እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩዕሶ እግሪ፡ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ተጻዋታይ ተባሂሉ ብጸሓፍቲ ተሓርዩ
ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ናይዚ ዓመት ተባሂሉ ብጸሓፍቲ ኩዕሶ እግሪ ተሓርዩ።
ግብጻዊ ሳላሕ፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር 2021/2022 ብድምር 30 ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ። እቲ ኣብ ፕሪሜርሊግ ጥራይ 22 ሸቶታት ዘመዝገበ ሳላሕ: ብማሕበር ጸሓፍቲ ጸብጻባት ኩዕሶ እግሪ'ዩ ነቲ ሽልማት በቒዑ ዘሎ።
እቲ ምስ ጋንታኡ ሊቨርፑል፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ኣርባዕተ ዋንጫታት ንምዕታር ዝወናወን ዘሎ ሳላሕ፡ ኣብ 2018 ነቲ ሽልማት ወሲዱዎ ምንባሩ'ውን ይዝከር።
ወዲ 29 ሳላሕ፡ ድሮ እቲ ኣብ ዓንዲ-እንግሊዝ ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ካራቦ ምስ ጋንትኡ ተዓዊቱ'ሎ።
ኣውስትራልያዊት ሳም ኬር'ውን ብልጽቲ ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ኮይና'ላ።
ኣባል ጋንታ ደቂ-ኣንስትዮ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ዝኾነ ጓል 28 ዓመት ኬር፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ጥራይ ንጋንታኣ ቸልሲ 18 ሸቶታት ኣመዝጊባ'ላ።
"ሞን ሳምን፡ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር እዚ ኣብ ክለባቶምን ሃገራቶምን ብሉጻት'ዮም ነይሮም" ክትብል ኣደመንበር ናይቲ ማሕበር ቻሪ ብራውን ተዛሪባ።
"ብዘይካ'ቲ ኣብ ሜዳ ዘርኣይዎ ስራሕ፡ ኣብ ክለባቶምን ሊጎምን መራሕትን ኣብነት ብሉጽነትን" እዮም ድማ ኢላ።
ሊቨርፑል፡ ኣብቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ኤፍ-ኤ ንምዕታር'ውን ንፍጻመ ሓሊፋ'ላ። ኣብ ዝመጽእ 14 ግንቦት ንመጋጥምታ ቸልሲ እንተሲዒራ ድማ፡ ካልኣይቲ ዋንጫ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ከብሕታታ ክትውንን'ያ።
ኣብ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ'ውን፡ ንፍርቂ ፍጻመ በጺሓስ፡ ድሮ ምስ መጋጥምታ ስጳኛዊት ጋንታ ቪላሪያል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ 2 ብ 0 ብምስዓር፡ ናብ ፍጻመ ንምብጻሕ ዘለዋ ዕድል ኣስፊሓ'ላ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ብደገፍቲ ዓቢ ተቐባልነት ዘለዎ ኣሰልጣኒ ክለብ ሊቨርፑል ጀርመናዊ የርገን ክሎፕ፡ ምስታ ክለብ ዘለዎ ውዕል ብክልተ ዓመት ብምንዋሕ ክሳብ 2026 ከምዝጸንሕ ኣፍሊጡ'ሎ።