እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሳሙኤል ሃብተ፡ ንፍሉጣት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝቐምቀመ ሜዳልያታት ዝተሸለመ ኤርትራዊ
ከም ኩሎም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ ቀልጢፉ ርእሱ ንምኽኣል ፋሕተርተር ኣይገደፈን።
ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ንወጻኢታቱ ብምሽፋን ርእሱ ዝኽእለሉ ዕድላት ሃሰው ክብል ምስ ጀመረ፡ ኣታዊ ክረኽበሉ ዝኽእል ዝነበረ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ዘጥረዮ ፍሉይ ክእለት ኮይኑ ረኺቢዎ።
እቲ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበረ ሳሙኤል ሃብተ፡ ኣብ ሰራዊት ምስ ብጾቱ ንሓድሕዶም ይቀማቐሙ ከምዝነበሩ ብምግላጽ፡ ውሕሉል ቀምቃማይ ክኸውን መሰረት ዘንጸፈሉ ምንባሩ'ዩ ዝዛረብ።
ቅድሚኡ'ውን ወላዲኡ ኣብ ገዛ ይቕምቅሞ ምንባሩ፡ ኣፋፍኖት ከሕድርን ከምዝካኣል ክፈልጥን ሓጊዙዎ'ዩ።
ኣብቲ ፈለማ ዝኣተዎ ሃገረ ሱዳን ድማ ንፈለማ እዋን "ከም ፕሮፈሽናል" መቐስን ማሽንን ብምምላኽ ንመጓዕዝቱን ካልኦትን ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ።
ናብራ ስደት ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ
ናብታ ናይ መወዳእታ መዕለቢቱ ዝኾነት ብሪጣንያ ምስ ኣተወ ኸኣ ናብራ ስደት ሀ . . . ኢሉ ጀሚሩዎ።
ብዙሓት ካብቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣህላኺ ዝኸነ ናይ ጉልበት ስራሓት ብትሑት ደሞዝ ይሰርሑ።
ኣብ ፋብሪካታት፡ መኽዘናት፡ ህንጻን ናይ ኣገልግሎት ትካላትን ገለ እቶም ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድላት ዝረኽብሎም ክፋላት ቁጠባ'ዮም።
ሳሙኤል፡ ፈለማ ናብታ ዝነብረላ ዘሎ ከተማ ማንቸስተር ምስ ኣተወ ዘጋጠሞ ዕጫ'ውን ካብዚ ወጻኢ ኣይነበረን።
"ኣብዚ ምስ መጻእኩ፡ ምስ ራኣኹዎ ኩነታት ናይዚ ዓዲ፡ ተቖጺርካ ምስራሕ፡ ኣብ ፋብሪካታት ምስራሕ ምስ ራኣኹዎ እቲ ውጽኢቱ ቁሩብ መጽናዕቲ ገይረ: 'ኣብዚ ይሕሸኒ' ኢለ ተበጊሰ፡ ምቕምቃም ክቕጽሎ ወሲነ" ብምባል ስለምንታይ ኣብቲ ሞያ ክቕጽል ከምዝተደረኸ ይዛረብ።
ፈለማ ብንእሽቶይ ኣብ ሓደ ካልኦት ቀምቀምቲ ዝሰርሕሉ ዕዳጋ ነቲ ስራሕ ከምዝጀመሮ ዝገልጽ ሳሙኤል፡ ቅድሚ 12 ዓመታት ነዛ ሕጂ ዝሰርሓላ ዘሎ ኣብ ማእከል ከተማ እትርከብ "ዲሰንት ካት" (ምዕሩግ ምቕምቃም) ዝተባህለት እንዳ-ቐምቃማይ ጸጉሪ ከፊቱ።
ንርእሱን ካልኦትን ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፈተ ትካል
እዚ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ዕዳጋ (ኣርንዴል ሞል) ዝርከብ ትካል፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት እንዳ-ቀምቃማይ ክኸውን ዝበቕዐ'ዩ።
