ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ፡ ክልተ ክለባት ስፔን ድሮ ናብ ፍርቂ-ፍጻመ ሓሊፈን ኣለዋ

ካልኣይ ክፋል ናይ ካልኣይ እግሪ ግጥማት ርብዒ-ፍጸመ ቻምፕዮንስሊግ ሎሚ ክዛዘም'ዩ።

ትማሊ ሰሉስ ክለባት ሪያል ማድሪድ፡ ባየርን ሙኒክ፡ ቸልሲን ቪላሪያልን ተጻዊተን ነይረን። ሎሚ ምሸት ድማ ሊቨርፑል፡ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ማንቸስተር ሲቲን በነፊካን ክጋጠማ'የን።

ብዓለም ደረጃ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ዝወሃቦ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ክለባት ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን።

ዓወት ዓበይቲ ክለባት ኣውሮጳ ዝምዘነሉን ዝግምገመሉን ውድድር ስለዝኾነ ድማ'ዩ ብደገፍትን ተጻወትን ዓቢ ኣቓልቦ ዝወሃቦ።

ናብቲ ውድድር ንምስታፍ ጋንታታት፡ ተጻወቲን ኣሰልጠንትን ንኣስታት ክልተ ዓመት (ፈለማ ኣብ ናይ ሃገሮም ሊግ ካብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኮይኖም ክወጹን ምስ ተዓወቱ ድማ ኣብቲ ውድድር ብምስታፍን) ሓያል ጻዕርን፡ ገንዘብን ረሃጽን የፍስሱ።

ብፍላይ ናብ ናይ ፍጻመ ጸወታታት ምብጻሕ ርእሱ ዝኸኣለ ዓወት'ኳ እንተኾነ፡ ንዝቕጽል ደረጃ ዘወናውን'ዩ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘመነ-ውድድር (2021/2022) ናብ ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሓ 8 ጋንታታት ሰለስተ ካብ ስጳኛ (ሪያል ማድሪድ፡ ኣትለቲኮ ማድሪድ፡ ቪላሪያል)፡ ሰለስተ ክለባት እንግሊዝ (ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋንጫ ዝዓተረት ቸልሲ፡ ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲን)፡ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን-ሙኒክን ከምኡ'ውን ፖርቱጋላዊት ጋንታ በነፊካን እየን።

ነፍሲወከፍ ግጥማት ርብዒ-ፍጻመ፡ ኣብ ክልተ እግሪ ብዝግበር ጸወታታት'ዩ ዝውሰን (ክልተ ጋንታታት ክልተ ግዜ ይጻወታ)።

ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግጥማት፡ ቪላሪያል ነታ ዓንተር ናይቲ ውድድር ምዃና እትፍለጥን ኣብ ዓመት 2019/2020 ዋንጫ ዝተዓወተትን ጀርመናዊት ክለብ ባየርን ብምስዓር ናብ ፍርቂ-ፍጻመ ምሕላፋ ሓደ ካብቲ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ፍጻሜታት ናይቲ ውድድር ኮይኑ'ሎ።

ኣብቲ ኣብ ሜዳኣ (ስጳኛ) ዝተኻየደ ግጥም 1-0 ዝሰዓረት ቪላሪያል፡ ኣብ ሜዳ ባየርን ሙኒክ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መልሲ (ካልኣይ እግሪ) ጸወታ ድማ 1-1 ብምምዝዛም፡ ብድምር 2-1 ስዒራ'ያ ሓሊፋ ዘላ።

ትማሊ ዝተኻየደ ካልእ ኣገዳሲን ሓያል ህልኽን ህርመት ልብን ዝተራእየሉ ግጥም ግን እቲ ኣብ መንጎ'ታ ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ-ውድድር ዋንጫ ዝወሰደት ቸልስን እታ ብዋንጫታት ናይቲ ውድድር ብምዕታር መዘና ዘይተረኽባ ሪያል ማድሪድን ዝነበረ ጸወታ'ዩ።

ቸልሲ፡ ኣብቲ ኣብ ሜዳኣ (ስታምፈርድ ብሪጅ) ዝተኻየ ቀደማይ እግሪ ግጥም፡ 3-1 ተሳዒራ ብምንባራ፡ ኣብቲ ኣብ ስታድዮም በርናብዮ ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ንዝኣተዋ ሸቶታት ኣማሊሳ፡ ነታ ነዊሕ ተመኩሮ ናይቲ ውድድር ዘለዋ ሪያል ማድሪድ ረጊጻ ክትሓልፍ'ኣ ኢሉ ዝገመተ ውሑድ'ዩ ነይሩ።

ነውጺ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ ሪያል ዘይዓጀቦም ተጻወቲ ቸልሲ ግን ተስፋ ኣይቆረጹን። ኣብ ውሽጢ 15 ደቂቕ ድማ ብመንገዲ ተጻዋታይ ማእከል ማሶን ማውንት ቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊቦም።

