ሩዋንዳ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 120 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ተቐቢላ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Mohame Alalem
ሩዋንዳ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 120 ዝዀኑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ከምዝተቐበለት ኣፍሊጣ።
እዞም ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ክሳብ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዕድመ ዝረከቦም ቈልዑን ዘለውዎም ስደተኛታት፡ ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ድቡብ ሱዳንን ሶማልያን ኰይኖም፣ ኣብዚ ዓመት ብኸምዚ ዓይነት መገዲ [ካብ ሊብያ ንሩዋንዳ] ዝሰጋገሩ ዘለው ቀዳሞት ጕጅለ ስደተኛታት እዮም።
መብዛሕትኦም ካብዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከል ክፋል ርእሰ ከተማ ሊብያ - ትሪቡሊ ዝነብሩ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ካልኦት ድማ ብኣልማማ ተገፊፎም ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ እዮም።
እዞም ሰሉስ ምሸት ዝተሰጋገሩ ጕጅለ፡ ምስቶም 'ጋሾራ' ኣብ ዝበሃል መዕቈቢ ስደተኛታት ሩዋንዳ፡ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝእለዩ ዘለው፡ 269 ሓተቲ ዑቕባ ክጽንበሩ እዮም።
"እዚ መስርሕ ምስግጋር ስደተኛታት ካብ ሊብያ፡ ነቶም ገና ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዘለው ተስፋን ውሕስነትን ዝፈጥር እዩ፡" ይብል ሓላፊ ተልእኾ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ጃማል ዛሞም።
እቶም ኣብ ሓያለ ማእከላት ስደተኛታት ሊብያ ተሓዪሮም ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ንሰቘቓ፡ ዓመጽን፡ ጕድለት-ሓነዅ [malnutrition]፡ ከምኡ'ውን ንከም ቲቢ ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ተቓሊዖም ዝጸንሑ እዮም።
ጕጅለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ኵነታት "ኣሰቃቒ" ን "ኢሰብኣውን" ኢሉ ገሊጽዎ ነይሩ።
ሰበስልጣን ሊብያ ነዚ፡ ነተን ኣብ 2019 ዝተዓጽዋ ሰለስተ ማእከላት ማሕዩር፣ ኣብ ሚስራታ፡ ታጁራን ኾምስን ከም ኣብነት ጠቒሶም ግብረመልሲ ሂቦምሉ።
ሩዋንዳ፡ ድሕሪ'ቲ ምስ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብ መፋርቕ 2019 ዝኸተመቶ ስምምዕ፡ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 900 ስደተኛታት ተቐቢላ'ላ።
ሊብያ፡ ንዓመታት ቀንዲ መሰጋገሪ 'ቶም ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሕልኑ ስደተኛታት ኰይና እያ ጸኒሓ። መብዛሕትኦም ከኣ ብመገዲ ሊብያ ንባሕሪ መዲተራንያን ክቘርጹ ዝፍትኑ እዮም።
ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፡ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት'ዚ ጥራይ፡ ልዕሊ 215 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝሞቱ፡ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ'ሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