እቲ ብሓንቲ መቐስ ዓቢ ሞያ ዘጥረየ ሳሙኤል፡ ሓለቓ ርእሱ ኮይኑ፡ ንካልኦት'ውን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ይርከብ።
ሎሚ ኣብታ ትካል ኣስታት 10 ሞያውያን ቀምቀምቲ ተቖጺሮም ይሰርሑ ኣለዉ።
ሓያሎ ካብኦም ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኩርዲስታናውያን፣ ብራዚላውያን፣ ህንዳውያንን ቻይናውያንን ዝርከብዎም ካልኦት'ውን ኣብታ ትካል ተቖጺሮም ሰሪሖምን ይሰርሑ ኣለዉን።
ብዙሓት ካብቶም ኣብታ ትካል ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ቀምቀምቲ'ውን፡ ናይ ባዕሎም ተመሳሳሊ ትካላት መስሪቶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ሳሙኤል ይሕብር።
"ኣብ ውሽጢ 12 ዓመት፡ ብዙሓት ካብዚ ወጺኦም ናቶም ዝገበሩ ሰራሕተኛታት ኣለዉ . . .ኣብዚ ካባቢ መንቸስተር ጥራይ 14 እንዳ ቐምቃማይ ኣለዋ፡ ገለ ሸውዓተ ዝኾና ኣብ ውሽጢ ማንቸስተር ኣለዋ፡ ገሊኦም ክኣ ውጽእ ኢሎም"።
"ብዙሓት ዓሌት ኣብዚ ገዛ ሰሪሖም'ዮም፡ ምኽንያቱ ንሕና ንናትና ዓሌት ጥራይ ኣይኮናን ነሕጽር" ዝብል ሳሙኤል፡ ሰራሕተኛታቱ ንዝተፈላለየ ዓይነት ጸጉሪ ክቕምቅሙ ዝኽእሉ ምዃኖም፡ ሓደ ካብ ምስጢራት ዓወቱ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።
ኣብ ሰለስተ ውሉድ ዝኾነ ሳሙኤል፡ ምስ ቢቢሲ ቃለመሕትት ኣብ ዝገበረሉ እዋን'ኳ፡ ወሓለ ኣእዳዉ መቐስን ማሽንን ክሕዛ እንተ ተገደዳ፡ ከም ኣካያዲ እታ ትካል ቀንዲ ስርሑ ኣብ ምምሕዳር'ዩ ተጸሚዱ ዘሎ።
ዋላ'ኳ መንግስቲ ኣብ ምኽፋል ደሞዝ ሰራሕተኛታት እንተደገፎም፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ዕጽዋን እገዳታትን ሃስያ ከምዝነበሮ ዝገልጽ ሳሙኤል፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ስራሕ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ ተዛሪቡ።
ዋንጫን ሜዳልያታትን
ሳሙኤል፡ ኣብዚ ናይ ኣስታት 15 ዓመታት ሞያዊ ስርሑ፡ ዳርጋ ካብቶም ኣብ ትካሉ ዝተቐምቀሙ ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዘይንእስ ዋንጫታትን መዳልያታትን ዝዓተረ ቀምቃማይ ክኸውን ዝበቕዐ'ዩ።
ኣብታ ብዓማዊል መሊኣ ዝረኸብናያ ማእከሉ፡ መዳልያታት፣ ዋንጫታት፣ ምስክር ወረቐትን ስእልታትን ተሰቒሉ ይርአ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ምቕምቃም ጸጉሪ ብምስታፍ ንዝረኸቦም ሃገራዊ ኣፍልጦን ሽልማትን ዘረጋግጹ ድማ'ዮም።
ፍሉይ ቅርጽታት ('ፓተርን ዲዛይን') ብምትእትታው ዝፍለጥ ሳሙኤልን፡ ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ኦሊምፒክስ ብዘቕረባ ዲዛይን ቀዳማይ ደረጃ ብምዃን ዋንጫ ዓቲሩ።
"ናይ ብላክ ፑል ኦሊምፒክ ቻለንጅ ብቀዳማይ ደረጃ ዋንጫ ተዓዊተ . . .ኣብኡ ጥራይ ኣይተሓጽረን፡ ካብ 2010 ጀሚረ ናብ ውድድር ምስታፍ ቀጺለዮ፡ ምኽንያቱ ንቢዝነስ ሓጋዚ ስለዝኾ"።
