እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዲ'ታልያ ካልኣይ ወጺኡ
ሎሚ ብቕጽበታዊ ውድድር ኣብ ዝተዛዘመ ቀዳማይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ቢኒያም ግርማይ ንተቐዳዳማይ ቫንደር ፖል ስዒቡ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ኣብ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ንመጀመርታ ግዜ ዝሳተፍ ዘሎ ቢኒያም፡ ነዛ ውድደር ክዕወተላ ካብ ብዙሓት ትጽቢት ተነቢርሉ ነይሩ።
መርሃዊ ቅዱስ እውን ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ ሓደ መድረኽ ካልኣይ ኮይኑ ወጺኡ ነይሩ።
በዚ መሰረት ቢንያም ግርማይ ኣብ መጀመርታ ተሳትፎ ናይ ግራንድ ቱር ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ ኮይኑ ብምእታው ምስ መርሃዊ ቅዱስ ተመዓራርዩ ኣሎ።
ቢንያም ግርማይ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ዓወት ነታ ንትሕቲ 23 ዓመት እትወሃብ ጻዕዳ ማልያ ወኒኑዋ ኣሎ።
ምስ ቤልጅማዊት ጋንታ ኢንትርማርች ዋንት ጎበርት ተሰሊፉ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ውድድር ዓብዪ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎም ዘለው ተቐዳደምቲ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ናይ ዕረፍትን ምድላውን ግዜ ኣሕሊፉ ከም ዝመጽአ፡ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ ሎሚ ኣብ ሃንጋሪ ዝጀመረ ውድድር ቀዳማይ መድረኽ 195 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ኮይኑ ቢኒያም ግርማይ ጽቡቕ ምድላው ገይሩ ከም ዝኣተዎ ገሊጹ'ዩ።
ብርክት ዝበላ መራኸቢ ማዕከናት ዝዛረባሉ ዘለዋ ተቐዳዳሚ ቢኒያም፡ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ዘካየዶ ውድድር ብዙሓት ባንዴራ ኤርትራ ዝሓዙ ደገፍቱ ዓብዪ ኣቀባብላ ገይሮምሉ ነይሮም።
"ኣብ ጥቓይ ከምዚኦም ዝበሉ ደገፍቲ/ ኣፍቀርቲ ክርኢ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን፤ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን ዘለው ደገፍቲ ኣፍቀርቲ ውድድራት ሳይክል እዮም፤ ይፈትውዎን ይድግፉዎን እዮም። ኣብ ፍራንክፈርት ግን ክንደዚ ዝኣክል ሰብ ክመጽእ'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረንን፤ ሕጉስ'የ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ቱር ደ ፍራንስ'ዮም ብብዝሒ ዝከታተሉ፤ ንውድድር ጂሮ ዲ ታልያ'ውን ይከታተሉዎ'ዮም። ኣነ ኸእ ካብ ዝነበረኒ ተሞክሮ ተበጊስካ፡ ኣብ ናይ ጎልጎልን ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ዘለዎ ውድድር'የ ዝያዳ ዝፈቱ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመኮርኩሉ'ውን ዝያዳ ጎልጎል ዘለዎ መድረኽ'የ ዝፈቱ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ኣብዚ 27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ጋንት ወቭልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታዉ፡ ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።
ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣቑጺራ ዘላ ዓመት 2022፡ ኣብ ከም ፍራንክፈርት፡ ሚላኖ ሳንሪሞ፡ ፓሪስ ኒሰ፡ ድሮም ክላሲክ ዝርከቦም ዝተፈላለየ ውድድራት ን25 መዓልታት ብምውድዳር 4295 ኪሎሜትር ሸፊኑ፡ ኣብ ዩሲኣይ 531 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ውድድር ጂሮ ዲ'ታልያ'ውን ንጂክሎሚንዮ ጀርሲ ክወዳደር ምዃኑ ሓቢሩ።
"እወ፤ ብሓፈሻ ኣብ ውድድር ጂሮ ዲ'ታልያ ሓደ መድረኽ ክዕወት'ዩ ቀዳማይ ሸቶይ፤ ብዝተክኣለኒ መጠን ክኣ ኣብ ናይ ነጥቢ ማልያ ክጽዕር'የ፤ ኣብ ናይ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ዝህልወኒ ጻንሒት ድማ ኣብ ክላሲክ፣ ሞኒመንትን ዓበይቲ ውድድራትን ክዕወት ሕልመይ'ዩ።
"ኩሉ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ዓለም ክዕወት ሕልሚ ኣለዎ'ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ሰለስቲኡ ቱራት ፡ ቮልታ ስዓኛ፡ ቱር ዲ ፍራንስን ጂሮ ዲ ኢታልን። እዚ ክኣ ንዓና ዋላ ሓደ ጸሊም ተቐዳዳማይ ተዓዊትሉ ዘይፈልጥ ዓብዪ ውድድር ስለ ዝኾነ ኣብዚ ምስታፍና ዓብዪ ኣጋጣሚ'ዩ" ይብል።
ኣብዚ ውድድር 22 ጋንታታት፡ ነፍሲ ወከፈን 8 ተቐዳደምቲ ሒዘን ክወዳደራ እየን።
በዚ መሰረት፡ 176 ተቐዳደምቲ ኣብ ምጅማር እቲ ውድድር ክርከቡ'ዮም ተባሂሉ ነይሩ።
ኣብዚ ንሰለስተ ሳምንታት ዝቕጽል ጂሮ ዲ'ኢታልያ ሓያላት ተጻወትቲ ክዕወትሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ብኣጋኡ ግምት ተዋሂብዎም ኣሎ።
ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ኣብ 2019 ከምኡ'ውን ኣብ 2017 ነዚ ውድድር ብቕደም ተኸተል ዝተዓወተሉ ሪቻርድ ካራፓዝን ቶም ዱሞሊን ካብቶም ንዓወቶም ክደግምዎ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ተገሚቶም ዘለዉ ተቐዳደምቲ እዮም።
ኣብ 2018 ንቮልታ ስጳኛ ዝተዓወተሉ ሳይመን ያተስ'ውን ክዕወት ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ተገይርሉ ዘሎ እዩ።
ሳይመን ነዚ ውድድር እንተተዓዊትሉ ንኽልተ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ክኸውን እዩ።
ንጋንታታቶም መሪሖም ዝኣትዉ ጅዮ ኣልሜዳ፡ ፑለፐ ቢልባኦን ኣንገል ሎፐዝን'ውን ንህሉው ቁመናኦም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብ ዝርዝር ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።