ስደተኛታት፡ ብሪጣንያ ኣብ ዝመጽእ 'ሳምንታት' ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ምስግጋር ክትጅምር ትኽእል'ያ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብመሰረት ብሪጣንያ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስዳድ ፖሊሲ፡ እቶም ቀዳሞት ኣብ ውሽጢ ናይ ሳምንታት ግዜ ክሰጋገሩ ከምዝኽእሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ብሪጣንያ "ብዘይሕጋዊ ኣገባብ" ብምእታው ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት፡ ናብ ርዋንዳ ተሰገጊሮም ጉዳዮም ኣብኡ ክረአ ዝገብር ሓድሽ ፖሊሲ ወግዓዊ ኮይኑ'ሎ።
እቲ ፖሊሲ ፈለማ ነቶም ካብ ፈረንሳ ብ'ኢንግሊሽ ቻነል' ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ዘይተመርዓዉ ደቂ-ተባዕትዮ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ስጉምቲ "ሂወት ብዙሓት ከድሕን'ዩ" ብምባል፡ ንመርበባት ኣሰጋገርቲ'ውን ዝሰብር ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።
እንተኾነ ግን ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት፡ ነቲ ውጥን "ሰብኣውነት ዝጎደሎ" ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ።
ድሕሪ'ቲ ውሳነ፡ ሎሚ ዓርቢ ጥራይ ቁጽሮም ዘይተገልጸ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከምዝሰገሩ ጸብጻባት ገሊጾም ኣለዉ።
ዳይረክተር ፖሊሲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንድሪው ገሪፊስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ውሳነ ብፓርላማ ክጸድቕ ከምዘየድልዮን፡ ብመሰረት እቲ ዘሎ ናይ ኢሚግረሽንን ዑቕባን ሕግታት ክትግበር ከምዝኽእልን ተዛሪቡ።
ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ውሽጢ ሰምንታት ወይ ሒደት ኣዋርሕ" ክጅመር ከምዝኽእል'ውን ጠቒሱ።
ዘይሕጋዊ ዋሕዚ እንተ ኣቋሪጹ ናብ ብሪጣንያ ዘእቱ "ውሑስ፡ ሕጋውን ለጋስን ዓቢ ኣፍደገ ከርሑ" ይኽእል'ዩ ድማ ኢሉ።
እቲ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር ውጥን፡ ሓደ ኣካል ናይቶም ነይቲ ብናኣሽቱ ጃላቡ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ዝዓበየ ስትራተጂ'ዩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ንማያት መትረብ እንግሊዝ ('ኢንግሊሽ ቻነል) ናይ ምሕላው ሓለፍነት ካብ ሓለዋ ዶባት ክርከብ'ዩ።
ትማሊ እቲ ሓድሽ ውጥን ብወግዒ ኣብ ዝተገለጸሉ መዓልቲ ጥራይ፡ 562 ብ14 ጃላቡ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ከምዝኸኣሉ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28,526 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስጋሮም ጸብጻባት የረድኡ። ኣብ 2020 ዝነበረ ቁጽሪ ሰገርቲ ድማ 8,404 ምዃኑ ይፍለጥ።
ሓላፊ ሓለዋ ዶባት ብሪጣንያ ዝነበረ ቶኒ ስሚዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግብራውነት ናይቲ "ሕሉፍ" ክብል ዝገለጾ ውጥን ንምግምጋም ሳምንታት ክወስድ ከምዝኽእል ይዛረብ።
መንግስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ብነፈርቲ ናብ ርዋንዳ ክወስድ ኣብ ዝፍትነሉ ግን ሕጋዊ ብድሆታት ከጋጥሞ ምዃኑ ገሊጹ።
"እንተኾነ ግን ነዘን ዝኣትዋ ዘለዋ ጃላቡ ንምዕጋት ካልእ ኣማራጺ እንተልዩ ርግጸኛ ኣይኮንኩን. . . ምኽንያቱ ገለ እንተዘይጌርና፡ ተወሰኽቲ ሰባት ክጥሕሉ'ዮም" ክብል ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ "ውሑስን ሕጋው መስርሕ ዑቕባ ክህሉ ኣፍደገ" ዝኸፍት ምዃኑ'ዩ ገሊጹ። ንቁጠባዊ ረብሓታት ዝኣትዉ ስደተኛታት ድማ ነቲ ናይ ዑቕባ መስርሕ ክጥቀምሉ የብሎምን ክብል ተሰሚዑ።
ቢቢሲ ምስ ገለ ካብቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ገማግም ፈረንሳ ዝጽበዩ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ በቲ ውሳነ ንድሕሪት ከምዘይምለሱ'ዮም ዝገልጹ። ገለ'ውን ርዋንዳ ካብተን ዝመጹለን ሃገራት ከምዘይትሓይሽ ተዛሪቦም። እንተኾነ ግን፡ ስክፍታታት ኣይፈጠረሎምን ማለት ኣይኮነን። ንጹር ሓበሬታ ስለዘይብሎም ግን ጉዕዝኦም ክቕጽሉ ምዃኖም'ዮም ዝሕብሩ።
ልዕሊ 160 ተሓለቕቲ ማሕበራት ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ መንግስቲ ነቲ "ዘሕንኽን ጨካንን" ውጥን ዝበልዎ ፖሊሲ ክስርዞ ጸዊዖም ኣለዉ።
ሓላፊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ብሪጣንያ ኢንቨር ሶሎሞን፡ እቲ ውጥን ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝገትእ ከምዘይኮነን፡ እኳ'ድኣ ተወሳኺ ስቓይ ዘስዕብ'ዩ ክብል ገሊጽዎ።
መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ኪር ስታርመር ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ብድሆታት ንምህዳም ዝወሰኖ "ዘይሰርሕ" ውሳነ ክብል ነቒፍዎ'ሎ።
ካልኦት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት'ውን እቲ ፖሊሲ "ኣፍደገ ዝልኩት" "ጨካን" ስጉምቲ'ዩ ብምባል ተቓዊሞሞ ኣለዉ።
ገለ'ውን እቲ መስርሕ ልዑል ወጻኢ ዘኸትል ከምዝኾነ'ዮም ዝገልጹ። ዘ ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ንሓደ ስደተኛ ናብ ርዋንዳ ንምስዳድ ካብ £20,000 ክስብ £30,000 ፓውን ዝሓትት ምዃኑ ይግመት።
መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ 2021 ኣብ ዝተግበሮ ተመሳሳሊ መስርሕ ምስግጋር፡ 460 ሚልዮን ፓውንድ ብሪጣንያ ብምውጻእ፡ 239 ስደተኛታት ጥራይ ከሰጋግር ምኽኣሉ ተገሊጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ርዋንዳ'ውን፡ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ፍሉይ ቆላሕታ ረኺቡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ርዋንዳ ፖለቲካዊን ሲቪላዊን፡ ከምኡ'ውን ናጽነት ፕረስ ብምግዳባ ነቒፉ ነይሩ።
ርዋንዳ ድሮ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያን ሶማላውያንን የመናውያንን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ተቐቢላ ምህላዋ ይፍለጥ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







