እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት ምብራቕ ገብረሂወት ኣብ ብሪጣንያ 'በሃር ነርስ' ተባሂላ ተሸሊማ
ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ብንእስነታ ናብ ብሪጣንያ ዝተሰደት ነርስ ምብራቕ ገብረሂወት "ብሃር ብዓልቲ ሞያ ጥዕና" ተባሂላ ብምምራጻ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሽልማት ተቐቢላ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ብደይሊ ሜል ዝተባህለ ጋዜጣ ዝዳሎ ጽንብል "ሽልማት ብሃራት ሰብሞያ ጥዕና"፡ ንሕሙማት ዘርኣየቶ ክንክን "ጅግንነታዊ" እዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ከም ዝገለጻ እቲ ጋዜጣ ሓቢሩ።
ጓል 45 ዓመት ምብራቕ፡ ምስቶም ብኣንበብቲ እቲ ጋዜጣ ዝተረቚሑ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ርኡይ ሓልዮትን ኣበርክቶን ዘርኣዩ 7 ሰብሞያ ጥዕና ተወዳዲራ'ያ ነቲ ሽልማት ተዓዊታ።
እታ ጓል 14 ዓመት እንከላ ናብታ ሃገር ዝኣተወት ነርስ፡ ንዘጋጠማ ናይ ቋንቋን ማሕበራዊን ብድሆታትን፡ ከምኡ'ውን ናይ ጽምዋ ስሚዒታት ሰጊራ ኣብዚ ከም ዝበጽሐት ትገልጽ።
"ጓል 14 እንከለኹ፡ ዋላ ሓንቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዘይዛረብ እንከለኹ'የ ካብ ኤርትራ ናብ ብሪጣንያ ኣትየ" ክትብል'ውን ዝኽራ ኣካፊላ።
ኣብቲ ንሳ እትሰርሓሉ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከብ ሆስፒታል፡ ነቶም ጸገም ስርዓተ-ኣመጋግባ ዘለዎም ሕሙማት ኣብ ምድጋፍ ፍሉይ ለውሃትን ሓልዮትን ከምእትገብር እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብ እዋን ዕጽዋታት ለበዳ ኮቪድ-19፡ መብዛሕትኦም ክፍልታት ሕክምና ብሰንኪ ሕጽረት ሰብሞያ ክዕጸዉ እንከለዉ፡ ኣብ ናይ ዕረፍቲ መዓልታታ ከይተረፈ እናወፈረት፡ እቲ ናታ ክፍሊ ኣገልግሎቱ ክቕጽል ኣኽኢላ።
ንሳ፡ ነቶም መብዛሕትአን ንኣሽቱ ኣዋልድ ዝኾና ተኣለይቲ፡ ጽምዋን ተነጽሎን ተሰሚዕዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስነኣእምሮኣዊ ቅልውላዉ ከይኣትዉ፡ ብገንዘባ መጽሓፍትን መዘናግዒ ነገራትን ትገዝኣሎም ከም ዝነበረት'ውን ተመስኪሩላ።
ኣብ ስራሕ ውዒላ'ውን፡ ድኻማ ከይጸብጸበት ነቶም ብሰንኪ ዕጽዋ ክወጹ ዘይክእሉ ጎረባብታ ኣስቤዛ ገዚኣትሎም ትኣቱ።
በቲ ዝተዋህባ ሽልማትን ኣፍልጦን ኣዝያ ዝተሓጎሰት ምብራቕ፡ "ካብ ትጽቢተይ ንላዕሊ'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።
ነቲ ዝተዋህባ 5000 ፓውንድ ዝትመን ናይ ምዝዋር ሽልማት፡ ምስ ወዳ ናብ ሃገረ ፔሩ ክትዛወረሉ ተስፋ ከም ዘለዋ'ውን ምብራቕ ኣተንቢሃ'ላ።
ኣብ ዳያስፓራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ብዝገብርዎ ዘለዉ ዕዉት ተሳትፎታት ናእዳን ጽልዋን ይፈጥሩ ምህላዎም ይፍለጥ።
እታ ሃገር ናብ ዕጽዋታትን እገዳታትን ከይትምለስ'ውን ሻቕሎት ኣስዒቡ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ብሪጣንያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ፡ ዝተለኽፉን ናብ ሆስፒታላት ዝኣተዉን ይውስኽ ምህላዉ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ዛጊት፡ 139444 ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 8.6 ተለኺፎም ከምዘለዉ፡ ጸብጻብ ንኩነታት እቲ ለበዳ ዝከታተል ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የረድእ።
ኣስታት 45 ሚልዮን ሰባት ምሉእ (ክልተ) ክታበት ከም ዝወሰዱ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።