እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵዕሶ እግሪ፡ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ንዋንጫ 'ቻምፕዮንስ ሊግ' ሓሊፋ
እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ንፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጁ ብምስዓር ንመጀመርታ ግዜ ናብ ዋንጫ ጎባለል ክለባት ኣውሮጳ [ቻምፕዮንስ ሊግ] ሓሊፋ።
ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ፡ ማንቸስተር ሲቲ 2 ብ 1 ከምዝሰዓረት ዝዝከር ኮይኑ ትማሊ ኣብ ዘካየደኦ ካልኣይ እግሪ ኸኣ ማን ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ክልተ ብዜሮ ስዒራ ብድምር ውጺኢት ንፒኤስጂ 4 ብ 1 ብምስዓር እያ ናብ ዋንጫ ሓሊፋ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ርሱን ጸወታ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ኣልጀርያዊ ሬያድ መሓረዝ'ዩ ንኽልቲኤን ሽቶታት ኣመዝጊብወን።
ጋንታ ፒኤስጂ፡ ጸወታ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣጥቃዓይ እታ ጋንታ ፈረንሳዊ ኪሊያን ምባፔ ብምኽንያት መጉዳእቲ ከምዘይጻወት ምስ ሓበረት፡ እቲ ቅልጡፍ ምቅብባልን እታ ጋንታን ድልዱል መስመር መጥቓዕትን ነቃዕ ከምዝፈጥር ብዙሓት ተንተንቲ ገሚተሞ ዝነበሩ እዩ፡ ከም ውጽኢቱ ጋንታ ማንሲቲ ንጸወታ ምሉእ ንምሉእ ብምቁጽጻር ብጸወታን ብዓወትን ጸብለል ክትብል ክኢላ።
ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም እዘን ጋንታታት ተጻዋታይ ፒኤስጂ እድሪስ ጌይ ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ከምዝተሰጎገ ዝዝከር ኮይኑ ኣብዚ ናይ ትማሊ ጸወታ'ውን ኣርጀንቲናዊ ተጻዋታይ እታ ጋንታ ዲማረያ በደል ብምፍጻሙ ድሕሪ ዕረፍቱ ብቀይይ ካርድ ካብ ሜዳ ተሰጕጉ።
ኣሰልጣኒ ማንሲቲ ፔፕ ጓርዲዮላ ድሕሪ ጸወታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ድኻምና ከንቱ ኣይተረፈን" ኢሉ።
ማንሲቲ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ እያ ናብ ዋንጫ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ትሓልፍ ዘላ።
ሎሚ'ውን እንግሊዛዊት ጋንታ ቸልስን ስጳኛዊት ጋንታ ርያል ማድሪድን ናብ ዋንጫ መን ሓለፈት ግጥም ከካይዳ'የን፡ ካብ ክልቲኤን ዝሓለፈት ጋንታ ኸኣ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ንዋንጫ ክትጻወት'ያ።
ቸልሲን ርያል ማድሪድን፡ ኣብ ሜዳ ናይ ማድሪድ ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ማዕረ ሓደ ብሓደ ምፍልላየን ይዝከር።