ኵዕሶ እግሪ፡ ግብጻዊት ክለብ ወዲ 74 ዓመት ተጸዋታይ ኣፈሪማ

ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ግብጺ ካብ ዓለም 'ዝዓበየ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ እዩ' ዝበሎ ተጻዋታይ ከም ዘፈረመ ኣፍሊጡ።

ነዚ ዒዝ ኢለደን ባድሀር ዝተብሃለ ወዲ 74 ዓመት፡ ሲክዝ ኦክተበር ዝተብሃለት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ (ዲቪዥን) እትርከብ ግብጻዊት ክለብ እያ ኣፈሪማቶ።

እዚ ተጻዋታይ ምስዛ ጋንታ ዝተፈራረሞ ዝርዝራዊ ውዕል ገና ኣይተገለጸን ዘሎ።

እዚ ዝዓበየ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ተባሂሉ ምስ ክለብ ሲክዝ ኦክተበር ክጻወት ክታሙ ዘንበረ ግብጻዊ፡ ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ስሙ ተላዒሉ ዘይፈልጥን ቅድሚ ሕጂ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኮይኑ ዝተጻወተላ ክለብ ከምዘየላ እዩ ተሓቢሩ።

ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ግብጺ እዚ ወዲ 74 ዓመት ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ዒዝ ኢለደን ባህደር፡ ኣብቲ ኣብ ሳልስይ ዲቪዥን ዝገብሮ ጸወታ ወከልቲ 'ጊነስ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ' ብኣካል ተዓዚቦም ዝዓበየ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ዝብል ምስክር ክብሪ መዝገብ ክህብዎ ዕድመ ኣቕሪቦም ኣለዉ።