፍለጥ የሎን፤ እንተኾነ ግና ገለ ካብኣቶም ኣብ ዓበይቲ መንግስታዊ መደባት ክዕደሙን ብኣመሓደርቲ ክፍለ ሃገራት ናይ ክብሪ ማእርግ ክወሃቡን ተራእዮም ኣለው።
መምርሒታት ኢንተርነት ቻይና፡ ተጠቀምቲ ንፕሮፓጋንዳ ውድብ ከወዓውዑ ዘተባብዕ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ካብዞም ጸለውቲ: ነዚ ስርዓት ዝምዝምዙ ዘለው ምዃኖም ምስ ዳብልቲንክ ላብ ዝሰርሕ ተንታኒ ሃርፐር ከ ይገልጽ።
"መዝማዚ ክትኸውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ ጸላዊ ሰብ ክኸውን እንተደልየ፡ ብኸምዚ እየ ኣብዚ ተፈጢሩ ዘሎ መርዛም ሃገራዊ ሃዋሁ ህቡብ ክኸውን ዝኽእል" ይብል።
እዞም ጸለውቲ ወላ'ኳ ብቐጥታ ብመንግስቲ እንተዘይተኸፈሉ፡ እቲ ፕሮፋይል ናቶም ኣብ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን ክዋዓዋዕ ከሎ ስሞም ንምዕባይ ይጥቀሙሉ ምህላዎም እቲ ተንታኒ ይገልጽ።
ተኸታተልቶም ምስ ዘዕብዩ ድማ ካብ መወዓውዒታት ብዙሕ መኽሰብ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዎ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጽ፡ ኣብ ዓመት ብኣማኢት ኣሽሓት ዶላር ዝቑጸር ኣታዊ ከምጽእ ከም ዝኽእል መምህር ጋዜጠኝነትን ርክባትን ዶክተር ፋንግ ኬቸንግ ግምቱ ይገልጽ።