ቻይና፡ ካሜሩናዊ ተማሃራይ ብኮርናቫይረስ ተለኺፉ

ሓደ ኣብ ቻይና፡ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ዝከታተል ዝነበረ ካሜሩናዊ፡ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ተገሊጹ። እቲ ወዲ 21 ዓመት፡ በቲ ቀታሊ ቫየረስ ዝተለኽፈ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ ኣሎ።

ዩኒቨርስቲ ያንግትሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ተማሃራይ ናብ ማእከል እቲ ለበዳ ዝኾነት ውሃን ኣብ ዝነበሮ ዑደት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፈን ኣብ ደቡባዊ ጂንዞ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ክግበረሉ ከም ዝጸንሐ ኣፍሊጡ።

ንሱ እቲ ምኽንያት ሞት ልዕሊ 400 ሰባት ኮይኑ ዘሎ ቫይረስ ከይላባዕ ብዝብል ኣብ ከተማ ውሃን ተተግቢሩ ዘሎ ክልከላ-ምንቅስቓስ ተግባራዊ ቅድሚ ምዃኑ ብ 19 ጥሪ እዩ ናብ ጂንዞ ተመሊሱ።

እዚ ዜና ብዛዕባ ውሕስነት ናይ'ቶም 300 ዝኾኑ ኣብ ውሃን ተወሺቦም ዘለው ካሜሩናውያን ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ነቲ ተማሃራይ ስነልቦናዊ ሓገዛት ከም ዝገበረሉን፡ ብዛዕባ ኩነታቱ ንወለዱን ነቲ ኤምባሲን ከም ዘፍለጠ ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ኣካላዊ ሙቐት እቲ ተማሃራይ ናብ ንቡር ወሪዱ ከም ዘሎን ሕክምንኡ ብግቡእ ይከታተል ምህላውን ገሊጹ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዩኒቨርስትታት ቻይና ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ይርከቡ። ብዙሓት ካብኣቶም መንግስታቶም ካብቲ ሃገር ከውጽኦም ብፍላይ እቶም ካብ ውሃን ከይወጹ ተኸልኪሎም ዘለው ዝያዳ ሓገዛት ክግበረሎም ይጠልቡ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሃን ዝርከቡ ካሜሩናውያን ናብ ፕረዚደንት ፖል ቢያ ኣብ ዝጸሃፍዎ ደብዳበ፡ እቲ ኣብ በይጂን ዝርከብ ኤምባሲኦም ይተሓባበሮም ከም ዘየሎን ብሕጽረት መሰረታዊ ነገራት ከም ዝተሸገሩን ገሊጾም ነይሮም።