"ኣብዚ ዓዲ፡ እንታይ ኣለካ'ዮም ዝኣምኑ፡ ኣብ ኣድቨርታይዝመንት፡ ጽሑፍ ብዙሕ'ዮም ዝኣምኑ። ማለትሲ፡ ክኢለ ጥራይ ኢልካ ናይ ዝቐምቀምካ ኣይኮነን፡ ክሳብ ክደፍኦ ትኽእል እቲ ክእለትካ ከተሪኦም ኣለካ። ብኣድቨርታይዝመንት'ዩ ሰብ ዝሰርሕ ብሓጺሩ ኣብዚ ዓዲ"።
በዚ መሰረት ብመንገዲ ኦንላይን መርበብ ሓበሬታ ብምኽፋትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንትካሉን ክእለቱን የፋልጥ።
ኣብ 2015 ሳሙኤል ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) "በሉጽ ቀምቃማይ" ብምዃን'ውን ተዓዊቱን ኣፍልጦ ረኺቡን።
በዚን በቲ ውጺኢታዊ ዝኾነ ትካሉን ዝተተባብዐ ሳሙኤል ሃብተ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ንክእለቱ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ንምዕባይ ይሸባሸብ ኣሎ።
እቲ ንባዕሉ'ውን ቅድሚ ሕጂ ኮርስ ከምዝወሰደ ዝዛረብ ሳሙኤል፡ ግዱሳት ገንዘብ ከፊሎም ዝስልጥንሉ ፍሉይ ቤት-ትምህርቲ ምቕምቃም ጸጒሪ (ባርበር ኣካዳሚ) ብምኽፋት፡ ንግዳዊ ንጥፈታቱ ከስፍሕ ይዳሎ ኣሎ።
"ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኮርስ ምሃብ ክንጅመር ኢና። ንሱ ምስተኸፍተ፡ ካብኡ ንኔው፡ ነቲ ትካል ፍራንቻይዝ [ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝኽፈት] ምግባር ክንጅምር ኢና"።
እዚ ማለት፡ ኣብ መጻኢ ተመሳሰልቲ ትካላት ምቕምቃም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ማንቸስተር ከም'ውን ካልኦት ከተማታት ክቦቚላ ይኽእላ'የን፡ መን ይፈልጥ ኪኖኡ'ውን ይብጻሕ ይኸውን።
እቲ ናይ ምስፋሕ መደብ ግን ኣብ ምቕምቃም ዝተሓጽረ ጥራይ ኣይኮነን። ብንኡሱ ኣብ ናይ ስድርኡ ትካል ንግዳዊ መንቆቛሕታ ንግዲ ዝረኸበ ሳሙኤል፡ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ንኣሽቱ ናይ መግቢ ክሽነታት ('ቴክ ኣወይ') ከፊቶም ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ሓደ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ባህላዊ መግቢ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ ከፊቶም ኣለዉ። ነዚ ምስፋሕ'ውን ሓደ ካብ ሕልምታቱ'ዩ።
ኣብቲ ትካል ካብ ዝተቐምቀሙ ህቡባት ውልቀሰባት
ኣብ ከተማ ማንቸስተር ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ትካል 'ዲሰንት ካት'፡ ፍሉጣት ውልቀሰባት ነበርቲ እታ ከተማ ዘዘውትርዎ'ዩ።
ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ሓደ ውሩይ ወልቀሰብ ዝዘገፈ ጸጉሩ ንከሕጽር ናብታ ትካል መጺኡ ከምዝነበረ ሳሙኤል ይዝክር።
ንሱን መሳርሕቱን፡ ንዓማዊሎም ብሓደ ዓይኒ ዝርእዩ ስለዝኾኑ፡ መንነቶም፡ ደረጃኦም ይኹን ስርሖም ዘድህብሉ ነገር ኣይኮነን።
