ሊቀ ጳጳስ ካንተርበሪ፡ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክትመልስ ብምሕሳባ ኮኒኖም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሊቀ ጳጳስ ካንተርበሪ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክመልስ ምውጣኑ ምስ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝጻረር እዩ ብምባል ኮኒኖም።
ሊቀ ጳጳስ ጀስቲን ዌልቢ ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዝገበሩዎ ስብከት ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስ ሓላፍነትና ክንስከም ይግባእ ኢሎም። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብልን ዕርቀ ሰላም ክእወጅን ጸዊዖም። ብሰንኪ እቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ህዝቢ ከኣ ጸሎቶም አዕሪጎም።
ኣብ ርእሲኡ ኵናት ዩክረይን ኣብ ክብሪ መነባብሮ ፈጢሩዎ ዘሎ ጸቕጥን ሻቕሎትን እውን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ተዛሪቦም።
መንግስቲ ብሪጣንያ ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምምላስ ወጢኑዎ ዘሎ መደብ ብጥብቂ ከምዝኹንንዎ እቶም ጳጳስ ገሊጾም፤ መንግስቲ ብሪጣንያ ግና እቲ መደብ ንህይወት ናይቶም ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ ስደተኛታት ንምዕቃብ ምዃኑ የረድእ።
ስለዝኾነ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትው ሓተትቲ ዑቕባ ስደተኛታት ሕቶ ዑቕበኦም ንምቕራብን ጉዳዮም ንምፍጻምን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ርዋንዳ ንምልኣኽ ናይ 120 ሚሊየን ፓውንድ ውጥን ወጺኡ ምህላው ተሓቢሩ።
ልዕሊ 160 ዝኾኑ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ነቲ ውጥን "ጭካነ ዝመልኦ" ብምባል እቶም ምኒስተራት ሓሳቦም ንክቕይሩ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ውሳነ ብተቓወምቲ ሰልፍታት እውን ከይተረፈ ነቐፌታ ቀሪቡሉ ኣሎ። ጳጳስ ካቴድራል ካንትርበሪ ሊቀ ጳጳስ ዌልቢ: "ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኣፍሪቃ ምልኣኽ ዓቢ ናይ ስነ ምግባር ጸገማት ከምዘለዎ” ይዛረቡ።
"እቲ ዝርዝር ፖለቲካ እዩ፤ እቲ ቐንዱ ግን ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ክምርኮስ ኣለዎ። ከምዚ ግን ክኸውን የብሉን" ኢሎም።
"ብሰንኪ ስንፍናና ኣብ ክርስትያናዊ ክብርታትና ዝተመስረተት ሃገርና ሓላፍነታ ክትስከም ኣይከኣለትን። እዚ ከኣ ምስ ባህሪ ንውድቀትናን ሓጢኣትናን ሓላፍነት ዝወሰደ እግዚአብሔር ዝጻረር እዩ" ኢሎም እቶም ሊቀ ጳጳስ።
እቲ ውጥን እንተሰሊጡ እቶም ቀዳሞት ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ርዋንዳ ክኣትው ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር።
ወሃቢ ቃል ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፡ እታ ሃገር ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዘኹርዕ ታሪኽ ከምዘለዋ ብምጥቃስ እቶም ሊቀ ጳጳስ ንዝሃቡዎ ነቐፌታ ነቲ ክውንነት ኣብ ግምት ከምዘየእተወ ተዛሪቡ።
ቀጺሉ'ውን፡ ኣብዚ ዓለም ብብዝሒ ስደተኛታት አዕለቕሊቓትሉ ዘላ እዋን: ህይወት ሰባት ንሓደጋ ዘቃልዑ ዘለው ኣሰጋገርቲ ሰባት ንምክልኻልን ኣብ ስርዓተ ሕቶ ዑቕባ ለውጢ ከምዘድሊ ብምግላጽ ርዋንዳ ከኣ “ ውሕስነት ዘለዋ ሃገር’ ብምዃና ሕቶ ዑቕባ ስደተኛታት ተቐቢላ ብዝግበኣ ከተተናኣግዶ ከምእትኽእል ሓቢሩ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ንሓተትቲ ዑቕባ ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ምልኣኽ ምስ ዓለማዊ ሕጊ ሕቶ ዑቕባ ከምዝጻረር ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







