ሓድሽ ፖሊሲ ዑቕባ ብሪጣንያ ንሩዋንዳ ኣብ ዓይኒ ተሓለቕቲ መሰላት ክትኣቱ ይገብር

ኪጋሊ: ርዋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ርዋንዳ፡ ብኣድማዕነት ኣሰራርሓ፡ በጻሕታ ይምሰጡላ እዮም። ርእሰ ኸተማ ኪጋሊ፡ ጽፉፍ፡ ጽሩይን ሓምላይ ትርኢት ምስ ብሉጽ መስመር ኢንተርነት ትውንን።

ነፍስወከፍ ሰብ ግብሪ ክኸፍል እዩ ዝደሊ፤ ኣገልግሎታት ዘተኣማምኑ፡ ጽርግያታት ድሕነቶም ዝተሓለወ እዮም፤ እቲ መንግስቲ ከም ዝብሎ ድማ፡ "ኣብ ዓለም ውሕስቲ ሃገር እያ" - ርዋንዳ።

ጉዳይ ለበዳ ኮሮና ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ርዋንዳ፡ ስጕምትታት ምክልኻል ኮሮና ከተተግብር ግዜ ኣይወስደትን። 60% ካብ ህዝባ ክታበት ወሲዱ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ኣብታ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ዘይብላ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም ዓቢይ ዓወት እዩ ዝጽብጸብ።

እንተዀነ እዚ ክቱር ምእዙዝነት'ን ከም መርኣያ ድጉል ፍርሒ'ውን ይርአ እዩ።

ናብ ኣብያተ መስተ ምኻድ፡ ኣካታዒ ኣርእስትታን ነቐፌታታትን ምልዓል፡ ብቐጥታ ብሰብ መዚ ጸጥታ'ታ ሃገር እዩ ዘጠምት፣ ጸብጻብ ብኡ ንብኡ ስለዝበጽሖም።

ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጥሩ ዝተባህሉ ድማ ብሕሱም እዮም ዝተሓዙ።

"ልክዕ ስዊዘርላንድ ናይ ኣፍሪቃ እያ ትመስል፣ እንተዀነ ከቢድ መጽቀጥትን ራዕድን ዘለዋ ሃገር እያ" ትብል እታ፡ "ዱ ኖት ዲስተርብ" እትብል ብዛዕባ ርዋንዳ ዝጸሓፈት እንግሊዛዊት ሚሸላ ሮንግ፣ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለመጠይቕ።

'ኡሙጋንዳ' [ብቛንቛታ ሃገር ሓባራዊ ስራሕ] ብዝብል ዕዮ ማእቶት፡ ኣብ መወዳእታ ቀዳም ነፍስወከፍ ወርሒ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ወፈራ ጽሬት ይገብር፣ ጽርግያታት ይኵስተሩ፡ ርስሓት ይእከብ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ርዋንዳዊ ከም ዝበሎ፡ 'ኣብቲ ሓባራዊ ስራሕ 'ኡሙጋንዳ' ክትሳተፍ ዘገድድ ሕጊ የለን። ኰይኑ ግን፡ ስምካ ብሕማቕ ከይለዓል ትፈርሕ፣ ዝዀነ ሰብ ክሕስወልካ ይኽእል እዩ። ከም ሓደ ናዕበኛ እንተተፈሊጥካ ድማ ሽግር እዩ።'

ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን ቋንቋን

እዚ ሕጂ ብብሪጣንያ ዝግበር ዘሎ ንስደተኛታት ዝምልከት ሓድሽ ውዕል፡ ብግቡእ ዝምሕደር ዘሎ ጉዳይ እዩ ዝመስል። ሓተትቲ ዑቕባ ዝሰፍሩሉ ቦታ፣ ከምቲ ዝውቱር - ብቴዳታትን ፕላስቲካትን ዝተሃንንጸ መዓስከራት ኣይኰነን።

እታ 13 ሚልዮን ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብራ ርዋንዳ፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብዝገበረቶ ስምምዕ፡ ካብ 2019 ኣትሒዛ፡ ልዕሊ 900 ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ወሲዳ'ላ።

