ቻይናውያን ሰብ ሓዳር 3 ቆልዑት ክወልዱ ተፈቒድሎም

ቻይና ዜጋታታ ሰለስተ ቆልዑት ንኽወልዱ ብምፍቃድ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፖሊሲ ምጣነ ስድራ ኣመሓይሻቶ።

እቲ ቻይና ዘጽደቐቶ ሓድሽ ብዛዕባ ወሊድ ዝድንግግ ሕጊ፡ ምስ ካልኦት ብዙሓት ሕግታት ብኮንግረንስ ህዝቢ ቻይና እዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጸዲቑ። እቲ ሕጊ ዝደንጎየ ክብሉ መራኸብቲ ሓፋሻት ሆንግ ኮንግ ጸብጺበንኦ።

ቻይና ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብምግባር ሰብ ሓዳር ክሳብ ሰለስተ ቆልዑት ንኽወልዱ ከምእተፍቅድ ዘፍለጠት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት’ዩ ነይሩ።

ስለዝኾነ ድማ ቁጽሪ ዝውልዱ ቆልዑት ክብ ንምባልን ቆልዑት ኣብ ምዕባይ ዘሎ ጸውራ ንምፍዃስን ተባሂሉ ኣብ ስሩዕ መወሰኒ ሕጊ ከምዝጸደቐ ዥንዋ ጸብጺቡ።

እቲ ሓድሽ ዝጸደቐ ሕጊ ክፍሊት ማሕበራዊ ውሕስና ምስራዝን ልዕሊ እቲ ዝወጽአ ገደብ ቆልዑት ንዝወልዱ ሰብ ሓዳር መቕጻዕቲ ምልዓልን ዘካተተ ኮይኑ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ዝረኽባሉ መሰላት ምትብባዕ ከምኡ’ውን ህጻናት ዝዘናግዕሉ መሰረተ ልምዓት ምምሕያሽ ዝብሉ ካብቶም ቀንዲ እዮም።

ኣብ ቻይና ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተገበሩ ቆጸራ ህዝብታት፡ ብዝሒ ወሊድ ናይታ ሃገር ኣዝዩ ከምዘንቆልቆለ’ዮም ዘርእዩ።

ቻይና ንዓሰርተ ዓመት ዘተግበረቶ ሰብ ሓዳር ሓደ ቆልዓ ጥራይ ንኽወልዱ ዘገድድ ሕጋ ኣብ 2016 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ቀይራ ፖሊሲ ክልተ ቆልዑት’ኳ እንተጸድቐት ብዝሒ ዝወለዱ ቆልዑት ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ክፈትሖ ኣይከኣለን።

ኣብ ከተማታት ቆልዑት ንምዕባይ ልዑል ወጻኢ ስለዝሓትት ሰብ ሓዳር ብዙሓት ቆልዑት ንኸይወልዱ የገድዶም ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።