በዚ ተስፋ ዝሰነቑ ተጻወቲ እታ ክለብ ድሕሪ ዕረፍቲ መጥቃዕትታቶም ብምሕያል ኣብ መበል 51 ደቂቕ ድ ማተኸላኻላይ ኣንቶንዮ ሩዲገር ብዘመዝገባ ካልኣይቲ ሸቶ፡ ቸልሲ ብድምር ምስ ሪያል ማዕረ ኮይና፡ መን ሰዓረ ዝውስን ጸወታ ረሲኑ ቀጺሉ።

ኣብ መበል 75 ደቂቕ ድማ ኣጥቃዓይ ቲሞ ወርነር፡ ቸልሲ ናብ ፍጻመ ከተማዕዱ ዝገበረትን ንሪያል ማድሪድ ኣብ ሓደጋ ዘውደቐትን ናይታ ምሸት ሳልሰይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ኣብታ ህሞት ቸልሲ ብድምር 4-3 ትመርሕ ነይራ ማለት'ዩ።

ተጻወቲ ናይታ ዛጊት 13 ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ኣብ ከብሕታታ ኣስፊራ ዘላ ዓርሞሸሽ ክለብ ሪያል ማድሪድ ግን ተስፋ ኣይቆረጹን- ከምቲ ድሕሪ'ቲ ግጥም ገለ ካብ ተጻወታ ዝገለጽዎ ድማ ዝነበሮም ተሞክሮ ኣብ መወዳእታ ከይጠቐሞም ኣይተረፈን።

ተቐዪሩ ዝኣተወ ተጻዋታይ ሪያል ሮድሪጎ ሲልቫ ዲ ጎዝ፡ ኣብ መበል 80 ደቒቕ ብዘመዝገባ ሸቶ ክልቲአን ጋንታት ንዝተመደበለን 90 ደቒቕ ብማዕረ ብምውድአን፡ ጸወታ ናብ ተወሳኺ 30 ደቒቕ ኣምሪሑ።

ገዲም ኣጥቃዓይ ሪያል ፈረንሳዊ ካሪም በንዜማ ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት ደቓይቕ ተወሳኺ ግዜ ብርእሱ ዘመዝገባ ሸቶ ነቲ ኩነታት መሊሳ ቀይራቶ።

ዝቐጸላ ደቓይቕ ከኣ ሓያል ቅልስ ዝተራእየለን'የን ነይረን።

እንተኾነ ግን፡ ዋላ'ኳ ሓያሎ ዕድላት ክፈጥሩ እንተኸኣሉ ተጻወቲ ቸልሲ ተወሳኺ ሸቶ ከየመዝገቡ ናይ መወዳእታ ፊስካ ተነፊሓ፡ ካብቲ ውድድር ክወጹ ተገዲዶም ኣለዉ።

ሎሚኸ እንታይ ትጽቢት ይግበር?

ሎሚ ምሸት'ውን ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ብጸቢብ ስዒራ ዝሓለፈት እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ንናይ መልሲ ጸወታ ናብ ርእሰከተማ ማድሪድ ኣምሪሓ'ላ።

እታ ድሮ 1 ብ 0 ስዒራ ዘላ፡ ብፍሉጥ ኣሰልጣኒ ፐፕ ጓርድዮላ እትምራሕ ሲቲ፡ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ንምዕታር ሃንቀው ካብ እትብል ዓመታት ሓሊፉ'ሎ።

ነቲ ሕልሚ ንምጭባጥ ድማ ሎሚ ምሸት ተወሳኺ ዕድል ክህልዋ'ዩ።

ብዲየጎ ሲሞን እትእለ ኣትለቲኮ ማድሪግ ግን ብቐሊሉ ክትጋደፋ እትኽእል ከምዘይኮነት ኣብ ቀዳማይ እግሪ ብዘርኣየቶ ጸወታ ኣመስኪራ'ላ።

ኣብ ሜዳኣ ክትጻወት ምዃና'ውን ተወሳኺ ሞራል ዝህባ'ዩ።

ኣብ ዓመተ 2018/19 ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ዝዓተረት ሊቨርፑል'ውን ኣብ ሜዳኣ ምስ ፖርቱጋላዊት ጋንታ በነፊካ ክትጻወት'ያ።

ድሮ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ 3 ብ 1 ስዒራ ስለ ዝተመልሰት ግን፡ ነቲ ግጥም ክትዕወተሉ ትጽቢት ይግበር።

በነፊካ ከምቲ ናይ ቸልሲ ስኖም ነኺሶም እንተ ተጻዊቶም ግን፡ ነገራት ክጋላበጥ ይኽእል'ዩ- ኩዕሶ እግሪ'ዩ።

ጸብጻብ ናይቲ ግጥማት ጽባሕ ከነቕርበልኩም ኢና፡ ሰናይ ዕድል ንደገፍቲ ናይተን ጋንታታት!