ኩዕሶ እግሪ፡ እንግሊዘዊት ክለብ ሊቨርፑል ናብ ፍጻመ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ በጺሓ

ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ፍርቂ-ፍጻመ ዝሰዓረት እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል፡ ኣብ ክልቲኡ እግሪ ብዘመዝገበቶ ሸቶታት ናብ ፍጻመ በጺሓ።

ሊቨርፑል፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ጥራይ ንሳልሳይ ግዚኣ'ያ ናብ ፍጻመ ትበጽሕ ዘላ።

ኣብቲ ብሰሉስ ምሸት ምስ ስጳኛዊት ክለብ ቪላሪያል ዝነበራ ጸወታ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ፡ ክልተ ሸቶታት ኣትዩዋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይልሙድ ድኽመት ጸወታ ምርኣያ ዘገርም'ዩ ነይሩ።

ኣብ ሜዳኣ (ኣንፊልድ) ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ግጥም፡ ብክልተ ሸቶታት መሪሓ ምምጽኣን ህሉው ቁመንኣን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ እግራ ናብ ፍጻመ ኣምሪሑ'ሎ ተባሂሉ ክንገረላ'ዩ ቀንዩ።

እንተኾነ ተጻወቲ ቪላሪያል ኣብ ሜዳኦም፡ ብሓያል ነውጺ ደገፍቶምን ተሰንዮም፡ ኣብተን ቀዳሞት 45 ደቓይቕ፡ ነቲ ናይ ሊቨርፑል ናይ ሸቶ ብልጫ ብምድምሳስ፡ ናብ መድረኽ ጃላነት ክበጽሑ ኪኢሎም። ቀዳመይቲ ሸቶ ጸወታ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ መበል ሳልሳይ ደቒቕ'ዮም ኣመዝጊቦም።

ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል፡ ጀርመናዊ የርገን ክሎፕ፡ ነቶም ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከምዝጠፍኦም ኣብ ጸቕጢ ዝኣተዉ ተጻወቱ፡ ብምንቕቓሕ ንቡር ጸወታኦም ክቕጽሉ ማዕዳን ትእዛዝን ሂብዎም። ቅድሚ ዕረፍቲ ዘርኣይዎ ጸወታ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ካብ ዘርኣይዎ እቲ ዝኸፍአ'ዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ግን፡ ዋላ'ኳ ቀልጢፎም ሸቶታት እንተዘየመዝገቡ፡ ናብ ምርግጋእን፡ ንቡር ሜላ ጸወታኦምን ተመሊሶም፡ ንሜዳ ክቆጻጸርዎ ጀሚሮም። ኣብ መበል 62 ደቂቕ ከኣ ሊቨርፑል ብመንገዲ ተጸዋታይ ማእከል ብራዚላዊ ፋቢንሆ ታቫረስ ሸቶ ኣመዝጊባ፡ ብድምር (ናይ ክልተ እግሪ) 3 ብ 2 ክትመርሕ ጀሚራ።

ኣብ መበል 67 ደቒቕ'ውን ብመንገዲ እቲ ድሕሪ ዕረፍቲ ተቐዪሩ ዝኣተወን ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮን ኣጥቅዓይ ሊቨርፑል ኮሎምቢያዊ ሉዊስ ዲያዝ ራባዓይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ጸወታ ብድምር 4 ብ 2 ቀጺሉ። ዲያዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ'ዩ ናብ ሊቨርፑል ተሰጋጊሩ።

ሰኔጋላዊ ኣጥቃዓይ ሳድዮ ማነ ኣብ መበል 74 ደቒቕ ንሊቨርፑል ናይታ ምሸት ሳልሰይቲ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ ድማ ኩነታት ናይታ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ምክልኻል ጥራይ ዝተደረተት ቪላሪያል ከምዘብቅዐ ዝሕብር ነበረ።

በዚ ድማ ሊቨርፑል ኣብ ናይ ክልቲኡ እግሪ ግጥማት 5 ብ 2 ብምስዓር ናብ ግጥም ዋንጫ መን ወሰደ ከትሓልፍ በቒዓ'ላ።

እታ ዛጊት 6 ዋንጫታት ቻምፕዮንስሊግ (ሊግ ኣውሮጳ ክብሃል እንከሎ ኣትሒዛ) ዓቲራ ዘላ ሊቨርፑል፡ ኣብ ዓመተ-ውድድር 2018-19 ናብ ፍጻመ ኣብ ዝበጽሓትሉ ብሪያል ማድሪድ ተሳዒራ ወዲኣ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝቐጸለ ዓመተ-ውድድር 2019-20 ናብ ፍጻመ ብምብጻሕ ንእንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም ብምስዓር ነታ ዋንጫ ዓቲራታ።

ሊቨርፑል፡ ምስታ ሎሚ ምሸት ኣብ መንጎ እንግሊዛዊት ማንቸሰተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ኣብ ዝካየድ ካልኣይ ጸወታ ፍርቂ-ፍጻመ ዝሰዓረት ክለብ ንዋንጫ ክትጋጠም'ያ።

እቲ ሕቶ፡ ኣብቲ ንዕለት 28 ግንቦት ዝካየድ ግጥም ዋንጫ መን ወሰደ፡ ሲቲ ድያ ክትህሉ ማድሪድ ዝብል'ዩ?

ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ነታ ዛጊት 13 ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ኣብ ከብሕታታ ኣስፊራ ዘላ ዓርሞሸሽ ክለብ ሪያል ማድሪድ 4 ብ 3 ትመርሓ'ኳ እንተላ፡ ሎሚ ማድሪድ ኣብ ሜድኣ ከትጻወት ስለዝኾነት እንታይ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ፡ ክረአ'ዩ።

ክብረወሰናት ትሰብር ዘላ ሊቨርፑል

ሊቨርፑል ናብ ፍጻመ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ምሕላፋ፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ሓድሽ ክብረወሰን ክትጓናጸፍ ኣኽኢሉዋ'ሎ።

ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ውድድር ናብ ፍጻመ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ፡ ዋንጫ ኤፍ-ኤ ከምኡ'ውን ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ካራቦ ዝበጽሐት እንኮ እንግሊዛዊት ክለብ ኮይና'ላ።

ሊቨርፑል፡ ኣብቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ኤፍ-ኤ ንምዕታር'ውን ንፍጻመ ሓሊፋ'ላ። ኣብ ዝመጽእ 14 ግንቦት ንመጋጥምታ ቸልሲ እንተሲዒራ ድማ፡ ካልኣይቲ ዋንጫ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ከብሕታታ ክትውንን'ያ።

መዓስ እዚ ጥራይ፡ እታ ብሓደ ነጥቢ ትቕድማ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ከም ገለ ዘልሓጥ እንተኢላ፡ እሞ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ናይዚ ዓመት'ውን ክትወስድ እንተኺኢላ፡ ሓድሽ ክብረወሰን ክትሕዝ ትጽቢት ይግበረላ።

ድሮ፡ ብግዜ ክዕቀን እንከሎ፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ውድድር ኣርባዕተ ዋንጫ ክትዕወት ዝሓሸ ዕድል ብምምዝጋባ'ውን ክረብወሰን ሒዛ'ላ። ካልኦት ጋንታታት ተመሳሳሊ ዕድላት'ኳ እንተነበረን፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ዝሓልፍ ኣይነበረን።

ሲቲዶ ማድሪድ?

እታ ንፈለማ እዋን ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ንምዕታር ትወናወን ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ኣብ ሜድኣ 4 ብ 3 ብምስዓር፡ ሎሚ ዓመት ኣከታቲላ ናብ ፍጻመ ንምሕላፍ ብተዛማዲ ዝልዓለ ኢድ ሒዛ እያ ናብ ሜዳ ትኣቱ ዘላ።

ዓሚ ኣብ ፍጻመ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ብቸልሲ 1 ብ 0 ዝተሰዓረት ሲቲ ነታ 13 ግዜ ንቻምፕዮንስ ሊግ ዝተዓወተትሉ ርያል ማድሪድ እትገብሮ ግጥም ካብ ሜድኣ ወጻኢ ብምዃኑ ቀሊል ክኸውን ከምዘይክእል እዩ ብኣግኡ ተገሚቱ ዘሎ።

ብሰንኪ መጉዳእቲ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዘይተሰለፈ እንገሊዛዊ ተኸላኻላይ ከይል ዎከር ሓውዩ ሎሚ ክስለፍ ምዃኑ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ፔፕ ጋርድዮላ ምሕባሩ ንቡዙሓት ደገፍቲ ቅሳነት ፈጢሩ ኣሎ።

ብወገን ርያል ማድሪድ ተኸላኻላይ ዴቪድ ኣላባ ካብ መጉዳእቱ'ኳ እንተዘይሓወየ፡ ኣከፋፋሊ እታ ጋንታ ካሰሜሮ ምሉእ ንምሉእ ሓውዩ ሎሚ ክስለፍ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ፕሪመር ሊግ ብሓንቲ ነጥቢ ካብ ሊቨርፑል ተፈንቲታ ንሰሌዳ ብ83 ትምርሖ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ፡ ነቲ ኣርባዕተ ጸወታታት ቲፍዎ ዘሎ ፕሪመርሊግ ሎሚ ዓመት እንተተዓዊታትሉ ኣብ 11 ዓመት ሻዱሻይ ግዜ፡ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ጓርድዮላ ኸኣ ራብዓይ ዓወት ፕሪሜርሊግ ኮይኑ ክምዝገበላ'ዩ።

እቲ ንባርሲሎና እናኣሰልጠነ ክልተ ግዜ ንቻምፕዮንስ ሊግ ዝተዓወተሉ ጓርድዮላ፡ ነቲ ዓሚ ብቸልሲ ዝተመንጠሎ ዓወት ሎሚ ዓመት ክድበሶ እንተኾይኑ፡ ሎሚ ምሸት ንርያል ማድሪድ ስዒሩ ኣብ ፕሪሜርሊግ ጠቢቓ ትስዕቦ ዘላ ሊቨርፑል ገጢሙ ክስዕር ኣለዎ።

ብቀዳም ንእስጳኞላ 4 ብ 0 ስዒራ ንመበል 35 ዘውዲ ዓወት ላሊጋ ዓቲራ ዘላ ማድሪድ፡ ናብዚ ሎሚ ኣብ ሜድኣ እትገብሮ ጸወታ ዋላድኣ ብሸቶ ትመራሕ'ምበር ምስ ፍናና እያ ክትኣቱ።

ነቲ እንኮ ንሊግ ዓዲ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ዓዲ ጣልያንን ስጳኛን ዝተዓወተሉ ኣሰልጣኒ ርያል ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ ኣብ ሜድኡ ንማንቸስተር ሲቱ ዘለዎ ናይ ጎል ዕዳ ኣሕውዩ ርእሳ እንተኣድኒንዋ ኣብ ልዕሊ ሽሮ ጠስሚ ክኾነሉ'ዩ።