እዞም ስደተኛታት፡ ጋሾራ ኣብ ዝበሃል ካብ ኪጋሊ ኣስታት 60 ኪሎ ሜትር ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ቦታ እዮም ዝነብሩ ዘለው። ኮሚሽን ስደተኛታት ከም ዝብሎ፡ እቲ ቦታ መዓስከር ስደተኛታት ዘይኰነስ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ካብኣቶም'ውን ድሮ ናብ ሃገራት ሽወደን፡ ካናዳ፡ ነርወይ፡ ፈረንሳን በልጂየምን ከይዶም ኣለው።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ሊብያ ዝተወስዱ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሕጂ ካብ ሊብያ ዝተወስዱ ስደተኛታት

እዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ቦታ፡ ኣብ ሊብያ ዝተፈላለየ ብሰንኪ ዝወረዶም ሕማቕ ኵነታት ዝሳቐዩ ሰባት ዝሕግዙሉ፣ ንሓድሽ ሂወቶም ክገጥሙ ዘኽእሎም ክእለታት ዝምሃሩሉን ካልእን ዘተግብር ቀዋሚ ቅርጺ ኣሰራርሓ ኣለዎ።

እንተዀነ፡ ከምዚ ሕጂ ብብሪጣንያ ዝትግበር ዘሎ መስርሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቤልጂየም ቀሪቡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተነጺጉ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣፍሪቃ፡ ን 85% ካብ ስደተኛታት ዓለም ጸይራ'ላ፣ "15% ጥራይ ከኣ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ተዓቚቦም ኣለው" ትብል ሚሸላ።

እዚ፡ "እከይን ዘይሞራላውን ውዕል እዩ" ትብል ሚሸላ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውዕል።

"ነቶም ስደተኛታት መጠንቀቕታ ንምሃብ ጥራይ እዩ። ዝዀነ ካብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ግፍዒ ዝስደድ ተመሊሱ ኣብ ርዋንዳ ክሳቐ እዩ" ማለት ምዃኑ ትዛረብ።

ዘይከም መግለጺ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ዝወጸ ውጥን ከም ዘመልክቶ ግን፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ንነዊሕ ግዜ ክጸንሑን ኣብኡ ናብራኦም ከጣጥሑን ምግባር እዩ።

ርዋንዳ ክንደይ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን። ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ዝስዕብ ዓመታት፡ 'ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት' ክግዕዙ ምዃኖም ኣሚቱ ነይሩ።

ሚሸላ ሮንግ ከም ዝገለጸቶ፡ ካብ ኪጋሊ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ፡ ድኻን፡ ንነፍሰወከፍ ስድሪ መሬቱ እናሓረሰ ዝነባበርን እዩ፤ ስለዚ ንስደተኛታት ክጸውር ዝኽእል ኣይኰነን።

ክሲ ዩ-ትዩበራት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሸሞንተ ተቓወምቲ መንግስቲ ርዋንዳ ዝዀኑ ዩ-ትዩበራት ከም ዝተኸሰሱ፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

'ምጽራይ ሻውላት' ኣብ ዝብል ፕሮጀክት ርዋንዳ፡ ወተሃደራት ብሓይሊ ንነበርቲ ከጋፍዑ እንከለው ዝሰኣለን ዝነቐፈን ሓደ ዩ-ትዩበር፡ ሸውዓተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ካብታ ሃገር ሃዲሞም ዝወጽኡ ተቓወምቲ፡ ብኣባላት ጸጥታ ርዋንዳ ኣብ ወጻኢ ከም ዝህደኑን ከም ዝቕተሉን፡ ወይ ከኣ ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ይግበር።

ፖል ሩሰሳባኘ፡ ኣብ እዋን ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ህይወት 1,000 ሰባት ዘድሓነ ማናጀር ሆቴል፡ [እታ 'ሆተል ርዋንዳ' እትብል ህብብቲ ፊልም ዝተመስረተትሉ ዛንታ] ብኸምዚ መገዲ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ እዩ።

ድሕሪ'ቲ ህይወት ልዕሊ 800,000 ርዋንዳውያን ዝቐዘፈ ህልቂት፡ ሩሰሳባኘ ዜግነት በልጂየም ሒዙ፡ ህቡብነቱ ድማ ኣንጻር ፕረዚደንት ካጋመ ክጥቀመሉ ተሰሚዑ እዩ።