ሓደ መዓልቲ ግን፡ እቲ ውሩይ ውልቀሰብ ናብኦም ምስ መጸ፡ ብዙሓት ሰባት ተኸቲሎሞ ናብ ኣፍደገ እቲ ትካል መጺኦም።
ብሰንኩ ድማ እቲ ውልቀሰብ፡ ዝረኸቦ 'ምዕሩግ ምቕቃም' ካብ ዓይኒ ደገፍቱን ኣድነቕቱን ክሰትሮ ስለዘይክእል፡ ብዝኣተዎ ክወጽእ ኣጸጋሚ ኮይኑ።
"ሓደ ግዜ መን ምዃኑ ኣይዝክሮን'የ ስሙ፡ ኣብዚ ምስ በጽሐ ብዙሓት ሰባት ደድሕሪኡ መጺኦም፡ [ምስ ተቐምቀም] ድማ፡ ብድሕሪት ገይርና ኣህዲምና'ዮ፡ ምኽንያቱ ክንቆጻጸሮ ኣይክኣልናን እቲ ኩነታት" ብምባል ሳሙኤል ነቲ ፍጻመ ይዝክሮ።
እታ ሳሙኤል ኣዝዩ ከምዝፈትዋን ከምዝተሰማምዓቶን ዝገልጻ ከተማ ማንቸስተር ካብ እትፍለጠሉ ዓበይቲ ነገራት ሓደ ኩዕሶ እግሪ'ዩ። ኣብታ ከተማ ክልተ ካብ ዓበይቲ ክለባት ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ኣለዋ- ብሓደ ጫፍ ማንቸስተር ዩናይትድን በቲ ካልእ ድማ ማንቸስተር ሲቲ።
ክልቲአን ጋንታታት ዓበይቲ ኮዋኽብቲ ተጻወቲ ዝርከቡለን ድማ እየን።
ቅርጺ ኣቀማቕማ ጸጒሪ ድማ ሓደ ካብቶም ንመንነትን ገጸ-ባህሪን ናይቶም ተጻወቲ ዝገልጹ'ዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ናብ ዝበለጸ እንዳ-ቀምቃማይ ከምዝኸዱ ርዱእ'ዩ።
ገለ ካብቶም ናብ ሳሙኤልን ሰራሕተኛታቱን ዝመጹ ብሉጻትን ፍሉጣትን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እቲ ዲዛይን ጸጒሪ ርእሱ ዝልለ ጸሊም ኢጣልያዊ ማርዮ ባለቶሊ ይርከቦም። ኣብ መንደቕ 'ኪሰንት ካት' ዝተሰቕለ ሳሙኤልን እቲ ብፍሉይ ጠባዩ ዝፍለጥን ኣብ ሓደ እዋን ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወት ዝነበረ ባለቶሊን ብሓባር ዝተሳእልዎ ኣብ ፍሬም ዝኣተወ ስእሊ ድማ ንመዘከርታ ተሰኒዱ ዘሎ'ዩ።
ምስ ሲቲ ዝጻወቱ ዝነበሩ ክልቲኦም ደቂ ቱረ፡ ማለት ያያ ቱረን ኮሎ ቱረን'ውን ካብቶም ብቐጻሊ ኣብኡ ዝቕምቀሙ ዝነበሩ ውሩያት ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ'ዮም። ከም ብዓል ፖርቱጋላዊ በርናርዶ ሲልቫ ዝበሉ ሓያሎ ካልኦት'ውን ውሕሉላት ኣእዳው ሳሙኤልን መሳርሕቱን ጥዒሞም'ዮም።
"ብዙሕ ከተወዓውዖ የብልካን እምበር፡ መጺኦም ከም ኖርማል ሰብ ተቐምቂሞም'ዮም ዝኸዱ። ገለ ዝፈልጥዎም ሰባት እንተዘይረኺቦም፡ ከም ኖርማል ሰብ ተኸዲኖም፡ ዋላ እቲ ዝኸፍልሉኻ ገንዘብ፡ እቲ ዘድልዮም ሒዞም'ዮም ዝመጹ" ይብል ሳሙኤል።
ኣብዚ እዋን'ዚ ናብታ ናይ ቀደም ክለቡ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተመለሰ ክርስትያኖ ሮናልዶ ውልቃዊ ሓላዊ'ውን ኣብቲ ትካል ጸጉሩ ይቕምቀም ከምዝነበረን፡ ሮናልዶ ናብ ማንቸስተር ምስ ተመልሰ'ውን ሰላም ክብሎን ከምዝመጸን ሳሜኤል ይዛረብ።
ናብቲ ማእከል ከተማ ክመጹ ዘይደልዩ ካልኦት ፍሉጣት ውልቀሰባት'ውን ናብቲ ዘለውዎ ከይዶም ዝቐምቀምዎም ከምዘለዉ ገለ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ጠቒሶም።