ነቐፍቲ 'ውጥን ስደተኛታት ብሪጣንያ-ርዋንዳ' ዝሓሸ መፍትሒ የብሎምን- መንግስቲ ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ።
ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት።
ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ።
እዚ ጽሑፋዊ ግብረመልሲ ክልቲኦም ሰብመዚ፡ ነቲ ብሊቀጳጳሳት ካንተበሪ፡ ጃስቲን ወልቢ ዝተገልጸ 'ኢሞራላዊ ውጥን' ዝብል ነቐፌታ ስዒቡ እዩ።
ፓተልን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ቪንስተንት ቢሩታን ብሓባር ከም ዝበልዎ፡ ዓለማዊ ስርዓተ ዑቕባ፡ ብሰንኪ'ቲ ዝኸርር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን እናወደቐ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ስለዚ፡ እዚ ውጥን፡ ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ስደተኛታት፡ ናብቲ ዝረግእሉን ዝሓሸን ውሑስን ህይወት ክመርሑሉ ዝኽእሉን ሃገር ከመልክቱ ናብ እተኽእሎም ሃገረ ርዋንዳ ምምጻእ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ፡ ብሪጣንያ ንፕሮጀክት ትምህርቲ 'ዞም ስደተኛታት ዝውዕል፡ ክሳብ 120 ሚልዮን ፖውንድ ከተውፍር እያ።
"ድፋርን ውሕሉልን ስጕምቲ ኢና ንወስድ ዘለና፣ እቲ ዘገርም ግን እቶም ነዚ ነገር'ዚ ዝወቕሱ ዘለው ትካላት፡ ዝሓሸ ናይ ገዛእ ርእሶም መፍትሒ ከቕርቡ ዘምኽኣሎም እዩ፡" ክብሉ ጽሒፎም።
"እዚ ስቓይ ሰባት ክቕጽል ምግባር፡ ብሓንቲ ሰብኣዊት ሃገር ዝጽወር ኣይኰነን።"
ብዘይካ'ዚ፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝገብርኦ ስምምዕ ዝውሰን'ውን፡ ገለ ስደተኛታት ካብ ርዋንዳ ናብ ብሪጣንያ ክኸዱ ተኽእሎ ከም ዘሎ ተገሊጹ'ሎ።
ኣብ ኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ [ኤውሮጳውያን] እቶም ሊቀጳጳሳት ንመንግስቲ ብሪጣንያ ክነቕፉ ዝተሰምዑ ኰይኖም፡ ንሶም፡ "እዚ፡ ንሓላፍነታትና ውክልና [ንኻልኦት] ምሃብ እዩ" ክብሉ ብምኽሳስ፡ እዚ ግን "ንፍርዲ ኣምላኽ ኣይጾሮን እዩ" ኢሎም።
ሊቀጳጳስ ዮርክ ስተፈን ኮትረል ብወገኖም፡ እዚ ፖሊሲ ብሪጣንያ፡ "ዘሕዝንን ዘሻቕልን እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ወሲኾም፡ "ካብዚ ዝሓሸ ክንገብር ንኽእል ኢና፡" ክብሉ ኣስሚሮምሉ።
ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፍን ነዚ ውጥን ኣይተቐበልዎን። ልዕሊ 160 ዝዀና ማሕበራት ግብረሰናይን ጕጀለታት ጐስጓስን ብሓባር፡ "ዘሕፍር ጭካነ" ብምባል፡ ሰበስልጣን ብሪጣንያ ነዚ ውጥን ክስርዝዎ ይጽውዑ ኣለው።
እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ።
እንተዀነ፡ ፓተልን ቢሩታን ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ፡ ርዋንዳ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ዓለም እታ ውሕስቲ ሃገር ምዃና፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራ ዝተሰዱ 130,000 ስደተኛታት ኣዕቝባ ከም ዘላን ይጠቕሱ።
ብተወሳኺ እዞም ክልተ ነቲ ጉዳይ ዘመሃድሩ ዘለው ሰበስልጣን፡ "እዚ ውጥን ዋሕዚ ናይቶም ሂወቶም ንሓደጋ ዘቃልዑ ዘለው ስደተኛታት ክገትእ እዩ፡" ኢሎም ይምጕቱ ኣለው፤ ሽሕ'ኳ እዚ 'ገታኢ ውጽኢት' ክርከቦ እዩ ዝበሃል ዘሎ ትጽቢታት ተጨባጥነቱ ኣጠራጣሪ እንተዀነ።
ቀዋሚ ጸሓፊ ማቲው ረይችሮፍት ብወገኑ፡ እዚ፡ ነቲ ናብ ብሪጣንያ ዘእቱ ዘይሕጋዊ መስመራት ከጕድል እንተኽኢሉ፡ ንገንዘብ ዘቐድም ፖሊሲ ጥራይ እዩ ክኸውን ብምባል፡ ከቢድ ዋጋ ክህልዎ ምዃኑ የጠንቅቕ።
ውጥን ስደተኛታት ርዋንዳ ብኸመይ እዩ ክትግበር?
- እቲ ውጥን ብቐንዱ፡ ብጀላቡን ዓበይቲ መካይንን ተጻዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው'ሞ ዘይምርዑዋትን ደቂ ተባዕትዮን ዘተኩር እዩ።
- እቶም ብኸምዚ ኣገባብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ኣትሒዞም ዝኣተው፡ ናብ ርዋንዳ ክስደዱን ኣብኡ ኰይኖም መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ክከታተሉን እዮም።
- ጉዳዮም እናተራእየ ኸኣ፡ መንበሪን ዝተፈላለየ ሓገዛት ክግበረሎምን፣ ካብን ናብን ግዚያዊ መዕረፊኦም ድማ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ክሕለወሎም እዩ።
- ሕቶ ዑቕባኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ፡ ኣብ ርዋንዳ "ሓድሽ ሂወት" ንኽጅምሩ ሓገዝ ክግበረሎምን፡ ክሳብ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል ዕድል ትምህርትን ሓገዝን ክግበረሎም ምዃኑ'ውን ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።
- እቶም ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ርዋንዳ ንኽጸንሑ ክሓቱ ካልእ ዕድል ክወሃቦም እዩ። ወይ ከኣ ናብ ቀንዲ ሃገሮም ክምለሱ ወይ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ናብ እትኽእል ካልእ ሃገር እንተላ ንኽኸዱ ዕድል ክወሃቦም እዩ።
- መንበሪን ገለ ሓገዛትን ክግበረሎም፣ ካብቲ ግዝያዊ መዕረፊኦም ከኣ ብናጻ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክረጋገጽ እዩ።
- ቀዳማይ ጕጅለ 'ዞም ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ሒደት ሳምንቲ ጕዕዞ ክጅምሩ ምዃኖም ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።
ብመሰረት'ዚ ኣብ መንጐ ብሪጣንያን ርዋንዳ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ፡ እቲ ናብ ርዋንዳ ዝጓዓዙ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ርዋንዳ ክበጽሑ ዘኽእሎም ናይ ሓደ እግሪ ቲኬት ነፋሪት ክወሃቦም ምዃኑ ከም ዝተገልጸ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