እንተዀነ ስድራቤቱ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ 2020 ብዱባይ እናሓለፈ እንከሎ ብኣባላት ጸጥታ ርዋንዳ ተጨውዩ ናብታ ሃገር ተወሲዱ፣ 'ተቓወምቲ ብምድጋፍ' ተኸሲሱ ድማ ን25 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ጓሉ ካሪን ካኒምባ ከምእትብሎ፡ 'እዚ፡ ርዋንዳ ንሰብኣዊ መሰል ክብሪ ከምዘይብላ ዘርኢ እዩ፡ እታ ሃገር ብምልኪ እትግዛእ፡ መሰል ምዝራብ ዘይብላ፣ ዲሞክራሲ ዘይብላ እያ' ትብል። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ካጋመ ብ 99% ተዓዊቱ ምባል ንባዕሉ መርኣያ ኢ-ዲሞክራሲያውነት እዩ።

ፍቕሪ ርዋንዳን ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያን

እቲ ምኽንያት፡ ምስቲ ቈማት፡ ግሩም፡ ደጋፊ ኣርሰናልን ህንጡይን ዝዀነ መራሒ [ፖል ካጋመ] ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት፡ ነቲ ርዋንዳ እትፍለጠሉ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ደው ከብሉ ብዘይምኽኣሎም ሕልናዊ ወቐሳ ዝስምዖም ምዕራባውያን መራሕቲ ኸኣ፡ ብእኡ ምሱጣት እዮም።

"ንሱ፡ ንምዕራባውያን መራሕቲ ዘገድስ ጉዳያት ኣብ ምልላይን ኣድማዕቲ መፍትሒታት ኣብ ምምጻእን ሓያል እዩ" ትብል ሚሸላ። ነቲ ወተሃደራት ርዋንዳ፡ ጂሃዳውያን ንምቅላስ ብዝብል ናብ ሞዛምቢክ ዝተላእኩሉ ነጥቢ ከም ኣብነት ብምዝካር።

ዝሓለፈ ዓመት፡ "ንስለ ሰብኣውነት" ኢሉ መዓስከራት ስደተኛታት ክኸፍት ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ሓደ ካብ ውሑዳት ተቓወምቲ ሰልፊታት ርዋንዳ፡ 'ኵሉ ናይ ገንዘብ ጉዳይ እዩ፡' ኢሉ ነቲ ኵነታት ይገልጾ።

ምዕራባውያን ሃገራት፡ በቲ ርዋንዳ ተርእዮ ዘላ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት፣ ምጥፋእ ብልሽውናን ምሱጣት እየን። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ግን ብለገስቲ ትካላት ወትሩ እዩ ዝለዓል።

ፍቕሪ ርዋንዳን ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያን ኣብ 2007 እዩ ዝጅምር።

ሚኒስተር ልምዓት ነበር፡ ነፍስወከፍ ነሓሰ ንዅሎም ኣባላት ባይቶ፡ 'ኣብ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ንምስራሕን ስልጠና ክሪከትን ንኽወስዱ የወሃህድን ጕዕዞ የሳልጥን።

እቲ ምስዚ ፕሮጀክት ዝተኣሳሰር 'ግብረሰናይ ክሪከት' ገንዘብ ብምውጻእ፡ 'ጋንጋ ክሪከት ስታድዩም' ካብ ኪጋሊ ቅሩብ ውጽእ ኢሉ ከም ዝስራሕ ገይሩ።

ገለ ተንተንቲ፡ ምስቲ ኣብ ዝመጽእ ሰነ እታ ሃገር እተእንግዶ ኣኼባ ሃገራት ሓባራዊ ሃብቲ ብምትእስሳር፡ እዚ ውዕል ስደተኛታት ብሪጣንያ ድማ፡ ኣካል ናይቲ ዝተወሳሰበ ምስሊ ርዋንዳ ናይ ምቕያር ስትራተጂ ብሪጣንያ ገይሮም ይርእይዎ።

ኣፈኛ መንግስቲ ርዋንዳ፡ 'ዝዀነ ብሰንኪ ምግላጽ ሓሳብ ዝተኣሰረ የለን፡' ብምባል፡ ንዅሉ ኣንጻር'ታ ሃገር ዝቐርብ ክስታት ትነጽግ።

"እዞም ሰባት ካብተን ዝመጽኡወን ሃገራትን ዝሓለፍዎን ዝነበርዎን ኵነታት ንርድኦ ኢና፣ ርዋንዳ ድማ ብውሕስነት ክነብሩላ ዝኽእሉ ዓዲ እያ። መሰሎም ተሓልዩን ብኽብረትን ክነብሩ፣ ክእለቶም ከማዕብሉን ዕድል ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም፡" ትብል ዮላንዳ ማኮለ፡ ንቢቢሲ።