እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መሓመድ ሳላሕ፡ ን2ይ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ 2018 ብምዃን ተሸሊሙ
ግብጻዊ ተጻዋታይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ዝኾነ መሓመድ ሳላሕ ናይ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓመተ 2018 ብምዃን ተዓዊቱ።
እቲ ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ዝኾነ ሳላሕ፡ ን2ይ ዓመት ኣከታቲሉ'ዩ ነቲ ሽልማት ክወስድ በቒዑ።
ንሱ፡ ንመዳድርቱ ዝኾኑ፡ ወዲ ክለቡ ሴነጋላዊ ሳድዮ ማነን፡ ተጻዋታይ ክለብ ኣርሰናል ጋቦናዊ ፔር-ኤሪክ ኣባማያንግን ብምስዓር'ዩ ብሉጽ ክኸውን ተሓርዩ።
ነቲ ሽልማት፡ ኣብቲ ብሰሉስ ኣብ ዳካር ርእሰከተማ ሴነጋል ዝተዳለወ ጽንብል'ዩ፡ ካብ ኢድ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊሃ ተቐቢልዎ።
"ካብ ንእስነተይ ጀሚረ'የ ነዚ ሽልማት ክዕወት ዝብህግ ነይረ፡ እነሆ ድማ ንካልኣይ ግዜ ወደዮ" ክብል ሳላሕ ሓጎሱ ገሊጹ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ'ውን፡ ሳላሕ ናይ ቢቢሲ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ዓመተ 2017/18 ኮይኑ ተመሪጹ ነይሩ'ዩ። እዚ'ውን ንካልኣይ ግዜ'ዩ ተዓዊቱ።
ኣብ ዓመተ 2017/18 ንክለቡ ሊቨርፑል 44 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናብ ናይ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ቻምፒዮንስ ሊግ ክትበጽሕ ኣኽእልዋ'ዩ። ድሒሩ'ውን ኣብቲ ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም 2018 ንሃገራዊት ጋንትኡ ክልተ ሳዕ ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ኣብዚ ዘለናዮ ዓመተ ውድድር'ውን ክሳብ ሕጂ 16 ሸቶታት ኣብ 29 ግጥማት ኣመዝጊቡ ይርከብ።
ናይቲ ዓመት "11 ኣባላት ብልጽቲ ጋንታ" ዘቖሙ ተጻወትቲ ብዘይካ፡ ሳላሕ፡ ማነን ኣባማያንግን፡ ተኸላኻላይ ማንቸስተር ዩናይትድ ኤሪክ በይሊ፡ ኣከፋፋላይ ማንቸስተር ሲቲ ሪያድ ማህረዝ፡ ኣከፋፋላይ ሊቨርፑል ናቢ ከይታ፡ ናይ ድሕሪት ኣከፋፋሊ ሰርጅ ኣውሪር ይርከብዎም።
ትማሊ ሰሉስ፡ ካፍ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግብጺ ክካየድ ኣፈሊጡ ነይሩ።
ኣባላት "ናይቲ ዓመት ብልጽቲ ጋንታ ኣፍሪቃ" ኮይኖም ዝተመርጹ ድማ፡ ደኒስ ኦንያንጎ (ማሜሎዲ ሳንዳውንስ/ኡጋንዳ)፡ ሰርገ ኣውሬር (ቶተንሃም/ኣይቮሪ ኮስት)፡ መድሂ በናይታ (ጁቤንቱስ/ሞሮኮ)፡ ኤሪክ በይሊ (ማንቸስተር ዩናይትድ/ ኣይቮሪኮስት)፡ ካሊዱ ኩሊባሊ (ናፓሊ/ሰኔጋል)፡ ናቢ ከይታ (ሊቨርፑል/ጒኒ)፡ ቶማስ ፓርተይ (ኣትለቲኮ ማድሪድ/ጋና)፡ ሪያድ ማህረዝ (ማንቸስተር ሲቲ/ኣልጀርያ)፡ መሓመድ ሳላሕ (ሊቨርፑል/ግብጺ)፡ ፔር-ኤሜሪክ ኣውባማያንግ/ጋቦን)፡ ሳድዮ ማነ (ሊቨርፑል/ሰነጋል) እዮም።
ዝነኣሰ ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ዓመት፡ ኣሽራፍ ሓኪም (ሞሮኮ)
ብሉጽ ኣሰልጣኒ ናይቲ ዓመት፡ ሄርቨ ሬናርድ (ሞሮኮ)
ብልጽቲ ኣሰልጣኒት ደቂ-ኣንስትዮ ናይቲ ዓመት፡ ደዚረ ኤሊስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
ብልጽቲ ሃገራዊት ጋንታ ናይቲ ዓመት፡ ማውሪታንያ
ብልጽቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ፡ ናይጀርያ
ብልጽቲ ሸቶ ናይቲ ዓመት፡ ብክርስቲና 'ተምቢ' ኻትላና፡ ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዩ ዋንጫ ኣፍርቃ፡ ምድብ ቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ናይጀርያ ኣብ ዝገጠመትሉ ዝተመዝገበት