ፋቲጋ ዓረፋ "ፍቕሪ ሰብ መኽሰብ እዩ"

ፋቲጋ ዓረፋ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዓብያ። መባእታን ማእከላይ ደረጃን እውን ኣስመራ ተማሂራ። ኣብ ሰብዓታት ብዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃድንን ግፍዕን ስርዓት ደርግ ኣብ ኣስመራ ክትነብር ኣይከኣለትን- ንሱዳን ተሰዲዳ።

ኣብ ሱዳን ምስ ከደት ስድርኣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝነብር ኤርትራዊ ስለዘመርዓዉዋ ሓዳራ ክትገብር ንስዑዲ ከይዳ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ምስ በዓል ቤታ ምንባር ከኣ፡ ዝወለደቶም ደቃ ሒዛ ንሱዳን ተመሊሳ።

ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ዝነበረ ዓቢ ሓዋ ንዓኣ ምስ ደቃን ምንእሳ ሓዋን ቪዛ ስፖንሰር ስለዝገበረሎም ብ1978 ንኣመሪካ ኣትያ።

"ደቀይ ሒዘ ንካሊፎርኒያ ኣሜሪካ ምስ ኣተኹ ህይወት ከቢዱኒ። ከምዚ ናይ ሕጂ ብዙሕ ሓበሻ ኣይነበረን። ነቲ ባህልን ቋንቋን ክሳብ ንለምዶ ተሸጊርና። ግን ንኹሉ ብደሆታት ክገጥሞ ኣለኒ ስለዝበልኩ ሰባት ሓጊዘናኒ ትምህርቲ ተመዝጊበ ቋንቋ ከጽንዕ ጀሚረ" ብምባል ኣስታት 40 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሳ ዝሓለፈቶ ጉዕዞ ትዝክር።

ናብራ ስደት ክሳብ ትላመዶ ከቢድ እዩ። ናይ ቋንቋ ሕጽረት እንተልዩካ ብፍላይ ቀሊል ኣይኮነን። ግን ከኣ ከማ ፋቲጋ ክኽእሎ'የ ዝብል ኒሕ እንተልዩ ዘይከኣል ኣይኮነን። ፋቲጋ መታን ንባዕላ ክትመሃር ኣብቲ ደቃ ዝመሃርሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ፡ ቋንቋ ከተጽንዕ ተመዝጊባ።

ደቃ ናእሽቱ ስለዝነበሩ፡ ናብ ትምህርቲ ከተብጽሖም፡ ክትመልሶምን፡ ኣብታ ዝነበራኣ ከተዕርፈለን ዝግበኣ ውሑዳት ሰዓታት መመላእታ ዝኾና ኣታዊ እንተረኸበት ስራሕ ከተጣይቕ ላዕልን ታሕትን ክትብል ብዙሕ ከምዝደኸመት ትዝክር። "ንሓንሳብ ንግሆ ተንሲአ ምስ ደቀይ ነዊሕ ክጓዓዝ እግደድ ነይረ።

"ኣብ ኣሜሪካ ንበይንኻ (ሲንግል ማዘር) ኾይንካ ሰለስተ ቖልዑ ከተዕቢ ቀሊል ኣይኮነን። ግን ከኣ ንሰብ ሓግዙኒን ተርጉሙለይን ካብ ዝብል፡ ኣብዛ ዓዲ እዚኣ እንተተማሂረ ጥራሕ እዩ ክሓልፈለይ" ብምባል ዕጥቃ ሸጥ ኣቢላ ነቲ በዳሂ ህይወት ገጢማቶ።

ቋንቋ ዓረብ ትኽእል ብምንባራ ንሓንሳብ ንቖልዑት ዓረብ እናምሃረት፡ ካልእ ሳዕ ኣብ ኣብ ኣባይቲ ስድራታት ናይ ጽሬት ስራሕ እናሰርሐት ኣታዊታታ ከተዕቢ ፈቲና።

