ኢትየጵያ ምስ ፌስቡክ ዝመሳሰል ማሕበራዊ መራኸቢ ክትኸፍት ምዃና ኣፍሊጣ

ኢትዮጵያ ንፌስቡክ ብምትካእ ኣብታ ሃገር ዘገልግል መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢ ናብ ኣገልግሎት ክተብቅዕ ምዃና ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕነትን ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ኣፍሊጡ።

ምስ ኣል-ኣይን ዝተባሃለ ማዕኸን ዜና ቃለመሕትት ዘካየደ ዳይሬክተር እቲ ትካል፤ ኢትዮጵያ ናብዚ ውሳነ ዝበጽሐት ከም ፌስቡክ ዝበሉ ኩባንያታት “ኣንጸር ረብሓታት እታ ሃገር ይሰርሑ ብምህላዎም’ዩ” ኢሉ።

ዳይሬክተር ኢንሳ ኣይተ ሹመቴ ግዛው፤ ፌስቡክን ትዊተርን ንፖለቲካዊ ሓይልታት ከም መሳርሒ ኮይኖም የገልግሉ ምህላዎም ነቲ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ ገሊጹ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ዝተባሃሉ ናይ ማሕበራዊ ርክብ ገጻት [‘ኣካውንትስ’] ከምኡ’ውን ትሕዝቶታት ምዕጻዎም ድማ ነቒፉ።

ፌስቡክ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፤ ምስቲ ኤጀንሲ ርክብ ኣለዎም ስኑዓት ዝበሎም ገጻት ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ሽዑ ፌስቡክ እዞም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዝተዓጽዉ ኣካውንታት ኣካየድቱን ተጠቀምቱን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ገሊፁ ነይሩ።

እቶም ኣካውንታት ሓቅነት ዘይብሎም ሓበሬታ ደጋጊሞም ዘውጽኡን ዘጋገዩን ኾይኖም ብተወሳኺ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ጎንጺ ዝርከብ ህወሓትን ካልኦት ተቓዋሚ ውድባትን ዒላማ ገይሮም ዝነቕፉ ጽሑፋት የውጽኡ ኢሉዎም።

በዚ መሰረት፡ እቲ ዓቢ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ 65 ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት፣ 52 ገጻትን፣ 27 ጉጅለታት ከምኡ'ውን 32 ናይ ኢንስታግራም ኣካውንታት 'ሕገ ስለዝጠሓሱ' ከመዝዓጸዎም ኣፍሊጡ።

እዞም ባዕሎም ንባዕሎም ጥቡቕ ምትእስሳራት ዘለዎም ኣካውንታት፤ መበገሲኦም ኢትዮጵያ ኾይኑ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተጠቀምቲ ዒላማ ዝገበሩን ዝበዘሐ ግዜ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝጽሕፉ እዮም ኢሉዎም።

ፌስቡክ፡ እቶም ናይ ሕሶት ኣካውንታትን ተጠቀምቶምን ምስ ኢንሳ ቀጥታዊ ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኖም ብምርመራ ከምዝበጽሖ ምግላጹ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ዳይሬክተር ኢንሳ ሎሚ ቕነ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ሃገሩ ሓደሽቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ተማዕብልን ገሊኡ ኣብ ፈተነ ከምዘሎን ኣፍሊጡ’ሎ።

ብዘይካ’ቲ ንፌስቡክ ዝትክእ መድረኽ ማሕበራዊ መራኸቢ፤ ካልእ ንዋትሳፕ ብምትካእ ዝተፈላለዩ መልእኽትታት ንምልእኣኽ ዘኽእል ከምኡ’ውን ናይ ቪድዮ ኣኼባታት ንምክያድ ዘኽእል ተወሳኺ ኣማራጺ ተማዕብል ምህላዋ እቲ ዳይሬክተር ሓቢሩ።