ርዋንዳ ኣብ "ንግዲ ደቂ-ሰባት" ትሳተፍ የላን ክብል ፕረዚደንት ፖል ካጋመ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ሃገሩ ሓተትቲ ዑቕባ ምቕባላ "ንግዲ ደቂ-ሰባት" ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ርዋንዳ፡ ኣፈናዊ 150 ሚልዮን ዶላር ተዋሂብዋ ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ካብ ብሪጣንያ ክትቅበል ምስምማዓ ሓያል ነቐፌታ ኣስዒቡላ ይርከብ።
ካጋመ ግን ሃገሩ ስደተኛታት ንምሕጋዝ 'ምበር ንረብሓ ከምዘይኮነት ንኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ማንዛ ሰሚናር ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሪጣንያን ርዋንዳን፡ ነምቶ ዑቕባ ንምርካብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ውግዓዊ ስምምዕ ምፍራመን ይዝከር።
እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመሉ እዋን፡ ኣብ ሃገራት ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ጀማይካን ባርባዶስን ዑደት ዘካይድ ዝነበረ ካጋመ፡ ገንዘብ ንምርካብ ስደተኛታት ትቕበል ኣላ ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ምዃኑ ገሊጹ።
"በጃኹም፡ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ኣይተዋፈርናን፡ እኳድኣስ ንሕግዝ ኢና ዘለና" ክብል መጒቱ።
"ነቲ ናይ ሊብያ ኣተሓሕዛና" ዝተዓዘበት ብሪጣንያ ባዕላ ከምዝተወከሰቶም ድማ እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ።
ኣብ 2018፡ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቖም ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክቕበል ድልዉ ምዃኑ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ነቲ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ድማ ይዛረብ።
ርዋንዳ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 1000 ስደተኛታት ከምዝተቐበለትን፡ ክልተ ሲሶ ካብኦም፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ካናዳን ክሰጋገሩ ከምዝኸኣሉን ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ውጥን ንብሪጣንያ ይኹ ንካልኦት "ናይ ስደተኛታት ጸገም ዘለወን" ሃገራት ኣውሮጳ ዕዉት መስርሕ'ዩ ይብል ፕረዚደንት ካጋመ።
ርዋንዳ፡ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእ ዝሓለነት ምዃና ብምግላጽ፡ ብሪጣንያ "ስሩዕ ኣተኣላልያ ናይቶም እትቕበሎም ሰባት ብምፍጣር ንገሊኦም ከኣ ትነጽጎም" ኢሉ።
መንግስቲ ዴንማርክ ልክዕ ከምቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቐባ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ኮይኑ ክርአ ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ዝርርብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ስደተኛታት ናብ ዴንማርክ ከይኣትዉ ንምክልኻል ተርርቲ ፖሊሲታት ከተኣታቱ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ካልእ መሻርኽቲ ሃገር ማእከል ሓተቲ ዑቕባ ብምኽፋት ጉዳዮም ኣብኡ ኮይኑ ክርአ ዝብል ሕጊ ምጽዳቓ ዝዝከር እዩ።
ሓያል ተቓውሞን ነቐፌታን ዝገጠሞ ውጥናት
ኣብቲ እዋን እቲ ብመንግስቲ ዴንማርክ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ብትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕቡራት ሃገራትን ብኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳን ተሪር ነቀፌታ ገጢምዎ ነይሩ እዩ።
ኣብ ብሪጣንያ'ውን ልዕሊ 160 ዝኾና ማሕበራት ተሓለቕቲ መሰላት ነቲ "ጨካን" ዝበልኦ ውጥን ምስግጋር ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ብምቅዋም፡ መንግስቲ ዳግማይ ክሓስበሉን ክስርዞን ይጽውዓ ኣለዋ።
መራሒ ብሪጣንያዊት ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን ሊቀ-ጳጳስ ጃስቲን ወልቢ፡ ብኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ (ኤውሮጳ) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውጥን "ዓቢ ሞራላዊ ሕቶታት" ዘለዓዕል'ዩ ክብሉ ነቒፎሞ።
እቲ ስጉምቲ "ካብ ሓላፍነትና ዘጉድል'ዩ" ብምባል፡ "ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ዝቐውም" ኣይኮነን ኢሎም።
ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ነዚ ውጥን ዘለዎም ተቓውሞታት ይገልጹ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ።
ነቲ ፖሊሲ ዝሃንደሰትን ትምርሕ ዘላን ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ግን፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ።
ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት።
ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ውሳነ ክወስድ ዘገደዶ ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ ብበል እንተኾነ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዘርህ።
"ብዓቢኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቕጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕ ይጥቀመሉ ኣሎ" ክብል ይነቅፍ።
ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ።
"እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ፡ ነቲ "ዘሕንኽ" ዝበሎ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተኣወጀ ውጥን ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ "ሕሱርን ዘይሞራላውን" ክብል ነቒፍዎ።
ውጥን ስደተኛታት ርዋንዳ ብኸመይ እዩ ክትግበር?
- እቲ ውጥን ብቐንዱ፡ ብጀላቡን ዓበይቲ መካይንን ተጻዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው'ሞ ዘይምርዑዋትን ደቂ ተባዕትዮን ዘተኩር እዩ።
- እቶም ብኸምዚ ኣገባብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ኣትሒዞም ዝኣተው፡ ናብ ርዋንዳ ክስደዱን ኣብኡ ኰይኖም መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ክከታተሉን እዮም።
- ጉዳዮም እናተራእየ ኸኣ፡ መንበሪን ዝተፈላለየ ሓገዛት ክግበረሎምን፣ ካብን ናብን ግዚያዊ መዕረፊኦም ድማ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ክሕለወሎም እዩ።
- ሕቶ ዑቕባኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ፡ ኣብ ርዋንዳ "ሓድሽ ሂወት" ንኽጅምሩ ሓገዝ ክግበረሎምን፡ ክሳብ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል ዕድል ትምህርትን ሓገዝን ክግበረሎም ምዃኑ'ውን ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።
- እቶም ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ርዋንዳ ንኽጸንሑ ክሓቱ ካልእ ዕድል ክወሃቦም እዩ፤ ወይ ከኣ ናብ ቀንዲ ሃገሮም ክምለሱ ወይ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ናብ እትኽእል ካልእ ሃገር እንተላ ንኽኸዱ ዕድል ክወሃቦም እዩ።
- መንበሪን ገለ ሓገዛትን ክግበረሎም፣ ካብቲ ግዝያዊ መዕረፊኦም ከኣ ብናጻ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክረጋገጽ እዩ።
- ቀዳማይ ጕጅለ 'ዞም ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ሒደት ሳምንቲ ጕዕዞ ክጅምሩ ምዃኖም ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