"ብዙሕ እየ ደኺመ። ንዓይ ከቢድ ብድሆ'ዩ ነይሩ፤ ንገሆ ንሰለስተ ቖልዑ ሓጺብካ፡ ኣቑሪስካ፡ ንትምህርቲ ከተፋኑ፡ ንባዕልኻ ክትመሃር ውዒልካ ካብ ትምህርቲ ወጺእካ ደቅኻ ክትቅበል፡ ተቐቢልካ ኣድሪርካ ዕዮ ገዝኦም ንኽሰርሑ ሓጊዝካ ከተደቓቕስ ኣብ ትምህርትን ስራሕ ውዒላ ንዝመጽአት ኣደ ቀሊል ኣይኮነን።

ግን ከኣ ክኽእሎ እየ እንተይልካ ዘይከኣል ስለዘየሎ፡ ኒሕ ሓዊስካ ተኻኢሉ" ትብል ፋቲጋ፡ ኣብቲ ወላዲኦም ዘይነበረሉ እዋን፡ ንደቃ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ጂምናዝየም፣ ምሕምባስ፣ ኣብ መደባት ምዝንጋዕ ቖልዑ፡ ከይተረፈ ከምዝጸመደቶም ብምሕባር።

ንነብሳ ግዜ ኣይነበራን፤ ኩሉ ግዜኣ ንደቃ እዩ ነይሩ። "እተን ዘለዋኣ ግዜ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ከሕልፈን ኣለኒ" ብማለት በብግዚኡ ዓቕማ እናመሓየሸት ዳሕራይ፡ ኮምፒዩተር ኣጽኒዓ፡ ኣብ ሓደ ናይ ኮምፒዩተር ትካል ከም ሲፒዩ፡ (CPU)፣ ዝተፈላለየ ናይ ኮምፒዩተር ቺፒስን ማዘር ቦርድን ዝኣመሰለ ነገራት ክትሰርሕ በቒዓ።

እንተኾነ እቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ናይ ኮምፒዩተር መቀያየሪ ኣቑሑት ዝሰርሕ ትካል ብዕዳጋታት ቻይና ስለዝተዓብለለ ዕዳጋ ዝሒሉዎ ተዓጽዩ። ብድሕሪኡ እውን ስራሕ ኣየማረጸትን፡ ንዓበይቲ ኣብ ምእላይ፡ ጽሬት ገዛን ኣብያተ ጽሕፈትን ከይተረፈ ሰሪሓ ንደቃ ጽቡቕ ከተናባብር ክትኸድን፣ ዘድልዮም ነገራት ክተማልኣሎም ክኢላ።

ዳሕራይ፡ በዓል ቤታ ካብ ስዑዲ መጺኡ ነታ ስድራ እኳ እንተተጸንበራ - ኣብ ህይወት ስለዘይተሰማምዑ ከምእተፈላለዩን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝሓደሮ ሕማም ብሞት ስለዝተፈልያ መንግሰተ ሰማይ ብምምናይ - ብደሆ ዓለም ከቢድ እዩ። ግን ከኣ ንፈተና ምግጣሙ እዩ ትብል።

እቲ ክገብር ኣለኒ ዝብል ኒሕ ካበይ እዩ ዝምንጩ?

"ምንጪ ኒሐይ ኣቦይ እዩ። ወላዲየይ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብስራሕን መንፈስን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋትና ከምዝስመዓናን ከምዝኾንናን ገይሩ'ዩ አዕቢዩና። ስለዝኾነ ኣብ ገዛና ናይ ምትሓት ነገር ኣይነበረን። ጓልን ወድን ማዕረ ኢና - ንሱ እዩ ሓጊዙኒ" ትብል ፋቲጋ።

ሓደ ጸገም ግን ነይርዋ ንዓረፋ፡ እቲ ምስኣ ሓቢርዋ ዝኣተወ ንእሽተይ ሓዋ፡ ኣብ ኣሜሪካ ጽቡቕ ስራሕ ጀሚሩ ነብሱ ከመሓድር ድሕሪ ምጽናሕ " ኣብ ፍቕርን ሓዳርን" ብዘጋጠሞ ጉዳይ ስለዝተጨነቐ፡ ጭንቀቱ ንብምልኡ እቲ ስድራ ተንኪፉዎ።

"እቲ ንጡፍ ምቕሉል ጻዕራም ሓወይ ተጨኒቑ ነብሱ ከውድቕ ክርእዩ ኣይከኣልኩን" ስለዚ ነቶም ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ዝበለቶም ሰባትን ትካላትን "ሓግዙኒ" ክትብል ንኹሎም በጺሓቶም።

ኣብቲ እዋን እቲ ትብል ፋቲጋ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ናይ ገዛኻ ጉዳይ'ዶ ኣውጺእካ'ዶ ንንፋስ ትህቦ ኢኻ። ስቕ ዘይትብሊ ይብሉዋ እኳ እንተነበሩ፡ ንሳ ግን " ክሳብ መዓስ ቁስለይ ክሓብእ ፡ ቁስልኻ ሓቢእካ ዝርከብ ፈውሲ የለን" እናበለት ትሙጉቶም ከምዝነበረት ትዛረብ።

ሓዋ ብሰንኪ ብስጭት፡ ኣደዳ መስተን ነብሰ ምትሓትን ኮይኑ ስለዝወደቐ፡ ካብ ዝወደቖ ከተልዕሎ፡ ከተመሓይሾ፡ ናብቲ ዝነበሮ ጥዑይ ሃለዋትን ህይወትን ክትምለሶ ብዙሕ ፈቲና - ግን ኣይሰለጣን።

ቀቅድሚ ነብሱ ምቕታሉ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣዛሪቡዋ ዘይፈልጥ ወላዲትና ንሰለስተ ሰዓት ዝኸውን ኣዛሪቡዋ። እንታይ ከምዝበላ ኣይፈልጥን እየ - ግን ንነዊሕ ሰዓታት ኣዛሪቡዋ።

ኣብ መወዳእታ ንሓፍቱ ፋቲጋ ክትረኽቦ ኣብ እትኽእል ቦታ፡ "ይቕረታ ፋቲጋ ሓፍተይ - ኣይትሓዝለይ። ክትኣልይኒ ብዙሕ ፈቲንክን ጽዒርክን ኢኺ፤ ግን እዛ ዓለም እዚኣ ክነብራ ኣይከኣልኩን። ብዝከኣለኒ ፈቲነ ብኹሉ ግን ከቢዳትኒ - ስለዚ ይገድፋ ኣለኹ" ብምባል፡ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ተፈልዩዋ።

ፈቲጋ፡ "እዚ ኣብ ስድራና ዘጋጠመ ጉዳይ፡ በብደረጅኡ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ክህሉ ይኽእል እዩ።

ከምቲ ኣነ ብጭንቀት ሓወይ ምስተዛረብኩ 'ሽግር ቤትካ'ዶ ትዛረበሉ ኢኻ' ኢሎም ብጉዳይ ሓወይ ምዝራበይ ዘይተሓጎሱ፡ ብዙሓት ጭንቀት ነብሶምን አሕዋቶምን ክሰትሩዎን ዝደልዩ ክህሉው ይኽእሉ እዮም ግን ኣቐዲምና እንተዘይተዛሪብና፡ ብኣግኡ ሓገዝን ምኽርን ኪኢላታትን ፈላጣትን እንተዘይረኺብና ሳዕቤኑ ሕማቕ እዩ ክትብል ንሕብረተሰባን ህዝባን ተመኩሮ ቤታ ከተካፍልን ክትመክርን ሓበን ይስምዓ።

ፋቲጋ " ናብራ ስደት ከቢድ እዩ። ኣብ ስደት ኣጆኻ ዝብለካ ኣብ ጸገምካ ሓውን ጸግዕን ዝኾነካ ሰብ ትደሊ። ናይ ግድን ኤርትራዊ ወይ ሓበሻ ኪኸውን የብሉን።

ምስ ጎረባብትኻ ፍቐርን ሕውነትን መስሪትካ ክተደጋገፍ ትኽእል ኢኻ" ብምባል ብፍላይ ኣብቲ ንኣመሪካ ዝኣተወትሉ እዋን ንሓድሕደን ዝተደጋገፋ ካብ ዝተፈላለያ ኩርናዕ ዓለም ዝመጽኣ ስደተኛታት መሓዙታ ጸግዕን ሓይልን ከምዝኾናኣ ትገልጽ።

ሕጂ እውን ፍቕሪ ሰብ መኽሰብ እዩ። 'ኣጆኻ/ኺ እትብል ቃል ጥራሕ እውን ሓይሊ እያ እሞ ንሓድሕና ንተሓጋገዝ ንደጋገፍ ክትብል መልእኽታ ተመሓላልፍ።